ልደት ዓርቢ ውዒላ ፡ ትብላዕ ዶ ወላስ ትጽወም ?

ልደት ዓርቢ ውዒላ ፡ ትብላዕ ዶ ወላስ ትጽወም ?
ኣንቢብኩም ናብ ካልኦት ኣካፍሉ
በስምኣብ ፡ ወወልድ ፡ ወመንፈስቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ

ጾመ ገሃድ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ብኣዋጅ ክጽወሙ ካብ ዝሰርዓቶም ሸውዓተ ኣጽዋማት ሓደ እዩ። እዋን ናይዚ ጾም ድማ ኣብ ድሮ ልደትን ጥምቀትን ኮይኑ ንሓደ መዓልቲ ጥራይ ዝጽወም ጾም እዩ። በዓለ ልደትን ጥምቀትን ኣብ መዓልትታት ጾም ማለት ረቡዕን ዓርብን ክውዕሉ ከለዉ ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ብለይቲ እዩ ዝቕደስን ድሕሪኡ ድማ ክብላዕ ዝፍቀድን (ወጾመ ድራረ ልደት ወጾመ ድራረ ጥምቀት)። በዚ መሠረት ድማ እቲ ብመንፈሳዊ ፍስሓን ሓጐስን ክበዓል ዝግብኦ ክቡር በዓል ጐይታ ጾም ብምጽዋም ከይነሕልፎ ብማለት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክንዲኡ ብድሮ ሓሙስን ሠሉስን ክጽወም ብኣዋጅ ሰሪዓቶ ትርከብ። (ፍት. መን ኣን 15) እዚ ጾም’ዚ በብዓመቱ ክጽውም ኣብ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ከምዝተወሰነ ድማ ከነስተብህሎ ይግባእ።

ናብቲ ትርጉም ናይቲ ቃል ክንምለስ ከሎና ገሃድ ማለት ለውጢ ብካልእውን ምግላጽ ማለት እዩ። ኣብዚ ናይ ጾም ትርጉም ወሲንና ክንርእዮ ከሎና ኣብ ክንዲ እቲ በዓል ንድሮ ናይቲ ዕለት ክጽወም ለውጢ ኮይኑ ስለዝተሰርዐ ከምኡ ዝብል ትርጉም ሒዙ ይርከብ።

ድሮ ልደት ግና ኣብ ውሽጢ ጾም ስለዝርከብ ንባዕሉ ስሩዕ ጾም እንድዩ ዝብሉን ዝሓቱን ኣይሰኣኑን ግና ኣብ ከምዚ እዉጅ ጾም ገሃድ ግና ዝያዳ ካብቲ ስሩዕ ክሳብ ሰርክ ክጽወም ከምዝግብኦ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ይእዝዙ (ሰብዓቱ አጽዋማት እለ ሥሩዕ ጾሞሙ እስከ ፱ ሰዓት … ወዘሰ አፈድፈደ ጾመ እምዝንቱ ዘተሠርዐ ይፈደፍድ ዕሤቱ)። ብፍላይ ድማ በቲ ዕለት በዓል ቅዱስ ሥጉኡን ክቡር ደሙን ክቕበሉ ዝተዳለዉ ምእመናን ብድሮ ምሉእ መዓልቲ ዝኾነ ነገር ኣይበልዑን ኣይሰትዩን እዮም (ወሶበ ተሰነዓወ ወኀብረ ዕለተ ልደት በዕለታተ ጾም ዘውእቶሙ ረቡዕ ወዓርብ ይጸልዩ ወይትመጠዉ እምሥጢራተ ቅዱሳት ወኢይፍትሑ ጾመ እስከ ፱ ሰዓት) ።

ገለ ብሩኻት ምእመናንውን እኳ ደኣ ዝያዳ ብጾም ንኣምላኽ ምልማን ከምዝግባእ ብምስትውዓል ክሳብ ለይቲ ዝቕደስ ዝኾነ ነገር ኣይለኽፉን እዮም። ገለ ውልቀ ሰባት ግና ነቲ ብኣዋጅ ክጽወም ንዝተሰርዐ ጾመ ነቢያት ሸለል ኢሎም ከይጾሙ ነቲ እዋን ጾም ኣሕሊፎም ከም መከሓሓሲ ብድሮ እቲ በዓል ንዝተሰርዐ ጾመ ገሃድ ጥራይ ክጾሙ ይፍትኑ። እዚ ግና ፈጺሙ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ኣይኮነን።

ጾመ ገሃድ ኣብ ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ዝውዕለሉ እዋን ማለት ብፍላይ ጥምቀት ሰንበትን ሰኑይን ኣብ ዝበዓለሉ ጊዜ ሰናብቲ ዝኾነ ከይጠዓምካ ምጻም ክልኩል ብምዃኑ ኣብዘን መዓልትታት ጠስሚ ሥጋ ካብ ዝኣመሰሉ ጥሉላት ተኸልኪልካ ካልእ ናይ ጾም መባልዕ ምብላዕ ይፍቀድ እዩ(ወኢይጹሙ በዕለተ እሑድ ወሰንበት ዘእንበለ ጥሉላት)።

ስለዚ ብኸምዚ መገዲ ኣብዚ ዘሎናዮ ዓመት ድማ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕለት ዓርቢ ስለዝወዓለ ሓሙስ ጾመ ገሃድ ተባሂሉ ክሳብ ሰርክ ክንጾሞ ዝግባእ ኮይኑ ዓርቢ ግና ዝኾነ መግቢ ብመጠን ክንበልዕ ዝፈቀደልና ምዃኑ ነቶም ነዚ ነገር እዚ ዘይተነጸረልኩም ምእመናን ከነብርህ ንፈቱ። (ወናሁ ይቤሉ ባስልዮስ ወአፈወርቅ እስመ ገቢረ በዓልሰ አኮ በመብልዕ ውእቱ)

ወእለመሰ መጽአ በእንቲአሁ ተጋዕዞ ጸዊሞቱ ድልው ወይኄይስ ፈድፋደ እመብልዕ (ንጹም ንብላዕ ብዝብል ኣብ ሞንጐኹም ዘይምስምማዕ ወይውን ክርክር እንተተፈጥረ ናብ ጾም ኣዘዝዉ ንነፍስ ካብ ምብላዕ ምጻም ይሕሻ)

እግዚአብሔር አምላኽ ጾምና ይባርኸልናን ይቐድሰልናን፥ንብርሃነ ልደቱ ድማ ብሰላም የብጸሓና።

ናብ ኩሎም ወገናትና ምእንታን ክበጽሕ ተሓጋጊዝና ሼር ንበሎ ክቡራት የሕዋት