ማንካዝሰረቐ ቀሺ!

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን

ማንካዝሰረቐ ቀሺ!

ሓደ ካህን/ቀሺ ምስ ሃይማኖታውያን ስድራ ቤት ናይ ድራር እንግዶት ነበሮ። ድሕሪ ድራር እቶም ቀሺ ንቤቶም ምስ ከዱ፡ እታ ሰበይቲ ንበዓል ቤታ “እዞም ቀሺስ ማንካና ሰሪቖም ከይዶም መስለኒ!” በለቶ።

ንዓመት ምሉእ በዛ ማንካ #እናሓሰበት ተሸገረት። ድሕሪ ዓመት እቶም ቀሺ እንደገና ንድራር ናብቶም ስድራ ቤት መጹ’ሞ እታ ሰበይቲ ክትጽመም ስለዘይከኣለት ካብ ኣብ ውሽጠይ ጌረዮ ዝሕመስን ዝሻቐልን ዘይሓቶም ብምባል፡

“ኣባ ቀሺ፡ ዓሚ እቲ ናብዚ ገዛ ክትመጹናስ ማንካ ተማሊእኩም ከይድኩም ዲኹም? ክትብል ሓተተቶም።
እቶም ቀሺ ድማ “ኣይፋል እዛ ጓለይ፡ ኣብ ማእከል እታ መጽሓፍ ቅዱስ ኣእትየያ ኔረ” ክብሉ መለሱላ።

ትምህርቲ፡- እዚ ዘርእየና እዞም ስድራ ቤት ንዓመት ዝኣክል ንመጽሓፍ ቅዱስ ገንጺሎሞ ከምዘይፈልጡ እዩ። ገንጺሎሞ እንተ ዝነብሩ ነታ ማንካ ምረኸብዋ።

ናይ ኣቦታትና ጥበብ ዓቢ እዩ እሞ ከምቲ ናታቶም ጥበብን ምስትውዓልን ይዓደለና።

ስለዚ ንሕና ኸ ንመጽሓፍ ቅዱስ ነንብቦ’ዶ ኣለና?
መደብ ምንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክህልወና ጸሎት ቅዱሳን ኣቦታትና ኣይፈለየና ኣሜን ።