ዕረፍቶም ጴጥሮስ ወጳውሎስ

5 ሓምለ ዕረፍቶም ጴጥሮስ ወጳውሎስ (1ይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን።

5 ሓምለ ዕረፍቶም ለጴጥሮስ ወጳውሎስ;ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ

ጴጥሮስ ማለት ከውሒ፡ መሰረት፡ ማለት እዩ። ቀዳማይ ስሙ ስምኦን ክኸውን ከሎ ጴጥሮስ ኢሉ ዝሰመዮ ግና ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ።እዚ ክርስቶስ ኣምላኽና ኣብ ቂሳርያ ናይ ፍሊጶስ ንሓዋርያት “ንወዲ ሰብ መን ይብልዎ” ኢሉ ሕቶ ኣብ ዘቕረበሎም ግዜ፡ ቅዱሳን ሓዋርያት ሰባት ዝብልዎ ሓሳባት ክነግርዎ ከለዉ ቅዱስ ጴጥሮስ ግን ሱቕ በለ፡ ከመይ ንሱ ዝብሎ ድኣእምበር ዓለምን መሳሰይታን ዝብልዎ ክዛረብ ኣይደለየን።ኣብ መወዳእታ ግና ጎይታ”ንስኻትኩምከ መን ትብሉኒ” ዝብል ሕቶ ኣብ ዘቕረበሎም ግዜ ቅድሚ ኩሎም ቅዱሳን ሓዋርያት ተንሲኡ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው እግዚኣብሔር ኢኻ” ብምባል ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ፡ብተዋህዶ ሓደ ኣካል ሓደ ባሕርይ ከም ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ብዝገለጸሉ ምስጢር ናይ ተዋህዶ ተዛረበ።በዚ እዩ ከኣ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ንስኻ ከውሒ ኢኻ፡ ጴጥሮስ ተባሂልካ ከኣ ክትስመ ኢኻ” ኢሉ ነዚ ስም እዚ ዝሃቦን ብእኡ ክጽዋዕ ዝገበረን።ልዒሊ ኩሎም ሓዋርያት ገይሩ ከኣ ናይ መንግስተ ሰማያት መፍትሕ ሃቦ፡(ማቴ16፡13-20)።ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ ነገዱ ካብ ነገደ ሮቤል ኮይኑ ቁጽሩ ካብ 12 ሓዋርያት፡ሃገረ ስብከቱ ሮሜ፡ዕረፍቱ 5ሓምለ ብ67 ዓመተ ምሕረት ኢዩ።ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳን ሓዋርያት ካብ ዓለም ፈልዩ ንሓዋርያነት ክልእኮም ከሎ ካብ ብዙሕ ዝዓይነቱ ናብራን መድረኽን ኣተንሲኡ እዩ ናቱ ሰዓብትን ናይ ቃላቱ መገብትን ገይርዎም። ሓደ ካብኣቶም ዝኾነ ቅዱስ ጴጥሮስ እውን ኣብ ዓዱ ኣብ ቤተ ሳይዳ ካብቲ ዕለታዊ ናብርኡ ንኽኣሊ ዝሰርሖ ዝነበረ ምግፋፍ ዓሳ ጸዊዑ እዩ ካብ ምግፋፍ ዓሳ ገፋፊ ሰብ ከም ዝኸውን ዝገበረ።ነዚ ዝሰምዐ ቅዱስ ጴጥሮስ ‘ውን ነቲ ዝነበሮ ናይ ዓሳ ምግፋፍ ስራሕ ገዲፉ ምስ ክርስቶስ ክኸይድ ኣሰር ኣሰሩ ክረግጽ ብእምነት ተበጊሱ ሰዓቦ።

ከም ኩሎም ሓዋርያት ከኣ ደድሕሪ ክርስቶስ እናኸደ ክሳዕ ዕርገት ጎይታ ብዙሕ ትምህርቲ ተማህረ።ከምቲ ዝተኣዘዝዎ መሰረት ከኣ ድሕሪ ዕርገት ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብትብዓት ንወንጌል ክርስቶስ ሰቢኹ ኣብ ኣደባብያት ኣብ ዕጸ መስቀል ቁልቁል ኣፉ ተሰቒሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ክቡር ዝኾነ ሞት እዩ ሞይቱ።ኣብ ዘመኑ ስብከቱ ዝፈጸሞም ቅድሚ ምርኣይና ግና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሰፊሑ ተገሊጹ ወይ ድማ ተጻሒፉ ካብ ዝርከብ ትንክፍ ክነብል።ንሱ ከኣ ከምቲ ቅድስት ቤተክርስቲያና እትምህረና፡ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝያዳ ኩሎም ሓዋርያት ቅልጡፍ ከም ዝነብረ ይፍለጥ።ኣብ ቂሳርያ ናይ ፍሊጶስ ዓዲ ንየማን ንጸጋም ከይ በለ ብቕልጡፍ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው እግዚኣብሔር ኢኻ- ንስኻ ሰብ ዝኾንካ ኣምላኽ -ንእግዚኣብሔር ናይ ባህርይ ወዱ እቲ ዝነበረ እቲ ዘሎ እቲ ዝነበር ሓደ ወልድ ስጋ ሰብ ዝለበስካ ክርስቶስ ተባሂልካ ዝተጸዋዕካ -ወልድ ዋኅድ ንስኻ ኢኻ” ብምባል ብዘይካኡ ካልእ ወልድ ከምዘየለን እቲ ሰብዝኾነ ወልደ እግዚኣብሔር ንሱ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ መስከረ።እዚ ስለ ዝመስከረ ከኣ ብጹዕ ተባህለ ልዕሊ ኩሎም ሓዋርያት ከኣ ኮነ።(ማቴ16፡13-20)። ኣብ ደብረ ታቦር ኣብቲ ቅዱስ እምባ ኣብ ዝደየበሉ ግዜ ሊቀ ነብያት ሙሴን ነቢይ ኤልያስን ምስ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክዘራረቡ ምስ ረኣየ፡ናይ ክርስቶስ ክብሪ ምስ ኣስተብሃለ ቅድሚ ቅዱስ ዮሓንስን ቅዱስ ሓዋርያ ያዕቆብን “ንዓናኣብዚ ምንባር ጽቡቕ ኢዩ። ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ ሓደ ንዓኻ፡ሓደ ንሙሴ፡ ሓደ ከኣ ንኤልያስ” ክብል ዝተዛረበ ቅዱስ ሓዋርያ ኢዩ (ማቴ 17፡1-4)።ምስ ቅዱሳን ሓዋርያት ናብ ቅፍርናሆም ኣብ ዝመጽኣሉ ግዜ እቶም ግብሪ ቤተ መቕደስ ዝቕበሉ ሰባት ናብኡ መጺኦም “መምህርኩምሲ ግብሪዶ ኣይከፍልን ኢዩ” ኢሎም ኣብ ዝሓተትዎ ግዜ “ይኸፍል እባ” ክብል መለሰ። ነዚ ፈሊጡ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ባሕሪ ከይዱ ብሞቕሎብ ገይሩ ካብ ዝሓዞ ዓሳ፡ ኣብ ውሽጡ ካብ ዝጸንሐ ሓደ ኣስታቴር(ኣርባዕተ ዲናር ዝሽረፍ) ወሲዱ ኣብ ክንድኡን ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ነቶም ተቐበልቲ ግብሪ ክኸፍሎም ነገሮ። ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ከምኡ ገበረ (ማቴ 17፡24-27)።

ዝነብሮ ዝነበረ ናብራ ሓዲጉ ንክርስቶስ ምስዓቡ ኣብ መወዳእታ ክረኽቦ ዘለዎ ዓስቢ እንታይ ምዃኑ መታን ጽቡቕ ገይሩ ክፈልጥ “እንሆ ንኹሉ ጥሪትና ሓዲግና ስዒብናካ ኣሎና” በሎ። መጻኢ ሂወቱን ትርጉም ምጉዓዙን እንታይ ትጽቢትን ተስፋን ዘለዎ ምዃኑ መታን ንዕኡን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ቅዱሳን ሓዋርያትን ክበርሃሎምን ግልጺ ክኾነሎምን ተዛረበ። ጎይታ ከኣ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ፡ ቤት ኮነ፡ ሰበይቲ ወይ ኣሕዋት ወይ ወላዲ ወይ ዉሉድ ዝሓድግ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘልኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን” ዝብል ዓቢይን ዘጸናንዕን ኣምላኻዊ ቃል ሰምዐ(ሉቃ 18፡28-30)።ብዕለተ ሓሙስ(ቅዱስ ቁርባን ኣብ ዝተሰርዓሉ ምሸት) ብኣምላኹ ብኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ከይሕጸብ ዝተኸራኸረ፡ ናብ ዓርቢ ዘውግሐ ለይቲ ኣይሁድ ምስ ጭፍራ ሰባት ንክርስቶስ ኣምላኽና ክሕዙ ኣብ ዝመጽሉ ግዜ ናይ ኣምላኹ ፍቕሪ ዘቃጸሎ ቅዱስ ጴጥሮስ በቲ ሒዝዎ ዝነበረ ሴፍ ገይሩ፡ እዝኒ ናይቲ ኣገልጋሊ ሊቀ ካህናት ቆረጸ (ማቴ ማቴ 26፡50-52)

ኣቐዲሙ ክርስቶስ ኣምላኽና ብዛዕባ ስቕለቱን ሞቱን ኣብ ዝነገሮም ግዜ “ጎይታይ ! የድሕንካ እባ ድኣ እዚ ኩሉስ ኣባኻ ኣይውረድ ” እና በለ ብታህዋኽ ዝተዛረበ ቅዱስ ጴጥሮስ ክርስቶስ ገሲጽዎ ኢዩ (ማቴ16፡21-23)። መሊሱ’ውን ቅድሚ ስቕለቱ ዝነበረ ሰዓታት ደጊሙ ንሱ ክስቀል ምዃኑ፡ነቲ ጓሳ ኣባጊዕ ምስ ሓዝዎ ድማ ኩላቶም ሓዋርያት ፋሕ ከም ዝብሉ ኣብ ዝነገሮም ግዜ ቅዱስ ጴጥሮስ፥ ኩላቶም እኳ እንተኸሓዱኻ ኣነስ ከቶ ኣይክሓድገካን እየ” ክብል ተዛረበ፡ እንተኾነ በታ ለይቲ እቲኣ ከምቲ ክርስቶስ ዝበሎ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ጭፍራ ናይ ኣይሁድ ከይፈርሐ ብትብዓት እዝኒ ጊልያ ናይቲ ሊቀካህነት ዝቖረጸ፡ ኣብ ቅድሚ ሰበይቲ ግና ፈርሐ “ወዲ መዝሙሩ ኣይኮንኩን፡ ነዚ ሰብ እዚ ኣይፈልጦን ” ካኣ በለ። እንተኾነ ነቶም እንጋገ ዘሎና ኣብነትን ክኾነናን ኣሰሩ ምእንቲ ክንስዕብን ኣምሪሩ በኸየ ፡ተነስሐ ። ዝሕዘኖ ሓዘን ዝነብዖ ንብዓት ተመልኪቱ ንንስሓኡ ተቐበለሉ (ማቴ 26፡69-75)።ብድሕርዚ ማርያም መግደላዊት ናይ ክርስቶስ ትንሳኤ ኣብ ዘበሰረቶም ሰዓትን ግዜን ከኣ ምስቲ ጎይታ ዘፍቅሮ ወደ መዝሙር ማለት ዮሓንስ ኮይኑ ኣብ ናይ ክርስቶስ መቓብር በጽሐ፡ ኣብቲ መቓብር ኣትዩ ከኣ ናይ ክርቶስ ትንሳኤ ኣረጋገጸ ( ዮሃ20፡1-10)

ድሕሪ እውን እንተኾነ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣኪቡ ብማእከልነት ዝመርሕ ዝነበረ ንሱ ባዕሉ እቲ ርእሲ ናይ ሓዋርያት ዝተሰምየ ቅዱስ ጴጥሮስ ኢዩ (ግብ.ሃዋ 5፡1-10)መበል ዓሰርተ ክልተ ዝነበረ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ወጺኡ ንኣምላኹ ኣሕሊፉ ኣብ ምሃብ ስለ ዝበጽሐ፡ ንዕኡ መተካእታ ዝኸውን ሰብ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ክትክኡ ከምዘሎዎም ዝገበረ ኣብ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ብሓደ ግዜ 3000ሰባት ዘእመነ ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ኢዩ (ግብ.ሃዋ1፡12 )ስለዚ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘመነ ሕይወቱ ብዙሕ ትሩፋትን ትምህርትን ዘለዎ ዓቢ ናይ ሃይማኖት ኣቦ እዩ።

ድሕሪ ዕርገት ጎይታ ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ ናብ ሮሜ (ኢጣልያ) ናብ ናይ መኳንንቲ ስፍራ ኣትዩ ዓው ብዝበለ ድምጺ “መሓርቲ ምሕረት ክረኽቡ እዮም እሞ ብጹዓን እዮም” እና በለ ሰበኸ። ነዚ ዝሰምዑ ኣብቲ ቤት ተተኺሎም ነቲ ቤት ኣቑሞም ዝነበሩ ኣርባዕተ ኣዕኑድ ብሓባር “ኣሜን” ዝብል ድምጺ ኣስምዑ።ኣብቲ ቤት ሓደ 70 ዓመት ዘውድቕ ጋኔን ዝሓዞ ሰብኣይ ነበረ እሞ ነቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተዛረቦ ቃል ሰሚዖም እቶም ኣርባዕተ ኣዕኑድ “ኣሜን ” ክብሉ ምስ ሰምዐ፡ ብስንባደ እቲ ጋኔን ካብቲ ሰብ ወጸ። ነዚ ዝረኣዩ ናይ ሮማ መኳንንቲን ዓበይቲ ዓድን ኣዝዮም ፈርሑን ተሸበሩን፡ በቲ ዝኾነ ነገር ከኣ እና ተደንቑ ነናብ ቤቶም ከዱ።ኣብቲ ጉባኤ ዝወዓለ ቀውስጦስ ዝስሙ ሓደ ሰብኣይ ነበረ እሞ ናብ ቤቱ ከይዱ ንኣክሮስያ ሰበይቱ እቲ ኩሉ ዝኾነን ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሰበኾ ስብከትን ነገራ። ንሳ ድማ ብልባ ደስ እና በላ ብሓቂ ናይ ዓለም ነገር ኮንቱ ምዃኑን ሃብትኻ ንድኻታት ንጽጉማት ምሃብ ከም ዝግባእ ኣሚና፡ “እዚ ኣዝዩ ጽቡቕ ነገር እዩ እሞ፡ እቲ ጴጥሮስ ዝበሎ ክንገብሮ ይግባኣና እዩ” ክትብል ንሰብኣያ መለሰትሉ። ብድሕርዚ ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመሃሮም ገበሩ ንኹሉ ሃብቶምን ንብረቶምን ከኣ ንድኻታትን ንጽጉማትን ሂቦም ወድእዎ።

ናይቲ ሃገር ዝነበረ ንጉስ ብዛዕባ ናይ መንግስቲ ግብሪ ክማኻር ንቀውስጦስ ናብኡ ክመጽእ ጸውዖ እሞ፡ እዚ ዝሰምዐ ቀውስጦስ ግና ናብ ንጉስ ሒዝዎ ዝኸይድ ገጸ በረኸት ብዘይ ምንባሩ ብልቡ ኣዝዩ ሓዘነ። ምስ ሰበይቱ ከኣ ብዙሕ ተማኸረ። ኣብ መጨረሽታ ሰበይቱ “ኣይትሸገር ኣምላከ ቅዱስ ጴጥሮስ ክረድኣካ እዩ፡ ስቕ ኢልካ ድኣ ኪድ ” ኢላ ኣፋነወቶ። ብድሕሪ እዚ ቀውስጦስ ንሰበይቱ ተፋንዩ ናብ ንጉስ ከደ፡ እቲ ንጉስ ካኣ ብሓጎስን ብደስታን ተቐበሎ። ቀውስጦስ ንሰለስተ ዓመታት ዝኣክል ምስ ንጉስ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ዓዱ ተመልሰ፡ እንተኾነ ገዲፍዎም ዝኸደ ክልተ ደቁ ሞይቶም ጸንሕዎ፡ ሰበይቱ ከኣ ከመይ ገይራ ከም እትነግሮ ዓቕላ ጸበባ። ድሕሪ ብዙሕ ምሳሌታት ካኣ እቲ ዝኾነ ንሰብኣያ ነገረቶ እሞ ቀውስጦስ ሰብኣያ ኣዝዩ ሓዘነ፡ ተከዘ ። ንሳ ግን “ኦ! እግዚእየ ንስእሎ ለእግዚኣብሔር ኣምላከ ጴጥሮስ/ኦ! ጎይታ ንእግዚኣብሔር ንናይ ጴጥሮስ ኣምላኽ ንለምኖ” በለቶ። ብድሕሪ’ዚ ብስቡር ልቢ ናብ ኣምላኽ ናብ እግዚኣብሔር ጸሎቶም ኣቕረቡ እሞ “ኦ! ቀውስጦስን ኣክሮስያን ቃል ኣገልጋልየይ ጴጥሮስ ስለዝሰማዕኩምን ዝተቐበልኩምን ንኽልቲኦም ደቅኹም ህያዋን ገይረ ክህበኩም እየ” ዝብል ድምጺ ካብ ሰማይ መጸ። ክልቲኦም ደቆም ከኣ ተንስኡ። ሓደ ካብኣቶም ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ረድእን ኣገልጋልን ዝኾነ ቀሌምንጦስ እዩ። ጸኒሑ ቅዱስ ጴጥሮስ ንቀሌምንጦስ ጳጳስ ንሓዉ ከኣ ዲያቆን ገይሩ ሸሞም።ብድሕሪ’ዚ ኣብ ላዕሊ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ዕብየታን ክብራን ኣብ ደመና ብመልክዕ ቀስቲ፥ ኣብቲ ቀስቲ ከኣ ኣብ ማእከል ደብተራ ብርሃን፥ ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅዱሳን መላእክት ብእሳት ሓዊ ተኸቢቦም ንዓኣ ከኣ ከቢቦም እና ኣመስገንዋን እና ወደስዋን ተራእየቶ።ብዙሕ ዓበይቲ ዘደንቑ ነገራት ከኣ ሰምዐን ረኣየን።

ብድሕሪ’ዚ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኩሉ ቦታታት ከይዱ ክሰብኽ ከም ዘለዎ ኣዘዞ እሞ ካብኡ ተበጊሱ ብኤማሁስ (11ኪሎ ሜተር ካብ ኢየሩሳሌም) ሓሊፉ ናብ ልዳ(ሉድ -ቅዱስ ጊዮርግስ ብሰማእትነት ዝዓረፈሉ ቦታ ) ካብኡ ከኣ ኣብ መጨርሽታ ናብ ኢዮጴ(ናይ ሎሚ ተል-ኣቪቭ) በጽሐ። ኣብ ልዳ(ሉድ) ካብ ሸሞንተ ዓመት ኣትሒዙ ኣብ ዓራት ዝደቀሰ ኤንያ ዝስሙ ልሙስ ሰብኣይ ካብ ዓራቱ ኣተንስኦ፡ ኣብዚ ቦታ እዚ ከሎ ከኣ ሓንቲ ጣቢታ(ዶርቃስ)ዝተባህለት ሰናይ ምግባርን ምጽዋት ምሃብን እተዘውትር ዝነበርት ኣማኒት ሓሚማ ሞተት፡ ብድሕሪ’ዚ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ልዳ ከም ዘሎ ዝፈለጡ ሰብ ኢዮጴ ሰባት ልኢኾም ናብኡ ከም ዝመጽእ ገበሩ፡ ንሱ ድማ ሕያው ገይሩ ኣብ ቅድሚኦም ደው ኣበላ (ግብ.ሃዋ 9፡32-43)።ቅድሱ ጴጥሮስ ኣብ ኢዮጴ እና ጸለየ ከሎ እንሆ ብኣርባዕተ መኣዝኑ ዝተታሕዘ ዓቢይ ነጸላ ዝመስል ካብ ሰማይ ወሪዱ ናብኡ መጸ ኣብ ውሽጡ ከኣ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳ ዘቤትን ኣራዊትን ለመም ዝበሉን ኣዕዋፍ ሰማይን ረኣየ እሞ “ጴጥሮስ ተንስእ ሓሪድካ ብላዕ” ዝብል ድምጺ ካብ ሰማይ መጾ ንሱ ግና “ርኹስ ወይስ ዘጸይፍ ከቶ ኣብ ኣፈይ ኣትዩ ኣይፈልጥን እዩ እሞ ኣይከውን እዩ” ክብል መለሰ። ካልኣይ ግዜ ከኣ “ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሖ ንስኻ ርኹስ እዩ ኣይትበል” ዝብል ድምጺ ደጊሙ መጾ ከምዚ እና በለ ሰለስተ ግዜ ተደጋገመ፡ ኣብ መጨረሽታ ከኣ ኩሉ እቲ ዝረኣዮ ራእይ ናብ ሰማይ ተወስደ (ግብ.ሃዋ 10፡9-17, ግብ.ሃዋ 11፡5-10)። ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ እና ተጨነቀ ከሎ እምበኣር እቲ ኣብ ቂሳርያ ዝቕመጥ ዝነበረ ምስ ኩሉ ስድራቤቱ መንፈሳዊ ሰብ፡ ንህዝቢ እውን ብዙሕ ምጽዋት ዘዘውትር ቆርኔሌዎስ ዝተባህለ ነቲ ኣብ ቤት ስምዖን (ኣልፍዒ ቆርበት) ዝነበረ ጴጥሮስ ሰባት ልኢኹ ናብ ቤቱ ጸውዖ። ቅዱስ ጴጥሮስ ከኣ ናብ ቤቱ መጺኡ ኣጠመቖ። ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባት ውን መንፈስ ቅዱስ ብዝሃቦ ጸጋን ጥበብን ናይ ክርስቶስ ትምህርቲ ምሂሩ ክርስቲያን ክኾኑ ኣብቅዖም (ግብ.ሃዋ 10፡44-48)።

ብድሕር’ዚ ከምቲ ጎይታ ዝኣዘዞም ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ቅዱስ ዮሓንስ ናብ ኣንጾኪያ ኣምርሑ። ቅድሚኡ ግና ቅዱስ ዮሓንስ ንሃገረ ኣንጾኪያ ኣጽኒዕዋ ክመጽእ ናብ ኣንጾኪያ ከደ። እቶም ሰባት ናይታ ሃገር ግና ሕሱማትን ክፉኣትን ኮይኖም ጸንሕዎ ክቐትልዎ’ውን ደለዩ። እና ሓዘነ ናብ ቅዱስ ጴጥሮስ ተመሊሱ ከኣ “ነግስታትን መኳንንትን ናይዛ ሃገር ክፉኣትን ርጉማትን እዮም። ከመይ ኢልና ኢና ድኣ ናይ ክርስቶስ ትምህርቲ ክንሰብኽን ሃይማኖት ክምህሮምን፧”በሎ። ነዚ ምስ ሰምዐ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍቁረይ ብዛዕባ ናቶም ነገር ኣይትሕዘንን ኣይትደንግጽን ብኣፍራስ 20 መዓልቲ ዝወስደመንገዲ፡ እንሆ ንዓና ግና ብሓደ ለይትን መዓልትን ካብ ኢየሩሳሌም ኣብዚ ዘብጽሓና ኣምላኽ ሕጂ እውን ንኹሉ ስራሕና ባዕሉ ከስልተልናን ከሰንየናን እዩ ” በሎ። ናብቲ ሃገር ኣትዮም ከኣ እና ተዛወሩ ናይ ክርስቶስ ወንጌል መሃሩ፡ እንተኾነ እቶም ህዝቢ ኣዝዮም ጨካናትን ርጉማትን ኣብ ኣምልኾ ጣዖት ዝተጸምዱ ስለ ዝነበሩ፡ ብዘሰቕቕ መገረፍቲ ገረፍዎም መታን ክላገጽሎምን ክስሕቅዎምን ከኣ ሓሓሊፎም (ቦግ ቦግ እና ኣበሉ ) ርእሶም ላጸይዎም፡ ነዚ ገይሮም ከኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም። እዚ ምስ ኮነ ኣብ ውሽጢ እቲ ተኣሲረምሉ ዝነበሩ ስፍራ ኮኖም እግዚኣብሔር መታን ክረድኦም ጸሎት ኣቕረቡ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከእ ” ኦ! ኅሩያንየ ጴጥሮስ ወዮሓንስ ኢትፍርሁ ወኢትኅዝኑ እስመ ኣነ ህልው ምስሌክሙ እስከ ለዓለም/ ኦ ! ሕሩያተይ ጴጥሮስን ዮሓንስን ኣይትፍርሑን ኣይትሕዘኑን ኣነ ክሳዕ ዘልኣለም ምሳኹም ኣለኹ፡ብዛዕባ እቲ ንኽስሕቁ ኢሎም ሓሓሊፎም ዝላጸይዎ ጸግሩኹም ኣይትሕሰቡን ኣይትሕዘኑን እዚ መመክሕን ክብርን ናይ ክህነት ስርዓትን ንኹሉ ነቲ ስጋይን ደመይን ዘቑርብ ሰብ ክኸውን እዩ” ክብል ተዛረቦም።ሎሚ ቅድስት ቤተ ክርስቲያና ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰባት ብሕግን ስርዓትን ናይ ቅድስት ኦርቶድክሳዊት ተዋህዶ ሃይማኖት ዝተማህሩ፡ ማዕርገ ዲቁናን ክህነትን ኣብ ዝቕበልሉ ግዜ ከምቲ ጎይታ ንቅዱሳን ሓዋርያት ጴጥሮስን ዮሓንስን ዝኣተወሎም ቃል ኪዳን መሰረት፡ ኣብዚ ማዕርግ እዚ ንዝበጽሑ ሰባት ኣብ ግዜ ማዕርግ ኣብ ዝዕደልሉ ግዜ ከምቲ ሰብኣ ቂሳርያ ዝገበርዎ፡ ካብ ጸጉሪ ናይዞም ሰባት ከኣ ሓሓሊፉ(ቦግ ቦግ የብልሎም) ይውሰደሎምን። ቃል ጎይታ ስለዘይሓልፍ እዚ ስርዓት ኮነ።

ቅዱሳን ሓዋርያት ጴጥሮስን ዮሓንስ ካብ ቤት ማሰርቲ ምስ ወጽኡ፡ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ብፍቓድ ኣምላኽ ናብኣቶም መጸ እሞ ንቅዱስ ዮሓንስ ረኸቦ። እቲ ኮይንዎ ዝነበረ ምስ ረኣየ ከኣ “እንታይ ኮይንካ ናይ’ዛ ሃገር ሰባት’ከ እንታይ ገበሩኻ” ክብል ሓተቶ።ቅዱስ ዮሓንስ ብወገኑ “ኢታንክር እምኔየ እስመ ሊቀ ሓዋርያት ካዕበ በዝንቱ ኣርኣያ ሀሎ” ክብል መለሰሉ። ካብኡ ተንሲኡ ቅዱስ ጳውሎስ ናብቲ ቤተ ጣዖቶም ከይዱ ንሱ ጣዖት ከም ዘምልኽ መሲሉ ቀርርቦም። ብድሕሪ’ዚ ናብቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበሮ ስፍራ ወስድዎ እሞ ንቅዱስ ጴጥርስ ምስ ረኣዮ ከምዘይፈልጦ መሲሉ ገጹ ጸፍዖ “ንስኻ ብሓቂ ናይ ጽድቂ ትምህርቲ እንተድኣ ኣለካ ኮይኑ እንታይ ትእምርቲ ተርእየና” ኢሉ ከኣ ሓተቶ። ነቶም ኣሕዛብ ከኣ “ምዉታን እንተድኣ ኣተንሲኡ ክንኣምኖ ኢና” ክብል ተዛረቦም እሞ ካብ ዝመውት 3 ወርሒ ዝገበረ ሬሳ ኣምጽእሉ ንሱ ከኣ ናብ እግዚኣብሔር ጸለየ፡እቲ ሞይቱ ዝነበረ ሰብ ከኣ ህያው ኮይኑ ኣተንስአ።እዚ ምስ ኮነ ናይታ ሃገር ንጉስን ሰበይቱን ምስ ጳውሎስ ተዘራረቡ እሞ በቲ ዝኾነ ኩሉ ኣመኑ። ሽዑ ቅዱስ ጴጥሮስ ምድሪ ቤት ናይ ዝነበርዎ ገዛ በትሪ ገይሩ ሃረሞ እሞ ጽሩይ ማይ ወጽአ። በቲ ዝወጽአ ጽሩይ ማይ ገይሩ ከኣ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስ ንንጉስን ስድራቤቱን ንኹሎም ናይ ኣንጾኪያ ሰባትን ኣጠመቖም ፡ቤተ ክርስቲያን ውን ሃነጽሎም።

ብድሕሪ’ዚ ናይ ሎዶቅያ ሰባት “ባሕሪ ቂሳሮስ መሊኡ ንኹሉ ገዛውትናን እንስሳታትናን ሰብናን ኣጥፊኡና” ክብሉ ሰባት ናብ ኣንጾኪያ ናብ ቅዱስ ጴጥሮስን ዮሓንስን ለኣኹ። እዚ ምስ ሰምዐ ቅዱስ ጴጥሮስ ን ቅዱስ ዮሓንስ ነቲ ባሕሪ ከህድኦ ለኣኾ። መልእኽቲ ተቐቢሉ ቅዱስ ዮሓንስ እና ኸደ ከሎ ካብ ሎዶቅያ ብውሕጅ ዝመጸ በጊዕ ረኸበ እሞ “ናብ ፈለገ ቂሣሮስ ኬድካ ናይ ክርስቶስ ኣገልጋሊ ናባኻ ልኢኹኒ ንስኻ ብቃል እግዚኣብሔር ዝተኣሰርካ ኢኻ” በሎ ኢሎ ሰደዶ፡ እቲ ዝተላእከ በጊዕ ከምቲ ዝበሎ ገበረ፡ ከይዱ ከኣ ነቲ ባሕሪ ኣህድኦ። ከመይ እግዚኣብሔር ድንቂ እዩ !!! ኩሉ ፍጥረት ከኣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ እዩ!!!ነዚ ዘደንቑ ትእምርቲ ዝረኣዩ ናይታ ሃገር ሰባት ከኣ ብክርስቶስ ኣመኑ።ቀጺሎም ብሰማርያ ሓለፉ ኣብኡ ከኣ ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ገበሩ።ንብዙሓት ሰባት ካብ ዘይምእማን ናብ እምነት ኣምጽኡ።ጸልዮም ናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋን ውህበትን ኣውረድሎም። ነዚ ዝረኣየ ሲሞን ዝባህል ጠንቋሊ ብኽፍኣቱ ሃብቲ መንፈስ ቅዱስ ክቕበል ደለየ፡ኣንተኾነ ቅዱስ ጴጥሮስ ገሰጾ (ግብ.ሃዋ 8፡4-24)።ብትምህርቶም ዝኣመና ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ንኣዴታተን ገዲፈን ንጽህንአን ሓልየን ካብ ስድራቤተን ተፈላለያ።

በቲ ዝገበሮ ዓቢ ትምህርታትን ዘደንቕ ተኣምራትን ሮማውያን ገዛእቲ ክቐትልዎ ደለዩ።እዚ ዝሰምዑ ኣመንቲ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዝነበሮም ፍቕሪ ሮማ ገዲፉ ክወጽእ ሓበርዎ እሞ ቅዱስ ጴጥሮስ ልብሱ ቀይሩ ካልእ ሰብ መሲሉ ካብቲ ከተማ ክወጽእ ተበገሰ።ካብቲ ከተማ እና ወጸ ከሎ ግና ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ቀደም ዝፈልጦ ኮይኑ ተጓነፎ፡ሽዑ ቅዱስ ጴጥሮስ “ናበይ ደሊኻ ጎይታይ” ክብል ሓተቶ። ጎይታ ድማ “ካልኣይ ግዜ ክስቀል ናብ ሮማ ይኸይድ ኣለኹ” በሎ።ሽዑ እቲ ኣቐዲሙ ጎይታ “ንስኻ በጽሒ ከለኻ ባዕልኻ ተዓጢኽካ ናብ ዝደለኻዮ ትኸይድ ነበርካ ምስ ኣረግካ ግናኣእዳውካ ከም እተልዕል እሞ ካልእ ከም ዘዕጥቕካ ናብ ዘይደለኻዮ እውን ከም ዝወስደካ ብሓቂ ብሓቂ ይብለካ ኣለኹ ” ዝበሎ ቃል ዘከረ እሞ ናብ ሮማ ንድሕሪት ተመልሰ (ዮሃ 21፡18-19)።“ከም ኣምላኸይ ንላዕሊ ገጽ ኣይስቀልን ምስኡ ኣይመዓረረን እየ” ኢሉ ቁልቁል ኣፋ ተሰቒሉ ድማ ብሰማእትነት ዓረፈ።ጸሎቱን በረኸቱን ናይ ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ኩልና ህዝበ ክርስትያን ይኹን ኣሜን!

ምንጪ መዝገበ ታሪኽ 2ይ ክፋል

ይቕጽል……..ናይ ቅዱስ ሓዋር ጳውሎስ