ክብሪ ናይ ቀደማ ድንግል ማርያም

ብምኽንያት እዛ ክብርቲ ዕለት ትብጻሕሓለይ ናብ መላእ ህዝበ ክርስያን ሸር ግበርዋ ዘንበብክማ ንበረኸት ተኻፊልኩም ኣካፍሉ

ግጥሚ ክብሪ ናይ ቀደማ

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ክብሪ ናይ ቀደማ ድንግል ማርያም

ብማንም ዘይትንከፍ እቲ ናታ ክብሪ
ቅድስተ ቅዱሳን ኣደ ምልኣት ፍቕሪ
ጸሎትና ተዕርግ ናብ ልኡል ፈጣሪ
ኣደ ጎይታ ዓለም ምብራቅ ጸሓይ በሪ።

ናይ ምብራቅ ኣፍደገ ተባሂላ ትጥቀስ
ዘለኣለማዊት,ያ ዕጽውቲ ቤት መቅደስ
ተወሊዳትልና ኣብ ደብረ ሊባኖስ
እግዚኣብሔር ባዕሉ መሊእዋ መንፈስ
ጽዮን እመ ኣምላኽ ወላዲተ ክርስቶስ።

ኣብ ሕልና እግዚኣብሔር ኣቀዲማ ዝሓደረት
ኪዳን ዝተኣተወላ ናይ ኪዳን ምሕረት
እንታይ ደኣ ይብሉ ኣለዉ እዞም ጎደሎ እምነት
“ሰብ እንደኣላ,ሞ ኣይግባኣን ክብረት”
ባዶ ፍልስፍና ዘይብሉ መሰረት።

ኩሎም ወለዶ ብጽእቲ ይብሉኹ
ስምኪ እና ጸዎዑ ማርያም ሓደራኺ
ተኣምራትኪ ርእዮም ኩሉ ውዕለታትኪ
ብጽእቲ ኣዴና ስምዕና በጃኪ።

ርህርህተ ርህሩሃን ዘይብላ ኣበሳ
ብጥበብ እግዚኣሄር ብመንፈስ ጠኒሳ
ዝተዓጽወት ማዕጾ ድንግል እያ ንሳ።

ገሊጽካ ኣይውዳእን ኩሉ ተኣምራ
ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ባዕሉ ዘበሰራ
ትኽበር ትመስገን ልዕል ትበል ኣውራ
ብቅኔ ምስጋና ንዘምር ነኽብራ።

ቅዱስ ዮሴፍ ኔሩ ኣብ እዋን ጸገማ
ንወዳ ከተድሕን ንግብጺ ሃዲማ
እዚ ኩሉ ከርተት ከይበለት ደኺማ
ሓሊፋቶ ስደት ወዳ ተሰኪማ።

ተኣምራ ንግሆ ንግሆ ወትሩ እና ተገልጸ
እግዚኣብሔር,ኳ ባዕሉ ንዓኣ መረጸ
እዚ ክሕደት መስሓታውያን ዳኣ በየን
ጌሩ መጸ
ካብቲ ስርናይ ክርዳድ ዘይበሰሉ ዕጸ።

ካብ ኩለን ኣንስቲ ንሳ እንዶ ትምልክዕ
ኣብየት,እባ ለውሃታ ከም ዓይኒ ማይ ይነትዕ
ነቲ ርህራሄኣ ዝገልጽ ብልክዕ
ቃላት ኣይረኸብኩን ንዓኣ ዝበቅዕ።
ኣምላኽ ዝወለደት ንዓለም ዘድሓነ
ብፍጹም ድንግልና ትኣምር ብዝኾነ
ውዕለትኪ ክገልጽ ኣስፊሐ ተንቲነ ዓቅሚ ይሓጽረኒ ድኹም እንዶ ኮይነ
ስቕ ካብ ምባል ግን ንእሽቶይ ፈቲነ።

መላእኽቲ መጺኦም ሰላም ዝበልዋ
ቅዱሳን ኣቦታት እመቤት ይብልዋ
ካህናት ሊቃውንት ወትሩ ዝገልጽዋ
ዘይጽወር ዝጾረት ንሱዶ ዓብይዋ።

ኩሉ ፍጡር ዘበለ እግራ ዝሳለማ
ስሌና ተማልድ ኣብ የማን ወዳ ቆይማ
እዞም መስሓታውያን ሰብ ባዶ ዕላማ
ብዙሕ እንተበሉ ከጸልሙ ስማ
ቅድስተ ቅዱሳን ክብሪ ናይ ቀደማ።

ካብ መጽሔት ነገር ቅዱሳን ብቤት ትምህርቲ ሰንበት ቅዱስ ሚካኤል ዝተዳለወት እያ!!!

ንበረኸት ኩኾነና ኣቢብና ሸር ንግበሮ ኩልና መጽሓፈ ገድሊኺ ዝጻሓፈ ዘንበበ ዘስምዐ እዩ ዝብል ቃል ኪዳና እሞ ተካፍሎም ነሕዋትና sher ግበርዎ ጸሎታ በረኸታን ኣይፈለየና ኣሜን!!!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!