ሰብዓቱ ኣጽዋማት (ሸውዓተ ኣጽዋማት)

ብሃይማኖታዊ ሕጊ ሓዋርያዊት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሸውዓተ ኣጽዋማት ዝበሃሉ (እንብሎም) እዞም ዝስዕቡ እዮም፡-

1.ጾመ ነቢያት፡
ካብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሕዳር ክሳዕ ድሮ ልደት።

2.ጾመ ነነዌ፡
ቅድሚ ጾመ ኣርብዓ ዝርከብ ናይ ሠለስተ
መዓልቲ ጾም።

3.ጾመ ገሃድ፡
ድሮ ልደትን ጥምቀትን ዝርከብ ናይ ሓደ
መዓልቲ ጾም።

4.ጾመ ኣርብዓ፡
ሓምሳን ሓሙሽተን መዓልቲ።

5.ጾመ ዓርበ ረቡዕ፡
ብዘይካ ኣብ ወርሓት ትንሣኤ ማለት ካብ ትንሣኤ ክሳዕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ 50 መዓልቲ ኩሉ ጊዜ ዝጽወም።

6.ጾመ ሓዋርያት፡
ካብ ጽባሕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ ድሮ ጉባኤ ሓዋርያት (ሓሙሽተ ሓምለ)።

7.ጾመ ፍልሰታ ክልተ ሰሙን፡
ካብ ሓደ ነሓሰ ብግእዝ ክሳዕ ድሮ ኪዳነ ምሕረት 16 ነሓሰ እዩ።