ምሕረት ዝልማዳ

ምሕረት ዝልማዳ ርህርህቲ ሕልና
ተስፋ ናይ ኣዳም ናይ’ጻድቃን ልመና
ኣይትጭክንን ዝተማህጸነኪ
ንዒ ብደምና ምስ ርህርህ ወድኺ (2x)

ማርያም ስለ ናትኪ ቃላት ይሓፅረን
ብኣኪ ዝፍጸም ስራሕ ይገርመኒ
ወለዲ’ኹሉ ናባኺ ይምህለሉ
ቅድስት ማርያም ለምኒ እንዳበሉ (2x)

ዕድሎት ፍቅርኪ አንዳትሓገዝኩ
ኣብዚ በጽሔልኪ ምንም አንስደስንሉ
መልሲ የብለይን ነዚ ኹሉ እልልታ
ስለምንታይ ኢኪ ዝሃበኒ ጎይታ (2x)

ኣብ ቤተ ምቅደስኪ ከምቶም ኣቦታተይ
ተምበርኪከልኪ ዘርጊሔ ኣእዳወይ
ከበሮ ኣድሚጽ በገና ኣቃሊሑ
ኣመስጊነኪ ልበይ ተመሲጡ (2x)

ክንደይ ተጠቂሙ ንስምኪ ፀዊዑ
ፀሎቱ ሰሚሩ ከይዱ ተሓጕሱ
ዘውትር እግዚኣብሄር ዘልኣለም ምሳኺ
በረከት ይረክብ ዝልምን ንዓኺ (2x)