ሓበሬታ ጾመ ሓዋርያት

#ሓበሬታ_ጾመ_ሓዋርያት፦

ጾመ ሓዋርያት ከምቲ ጐይታና “..” ዝበሎ ብድኅሪ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ /ግብ.ሓዋ 2፡1../ ኣቦታትና ሓዋርያት ንዝጾምዎ ጾም እናዘከርና ንጸሞ ናይ ኣዋጅ ጾም እዩ።ዝጅምረሉ ብግእዝ 1 ሰነ 2012 ይጅምር ዝውዳሉ 4ሓምለ 2012 ይፍጸም።ብፍረጂ ድማ ዕለት 8/6/2020 ይጅምር 11/7/2020 ይውድእ።

ናይ ጾም ጥቕሚ እንታይ እዩ?

ናይ ጾም ጥቕሚ ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። እግዚአብሔር ፈጣሪና ኪፈጥረና እንከሎ እንታይ ከም ዝጠቕመናን እንታይ ከም ዝጐድኣናን ንሱ ካባና ንላዕሊ ኣጥዕዩ ስለ ዝፈልጠና፡ ንሥጋናን ንነፍስናን ኪሰማማዕ ዝኽእል ሕጊ ሃበና። ሓደ ካብቲ ዝሃበና ትእዛዛት ድማ ጾም እዩ። ስለዚ ጾም ኣብ ሕይወት ወዲ ሰብ ኣዝዩ ብዙኅ ዝኾነ ጥቕምታት ኣለዎ።

ቅዱስ ያሬድ፦ “እስመ ጾም ዓቢይ በቁዔት ባቲ ታግዕዘክሙ ነፍስክሙ እምኃጢአት ትሜህሮሙ ለወራዙት ጽሙና ዛቲ ጾም ጾም ቅድስት ትፈሪ ሰላመ ወተዓሥዮሙ ትፍሥሕተ – ጾም ዓቢይ ጥቕሚ ኣለዋ፡ ንነፍስኹም ካብ ኃጢአት ናጻ ተውፅእ፡ ንመንእሰያት ከኣ ምርግጋእን ርእስኻ ምግዛእን ትምህሮም። እዛ ጾም እዚኣ ቕድስቲ እያ፡ ሰላም ተፍሪ ነቲ ዝፍጽማ ሰብ ከኣ ሓጐስ ትህብ።” ብምባል ዝዘመሮ ኸኣ ነዚ ዘረጋግጽ እዩ /ጾመ ድጓ ዘቅድስት ዘሐሙስ/ ጾምና ብሰላም ኣጀሚሩ ብሰላም የፈጽመና።