ሰሙነ ሕማማት (ረቡዕ)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ አሜን!!!
ሰሙነ ሕማማት (ረቡዕ)

ናብ ኩሉ ክበጽሕ share ምግባር ግቡእና እዩ ።

ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዘላ ረቡዕ ሠለስተ ነገራት ዝተፈጸሙላ መዓልቲ እያ።

1) ኣይሁዳውያን ንጐይታ ክቐትሉ ተማኺሮም ዝተሰማምዕሉ መዓልቲ እዩ።


ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዓለም ብሓጺር ቁመት ብጸቢብ ደረት ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር ስለዝነበረ ኣይሁዳውያን ብዙሕ እዋን ክሕዝዎን ክቐትልዎን ይሓስቡን ይደልዩን እኳ እንተነበሩ ክኾነሎም ግን ኣይከኣለን ምኽንያቱ ድማ ጐይታ ተሰቒሉ ንዓለም ዘድሕነላ መዓልትን ሰዓትን ስለ ዘይኣኸለ እዩ። ጐይታ “ጊዜይ ገና ኣይበጽሐን” “ጊዚኡ ስለዘይኣኸለ” እናበለ ገሊጹ እዩ።

እዛ ዕለት እዚኣ ኣይሁድን ሊቃነ ካህናትን ጸሓፍትን ንጐይታ ከመይ ገይሮም ከም ዝሕዝዎ ምኽሮም ዝፈጸሙላ ዕለት ስለዝኾነት ዕለተ ምክረ ኣይሁድ (መዓልቲ ምኽሪ) ተባሂላ ትጽዋዕ። እቶም ሊቀነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ብሊቀ ካህናት ቀያፋ ተመሪሖም ጉባኤ ኣኪቦም “ኩሉ ሰብ ካብ ዝጠፍእ ሓደ ሰብኣይ እንተሞተ ይሓይሽ” ኢሎም ብምባል ንጐይታ ንክሕዝዎ’ሞ ብድሕሪ’ዚ ንኽቀትልዎ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ዝወሰኑላ መዓልቲ እያ። (ማቴ 26፡1-5, ማር14፡1-2, ሉቃ 22፡1-2, ዮሓ11፡45-53)።

2) ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤት ስምኦን ብሓንቲ ሓጥእ ሰበይቲ ብቅዱይ ሽቱ ዝተቐብኣሉ መዓልቲ እዩ።

እዛ መዓልቲ እዚኣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቢታንያ ኣብ እንዳ ስምኦን እቲ ለምጻም ዝተባህለ ምስ ኣተወ ብሓንቲ ማርያም ዝተባህለት ሓጥእ ሰበይቲ ሓደ ፍርቂ ኣበስንቲ ዝኸውን ቕዱይ ሽቱ ወሲዳ ዝቐብአትሉ፡ ብንብዓታ ኣእጋር ጐይታ ሓጺባ፡ ብጸጉሪ ርእሳ ገይራ ዝደረዘትሉ መዓልቲ እዩ። እታ ሓጥእ ሰበይቲ ንጐይታ በቲ ክቡር ሽቱ ገይራ ክትቀብኦ እንከላ እቲ ዘትሕዞ ይሁዳ ተሓዚ ማሕፉዳ ስለዝነበረ ካብኡ’ውን የልዕል ስለዝነበረ “እዚ ክቡር ሽቱ እዚሲ ተሸይጡ ንድኻታት ዘይውሃብ” ኢሉ ብተንኮል ዝተዛረበሉ ዕለት’ውን እዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ንተንኮሉ ፈሊጡ “ንመዓልቲ ቀብረይ ዘዳለወቶ እዩ’ሞ ሕደጋ ድኻታትሲ ኩሉ ግዜ ምሳኹም ኣለዉ ንኣይ ግና ኩሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም” ኢሉ ብምግሳጽ፡ ነቲ ንሳ ዝገበረቶ ሰናይ ተግባር ብምንኣድ “እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኩላ ዓለም እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ከም ዝንገር፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” በሎም(ማቴ26፡6-13, ማር 14፡3-9, ዮሓ12፡1-8)። እዚ ዘረድኣና እቲ ሰናይ ዝገብር ኩሉ ግዜ እናተዘከረ ከም ዝነብር፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር’ውን ሞገስ ከም ዝረክብ፡ ዓስቡ’ውን ከም ዝቕበል እዩ እሞ፡ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣብታ እትመጽእ መንግስቱ ክዝክረና ሰናይ ነገር ክንገብር ይግብኣና።

3) ይሁዳ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሠላሳ ዲናር ክሸጦ፡ ዝተዋዓዓለሉ መዓልቲ እዩ

ይሁዳ፡ እታ ሓጥእ ማርያም እናበኸየት ክቡር ጨና ኣብ ርእሲ ጐይታ ከተፍስስ ከላ “እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ጥፍኣትከ ንምንታይ እዩ፧ ተሸይጡስ፡ ንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩ” ኢሉ ደንጋጺ ድኻታት መሲሉ ብምቕራብ ኣብ ውሽጡ ንዝነበረ ፍቅረ-ንዋይ ኣግሂዱ ዝተዛረበ እዩ። እቲ ዘቕረቦ ሓሳብ ቅቡል ኮይኑ ስለዘይተረኽበን፡ ነቲ ብምሻጥ ጨና ክረኽቦ ዝኽእል እሞ ዝሰኣኖ ገንዘብ ክከሓስ ኣብ ልቡ ዝሓደረ ፍቅረ ንዋይ ኣገዲድዎ ናብቶም ጸላእቲ ጐይታ ከደ። ይሁዳ ጸሓፍቲ ፈሪሳውያን ኣብ ልዕሊ ጐይታ ክቱር ጽልኢ ከም ዘለዎምን፡ ክሕዝዎ’ውን ይደልዩ ከም ዝነበሩ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ስለዝነበረ ናብኣቶም ከይዱ “ኣነ ናባኻትኩም ኣሕሊፈ ክህቦስ እንታይ ትህቡኒ”በሎም። ንሳቶም ከኣ ሠላሳ ቕርሺ ብሩር (30 ዲናር) ሃብዎ፡ (ማቴ 26፡14-16, ማር14፡10-11, ሉቃ22፡3-6)። በዚ ዘይጠቅም ገንዘብ ድማ ነቲ ናይ ነገሥታት ንጉሥ፡ ናይ ጐይታት ጐይታ ዝኾነ መድኃኔ ኣለም ክርስቶስ ናብቶም ጨካናት ኣይሁድ ኣሕሊፉ ሃቦ። ሎሚ ውን ከም ይሁዳ ንቤተክርስቲያንን ኣገልገልታን ንኽፉእ ኣሕሊፎም ዝህቡ ኣይተሳእኑን መወዳእትኦም ግና ጥፍኣት እዩ። ስለዚ ኩላትና ካብ ክፍኣተ ግብሪ ርሒቕና ንቤተክርስትያንን ንኣገልገልታን ከነኽብር ይግብኣና።

እዛ መዓልቲ እዚኣ እምበኣር ኣይሁዳውያን፡ ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክቐትልዎ ተሰማሚዖም ዝወሰኑላ መዓልቲ ስለዝኾነት፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን “ጾመ ድኅነት” ኢላ መዓልቲ ረቡዕ በብሰሙኑ ክትጽወም ከም ዘለዋ ኣዊጃ ትርከብ።


ስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን!!!

ናብ ኩሉ ክበጽሕ share ምግባር ግቡእና እዩ ።