ዝክሪ በዓል ሰማእታት ኤርትራ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

#ዝክሪ_በዓልሰማእታት_ኤርትራ!??????????

ሰማእታት ዝበሃሉ ብሓባር ኮነ ብውልቂ ምእንቲ ሓቅን ጽድቅን ምእንቲ ህዝብን እምነትን ሂወቶም በጃ ዘወፈዩ መስዋእቲ ዝኾኑ እዮም። ሰብ ኣብ ክንዲ ብጻዩ ንሂወቱ በጃ ኣሕሊፉ ክህብ ካብዚ ዝዓቢ ፍቕሪ ስለዘየልቦ፡ ሰማእትነት ዓቢይ ክብርን ዓሚቅ ፍቅርን ዝሓዘ እዩ።
ኣብ ስጋዊ ሂወት ኮነ መንፈሳዊ ሂወት ቀይሕ ደም ከይፈሰሰ ጻዕዳ ዓፅሚ ከይተኸስከሰ ብዘይ መስዋእቲ ናጽነት ኣይርከብን’ዩ። ሃገርካ ኪወርር ህዝብካ ክሓስር ሃይማኖትካ ኪቅይር ንዝመጸካ ምክልኻልን ክሳዕ ሞት ዝበጽሕ መከራ ምቕባልን ንቡር እዩ። ኣብ መጽሓፍ መቃብያን ተጻሒፉ ከምዘሎ፦ እቶም ህዝበ እግዚአብሔር ዕብራውያን ነቲ ንቤት መቕደሶም ዜፍርስ፡ ንሃገሮም ዜብርስ ንነፍሶምን ጥሪቶምን ዜባሳብስ፡ ጸላኢ ተላዒሉ ኣብ ወሰን ምድሮም ናይ ባዕዲ ሰራዊት ከምዝሰፈር ምስ ርኣዩ ብኽብሪ ንምንባር ወይ ብኽብሪ ንሙማት ወሰኑ።

ምእንቲ ቤት መቅደስ ኣምላኽን ምእንቲ ሃገሮምን ኪዋግኡ ተገደዱ። ብሓንሳእ ተኣኪቦም ‘ኦ ጐይታ ኣህዛብ ክድምስሱና መጺኦም ኣለዉ ነቲ ኣሚሞምዎ ዘለዉ’ውን ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ’ እናበሉ ናብ እግዚአብሔር ምስ ጸለዩ፡ ቤት መቕደስና እናፈረሰ፡ ህዝብና እናተደምሰሰ ፈዚዝካ ካብ ምርኣይ ኣብ ውግእ ሙማት ይሓይሽ ኢሎም መለኸት ነፊሖም ተዋግኡ። ኣብቲ ውግእ ካብ ክልተኡ ወገን ብዙሓት ተወጊኦም ወደቑ። እቲ ዓወት ግና ናይ ሕዝቢ እግዚአብሔር ዕብራውያን ኮነ። ነዚ ድሕሪ መሪር ቃልስን ብዙሕ መስዋእትን ዝተረኽበ ዓወት ድማ ዝዓነወ ቤት መቕደሶም ሃኒፆምን ቀዲሶምን፡ ተምሳል ዋልታ ምክልኻልንን ኣኽሊል ዓወትን ብምግባር ዓመት ዓመት እንዘከሩ የብዕልዎ ነበሩ። (ቀዳማይ መጽሓፈ መቃብያን)

እንሆ ንሕና’ውን ዓመት ዓመት በዓለ ሰማዕታት ኤርትራ ኢልና ከነብዕሎ ከሎና ነቲ ብደሞም ዝተረኽበ ዘውዲ ናጽነትና እናዘከርና ነፍሳት ኵሎም ሰማዕታትና ዕረፍቲ ነፍሲ ንኽህቦም ንእግዚአብሔር ብምምሕጻን እዩ። ሰማእታት ኤርትራ ምእንቲ ፍቕሪ ሃገርን ሕዝብን ሂወቶም ዘሓለፉ ስለዝኾኑ ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ ክህቦም፡ ነቶም ኣካሎም ዝስውኡ ኸኣ ምጽንናዕ ክዕድሎም ንእግዚአብሔር ምልማን ዝግባእ እዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ዝተዘርወ ኣዕጽምቶም በቲ ዝፈሰሰ ደሞም ጠሊሉ ፍረ ናጽነት ስለዝፈረየ።

ሓቂ እዩ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ሃገር ንምዉሓስ ንምርካብን ንምኽባርን ብዙሕ ዕንወትን ሞትን ስንክልናን ስደትን ዝኽትምናን ምክልባትን ገጢምዎ እዩ። ግና ብምስጋና ብጸሎትን ተቐቢሉ ኪጸናናዕ ከምዘለዎ ክምህረና ከሎ እግዚአብሔር “ንህዝበይ ኣጸናንዑ፡ እወ ንህዝበይ ኣጸናንዑ ንህዝቢ ኢየሩሳሌም ኣተባብዕዎም ጸበባኦም ከምዝተወደአ ኣበሳኦም ከምዝተሓድገ ንገርዎም።” ብምባል የጸናንዓና። ምጽንናዕ ብእግዚአብሔር ምዃኑ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ክገልጽ ከሎ “በቲ ንርእስና ካብ እግዚአብሔር እንጸናንዓሉ፡ . . . ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ እዩ።” 2ይ ቆሮ. 1፡3-5

ስለዚ ነቲ ጸገማትና ዝፈትሕ፡ ካብ ፈተና መዋፅኦ ዝፈጥር፡ ካብ ሓዘንና ዘጸናንዕ እግዚአብሔር ምዃኑ ኣሚንና ንሓድሕድና ክንጸናናዕን ክንተባብዕን ግብእና ክንፍጽምን፡ ከምኡ’ውን ሃገርን ህዝብን ናጽነቱ ተኸቢሩ፡ ሰላምን ቅሳነትን ኪረክብ ጸሎትን ምህለላን ወትሩ ክግበር ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ምሕጽንታኣ ተቕርብ።

ኵሉ ዝከኣሎ እግዚአብሔር ኣምላኽና፡ ነቶም ስለ ሃገሮም ሂወቶም ዘሕለፉ ዘልኣማዊ ዕረፍቲ፡ ነቶም ኣካሎም ዝሰውኡ መንፈሳዊ ኃይሊ፡ ንቤተ ሰቦም ድማ ምጽንናዕ ክህብ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና!

ኤሜን ((3))