ባዓል ቅዱስ ገብሬኤል

19 ሓምለ
ዕልልልልልልልልልልል
“”ህጻን ንኡስ እጻን ንኡስ ህጻን ንኡስ “‘””
“””””ዘኢየፍርህ ትእዛዘ ንጉስ (2) “””‘”””””

እንቃዕ ናብ ዓመትዊ ክብረ ባዓል ቅዱስ ገብሬኤል ብሰላም፡ ኣብጽሃና በዚ ዕለት ቅዱስ ገብሬኤል ን ህጻን ቆርቆስን ኢዮሉጣ ኣዲኡን፡ካብ እቶን እሳት ዘውጸአሉ ኩቡር ዕለት ዩ ከምቲ ንዖኦም ካብ ኣሳት እቶን ዘውጾኦም ንዓና ድማ፡ካብ ዝተኣዘዘ ማዓትን መቅዝፈትን ካብዚ እህሳት ዝኾነ ነንባዕልካ ከም ሻርክ እንትባላለዐሉ ካብ ፍቅሪ ደም ምፋሳስ ሕማቅ ትንቢትን ዝፍጸመልዉ ከብ ስደትን ከርተትን ዝበዝሃሎ ግዜን፡የውጻኣና ።

ምሳሌ 22፡6፤
ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።

ሓምለ 19

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ሓደ ኣምላክ ብዝኾነ በአብ በወልድ በመንፈሰ ቅዱስ ስም አሜን።
ሐምሌ 19-ናይ ራማ ልዑል ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ንህፃን ቅዱስ ቂርቆስንን ንኣደኡ ቅድስቲ ኢየሉጣን ካብ ዝነድድ እቶን እሳት ብተኣምራት ዘድሓኖም ዕለት እዩ፡፡
ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ንህጻን ቂርቆስን ኣደኡ ቅድስት ኢየሉጣን ካብ ዝነድድ እቶን እሳት ከምዘድሓኖም፡- ሠለሥተ ዓመት ከይመለኦ ኣብ ክልተ ዓመት ትሽዓተ ወርሑን ዓቢ ሰማእትነት ዝተቀበ ህጻን ቅዱስ ቂርቆስ ኣቦኡ ቆዝሞስ (ስምዖን) ኣደኡ ኢየሉጣ ይባሃሉ፡፡ ህጻን ቅዱስ ቂርቆስ ኣብ ሕዳር ዕለት 15 ዝተወለደ ክኸውን ከሎ ሃገሩ ኣብ ታሕታይ እስያ ፍሉይ ስሙ ሀንጌቤን ይባሃል፡፡ እቲ ዘመን ዘመነ ሰማዕታት ስለዝነበረ መምለኬ ጣዖት ዝኾነ ንጉሥ እስክንድሮስ ንቅድስቲ ኢየሉጣ ‹‹ንጣዖት ስገዲ›› ኢሉ ኣገደዳ፡፡ ንሳ ድማ ‹‹ህጻን ወደይ መጽዩ ይመስክር›› ኢላ ተዛረበት እሞ ህጻን ቅዱስ ቂርቆስ ኣምጺኦም ሓተትዎ፡፡ ህጻን ቅዱስ ቂርቆስ ድማ ‹‹ንጣዖት ኣይንሰግድን፣ ዘልኣለማዊ ዝኾነ ዘይሳዓር ኣምላክ ስለ ዘሎ ንዕኡ ኢና ንሰግድ›› ኢሉ ናይ ኣምላኹ ክብሪ ብህጻን ኣንደበቱ መስከረ፡፡ እዚ ህጻን ድማ ነዚ ኣብዝመስከረ ግዜ ዕድሜኡ ገና ክልተ ዓመትን ትሽዓተ ወርሕን ነበረ፡፡ ከምዚ ብዝ በለ ቅዱስ ቂርቆስ ኣብ ቅድሚ ከሓዲ ንጉሥ ናይ ጎይታና ክብሪ ኣብዝመስከረ ግዜ፡ ንጉሥ ብጣዕሚ ተቆጥዐ 40 ጋን ማይ ዝሕዘ በርሚል ቀሪቡ 40 መዓልቲ ምሉእ እሳት ኣንዲዱ ዘይቲ፣ ካልእን ብዙሕ ብጣዕሚ ዝጎድእ ነገራት ኣብ ውሽጡ ወሰኸ፡ ንህጻን ቅዱስ ቂርቆስን ኣደኡ ቅድስቲ ኢየሉጣን ናብቲ እቶን እሳት ምእንቲ ክኸትዎም አዘዘ፡፡
ንጉሥ እስክንድሮስ ንጭፍራኡ “ሰም፣ ጨው፣ ባሩድ፡ቁልቋል ብዙሕ ጎዳኢ ነገራት ወስኽሉ” ኢሉ ኣዘዞም፡፡ ጭፍራታት ድማ ዝኣዘዞም ድሕሪ ምፍጻሞም መጽዮም “ዝኣዘዝካና ክሉ ወሲኽናሉ ነዲዱ ፈሊሑ ኣሎ” በልዎ፡፡ “ድምፁ ድማ ከም ነጎድጓድ ይስማዕ ነበረ፤ ናይ ፍልሓቱ ኃይሊ ከኣ 14 ክንድ ዝኣክል እንዳዘለለ ይወጽእ ነበረ፡፡ ኣብ ውሽጡ ዝኣትዉ ሰባት ኣዝዝ” በልዎ፡፡ ድሕሪኡ ድማ ህፃን ቂርቆስን ኣደኡ ኢየሉጣን ሒዞም ካብ እስር ቤት ኣውጽእዎም፡፡ ብክርስቶስ ስም ስላዝኣመኑ ኣብ እስር ቤት የእትዮም ኣሲረሞም ስለዝነበሩ፡ ፍልሓቱ ናብ ላዕሊ ኣብ ዝዘልል ናብ ውሽጢ ጋን ንኽእትውዎም ክወስድዎም ከለው፡ በቲ ግዜ እልፍ ካብ ሓደ ሽሕን ኣርባዕተ ሚኢትን ሰባት መጽዪም ኣብዝፈለሐ ናይ ሓጺን ጋን ናይ ቅዱሳን ኣማውታ ምእንቲ ክርእዩ ንጉሥ ኣዘዘ፡፡ ቅድስቲ ኢየሉጣ ድማ ናይ ፍልሓቱ ግርማ ኣብዝረኣየት ግዜ ተሸበረት፡፡ ዝጽበያ ዘሎ ዋጋ ገዲፋ ክትክሕድ ደለየት፡፡ ቅዱስ ቂርቆስ ድማ ነዚ ኣብዝፈለጠ ግዜ “ኦ ኣደይ ካብ ናይ ሓጺን ጋን ግርማ ዝተለዓለ ኣይትፍርሒ፤ ስንባደ ከኣ ኣይሕደረኪ” እንዳበለ ካብ ብሉይን ካብ ሐዲስን እንዳጠቀሰ ምእንቲ ክትጸንዕ መሃራ፡፡
“ነገር ግን ኦ ኣደይ ንኣናንያን ንኣዛርያን፣ ንሚሳኤልን እግዚአብሔር ካብ እቶን እሳት ከምዘውጾኦም ፍለጢ፤ ንዓና ድማ ካብዚ ውሽጢ እስታ ከድሕነና ይኽእል እዩ፡፡ ኦ ኣደይ ካብ ሓላፊ ካብዚ ናይ ዓለም ጭንቂ ክተምልጢ ክትብልዶ ኣብዘይሓልፍ ናይ ዘለኣለም እሳት ክትኣትዊ፡፡ ኦ ኣደይ ነዚ ኣይትድለዪ፤ ይትረፍኪ ሕጂ እግዚአብሔር ኣብ ማእኸልና ኣሎ እሞ ክረድኣና እዩ፡፡ ንሶስና ካብ ሓጥኣን ኢድ ዘድሓና ንዓና ድማ ካብዚ እሳት ከድሕነና እዩ፡፡ ንዳንኤል ካብ ኣፍ ኣናብስት ዘድሓነ ንሱ ከድሕነና እዩ፡፡ እግዚአብሔር ኣብዚ ውሽጢ እሳት ግዴታና ክንፍጽም እንተ ፈቂዱ ድማ ናይ ኢዮብ ነፃነት (ትዕግስቲ) ክንረክብ ይግባኣና፡፡ ንሱ ደቁን ሰበይቱን ዝረኸበ ገንዘብ ክሉ ስኢኑ ኣብ መጨረሽታ ሰብነቱ ስኢኑ ነበረ እሞ ወልሓንቲ እካ ዝተረፎ እንተዘይነበሮ ንእግዚአብሔር የመስግኖ ካብ ምባል ሓሊፉ ዝበሎ ነገር የለን እግዚአብሔር ሃበ፤ እግዚአብሔር፡ድማ ወሰደ፡፡ ናይ እግዚአብሔር ስሙ ንዘልኣለም ይመስገን በለ፡፡ ንሕና ድማ ነዚ መከራ ክንዕገስን ንዝጽበየና ዘሎ ክንክተልን ይግባኣና…” እንዳበለ ኣብዚሑ መኸራ፡፡ ነገር ግን በዚ ምኽሪ ነደኡ ክመልስን ንሰማእትነት ከቅርባን ኣይከኣለን፡፡ ድሕሪዚ ቅዱስ ቂርቆስ የዒንቱ ናብ ሰማይ ኣቅኒዑ ክጽሊ ጀመረ፡፡ “ኦ እግዚአብሔር እዛ ባርያኻ ካብ ትኽሕድ ካብ ናይ ሂወት መፅሓፍ ንዓይ ሕኸኸኒ በለ፡፡ ጎይታይ ነዚ ክትገብር ኣይግባኣን፤ ጎይታይ ሕርሻ ኣቃጺልካ ዶ ንፍሬኡ ክትባርኽ ትደሊ ኣለኻ በለ፡፡ ጎይታይ ነቲ ዕንጨይቲ ቆሪጽኩም ኣንድድዎ ነቲ ቆጽሊ ድማ ሓልውዎ ኢልካ ክትእዝዝ ኣይግባኣካን፡፡ ነቲ ዕንጨይትን ቆጽልን ደኣ ሓልው ኢልካ ኣዝዝ እንበር እዚስ ኣይግበኣካን ዝኣመነካ ክሉ ምእንቲ ነዚ ክርእዩ፡፡ ምድሓን ዝኽእል ኣምላክ ነይርዎም እንተዝኸውን ካብዚ እሳት ኣይምሃደሙን ነበሩ ኢሎም ከይጣራጠሩ፡፡ ዲያብሎስ ካብ በዓል ስልጣን ንላዕሉ ኣነ በርታዕኹ ንቅዱሳን ድማ ስዒረዮም ኢሉ ከይምካሕ፣ ካብ ምእመናን ንሓንቲ በጊዕ ወሲደ ምእንቲ ከይብል፡ ጎይታይ ናይ ኃይሊ መንፈስ ነደይ ሃባ ኣበርተዓያ…” ኢሉ ጸለየ፡፡
በቲ ግዜ ዲያብሎስ ካብኣ ሃዲሙ ከደ፡፡ ድሕርኡ ቅድስቲ ኣደኡ ከምዚ በለት፡- ኣብ መንግስተ ሰማያት ኣቦ ዝኾንካኒ ወደይ ጎይታኻ ኃይሊ ሃበኒ፡፡ ንዝጽበየና ገድልና ንፈጽም እሞ ዓወት ንርከብ” በለቶ፡፡ እሳት ዝመልአ ጋን ክሪኢ ከለኹ ካብ ምንጪ መሊኡ ዝወርድ ዘሎ ጠሊ ኮይኑ ይርእየኒ ኣሎ እሞ፡፡ እዞም ቅዱሳን ድማ እዚ እንዳተዛረቡ ከለዉ ኣልዒሎም ናብ ውሽጢ የእተውዎም፡፡ ኣብ ውሽጡ ድማ ክሳድ ዝቆርጽ ልቢ ዘጣምም ከድቢ ዝስንጥቅ ሡር ዝብጥስን መሳረሒ ነበሮ፡፡ ኣብታ ግዜ ብቅጽበት ናይ ራማ ልዑል ሊቀ መላዕክት ቅዱስ ገብርኤል ከም ቅጽበት ዓይኒ ፈጢኑ ካብ ሰማይ ወሪዲ ነቲ እሳት ፈጺሙ ኣብረዶ፡፡ ካብ ቅዱሳን ከኣ ንሓደ ኡካ ከይተንከፈ ነቲ ናይ ሓጺን ጋን ምፍላሑን ምቅጻሉን ፀጥ በለ፡፡ ከም ማይ ከኣ ኮነ፡፡

ናይ ራማ ልዑል ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ሓለዋኡ ኣይፈለየና! ካብ በዓሉ ድማ በረኸት ይክፈለና!

አርኬ

ሰላም ለቂርቆስ እንተ ኢፈርሆ ለነድ።
ዘይደምፅ ከመ ነጎድጓድ። እንበይነ አድምዐ
ሎቱ ኪዳነ ምሕረት እምወልድ። ኢይምጻእ
ሞተ ላሕም ወላዕለ ሰብእ ብድብድ። ኃበ
ተሐንፀ ብስሙ ማኅፈድ።

+ + +ናይ እስና ሃገር ሰማእታት+ + +

አርያኖስ ብሰማእትነት ዝቀተሎም ናይ እስና ሃገር ሰማእታት፡- ጨካን አርያኖስ ናብ ከተማ እስና ሠለስተ ግዜ ክመጽእ ከሎ ኣብ መጀመርታ ተጋዳሊት ንዝኾነ ንዳላዢ ብሰማእትነት ቀተላ፡፡ ቀጺሉ ድማ ሱርስ፣ ኅርማን፣ ያኑፋን ስንጣንያን ዝተባሃላ ዝኸበራ ንቅዱሳን ደቃ ግንቦት ዕለት 17 ብሰማእትነት ቀተለን፡፡ ኣብ ካልኣይ ግዜኡ ድማ ስሞም አውሳፍዮስ፣ ታማን፣ ኅርማንን ባኮስን ዝተባሉ ንኣርባዕተ መኳንንትን ሰኔ ዕለት 7 ብሰማእትነት ቀተሎም፡፡ ኣብ ሳልሳይ ግዜ ድማ ኣብ ውሽጢ ቤታ ደቂሳ ንዝነበረት ኣረጊት ስለ ናይዞም ቅዱሳን ድሕሪ ምሕታቱ ቀተላ፡፡
ድሕርዚ አርያኖስ ካብ ክርስቲያን ወገን ንዝረኸብዎም ክሎም ምእንቲ ክቀትልዎም ንጭፍራኡ ኣዘዘ፡፡ ዝኸበረ ባሕታዊ ይስሐቅ ድማ ክርስርያን ሰማእትነቶም ብትዕግሥቲ ምእንቲ ክፍጽሙ የበርትዖም ነበረ፡፡ ናብ ናይ ሥቃይ ቦታ ክወስድዎም ከለው ነቲ መኮንን ኣብዝረኣይዎ ግዜ ክሎም ብሓደ ቃል ‹‹ብኣምላኽና ብክርስቶስ ዝተኣመና ክርስትያን ኢና›› ኢሎም መስከሩ፡፡ መኮንኑ ድማ ሐምሌ ዕለት 19 ናይ ከተማ እስና ክርስትያን ካብ ዓበይቶም ስጋብ ንእሽቶኦም ዘለው ኣዋልድን ኣወዳትን ክሎም ከም በጊዕ ኣሕረዶም፡፡ ክሎም ድማ ናይ ሰማእትነት ኣኽሊል ተቀበሉ፡፡ መኮንን ናብ ከተማ እስዋ ድሕሪ ምኻዱ ተመሊሱ ናብ ከተማ እስና ኣብዝመጸ ግዜ ሠለስተ ሓረስቶት ረኸበ፡፡ ንሶም ድማ እቲ ዝገበሮ ፈሊጦም ‹‹ንሕና እውን ክርስትያን ኢና ብሰማእትነት ቅተለና›› በልዎ፡፡ ንሱ ድማ ኣብዝሓርስሉ ቦታ ብዝሓዝዎ ናይ ሕርሻ መሳረሒ መስከረም ዕለት 11 ቀተሎም፡፡ ስሞም ድማ ሱሩፋስ፣ አንጣኪዮስ፣ ስሐድራ ይባሃሉ፡፡ ንኤጲስቆጶስ ቅዱስ ይስሐቅን ድማ መኮንን ኣሲሩ ንጣዖት ምእንቲ ክስውእ ኣገደዶ፡፡ ቅዱስ ይስሐቅ ግን ንጎይታና ብምእማን ጸንዐ፡ መኮንን ጽንዑ ኣብዝረኣየ ግዜ ነዚ ቅዱስ ባሕታዊ ናብ ውሽጢ እሳት ከተቶ ሰማእትነቱ ድማ ኣብኣ ፈጽሙ ናይ ዓወት ኣክሊል ተሸለመ፡፡ እዚ ከኣ ታኅሣሥ ዕለት 14 እዩ፡፡ ናይ መከራኡ ዘመን ድሕሪ ምሕላፉ ምእመናን ብስሙ ቤተ ክርስቲያን ሰሪሖም ንቅዱስ ሥጋኡ ኣብ ውሽጣ ኣንበሩ፡፡

ናይ ሰማእታት ረድኤትን በረኸቶምን ይሕደረና ብጸለቶም ይምሓሩና!

አርኬ

ሰላም ለክሙ ጥቡዓነ ልብ ወሕሊና።
ሰማዕታተ ክርስቶስ ዘሀገረ እስና። ምስለ አብ
ወእም ወምስለ ሕፃን። ዘቀተሉክሙ ወዐልተ
መኮንን አርያና። እንበለ ያትርፋ አሐደ ለዜና።

+ + +ቅዱስ በጥላን+ + +

ሰማእት ቅዱስ በጥላን፡- ናይዚ ቅዱስ ኣቦኡ አውሱጢኪዮስ ኣረማዊ ዝነበረ ክኸውን ከሎ ኣደኡ ኤልያና ግን ኣማኒት ክርስቲያን ነበረት፡፡ በጥላን ድማ ኣብዘዓበየ ግዜ ጥበብ ክሉ ተማሂሩ ብጣዕሚ ፈላጥ ኮነ፡፡ ሓደ ቀሺ ድማ ናይ በጥላን ብጣዕሚ ፈላጥነትን ኣስተውዓልነትን እንዳድነቀ ነገር ግን ክሓዲ ምዃኑ ስለዝፈለጠ ኣብ ቀረባ ገዛኦም ይነብር ነበረ፡፡ ንሱ ድማ መሪሑ ናብ ቅንዕቲ ሃይማኖት ምእንቲ ክመርሖ ስለ በጥላን ንጎይታና ብጸሎት ይሓቶ ነበረ፡፡ እቲ ቀሺ ድማ ጸሎቱ ኣብዘብዘሐ ግዜ ጎይታና በጥላን ብናቱ ኢድ ከምዝኣምን ብራእይ ገለጸሉ፡፡
እቲ ቀሺ ድማ ንበጥላን ኣብዝረኸቦ ግዜ ሰላምታ እንዳሃቦ ኣብ ማእኸሎም ፍቅሪ ጸንዐ፡፡ በጥላን ድማ ናብዚ ናይ ቀሺ ቤት እንዳኣተወ ክልቲኦም ከዕልሉ ጀመሩ፡፡ እቲ ቀሺ ድማ ናይ ጎይታና ኣምላኽነት ብኡ ንዝኣመኑ ናይ ፈውሲ ጸጋ ከምዝህቦም መሃሮ፡፡ ምስ ተማሃረ ድማ በጥላን ብጎይታና ኣመነ፡፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ጎደና እንዳኸደ ከሎ ተመን ነኺስዎ ንሞት ዝተቃረበ ሰብ ረኸበ፡፡ እቲ ተመን ድማ ኣብኡ ነበረ፡፡ ኣብዚ ግዜ በጥላን ‹‹መምህረይ ‹ብክርስቶስ እንተ ኣሚንካ ብስሙ ተኣምራት ክትገብር ኢኻ› ኢልኒ እዩ እሞ እስከ ናይ መምህረይ ቃል ክፍትን›› ኢሉ ነቲ ሰባኣይ ምእንቲ ክፍውሶ እቲ ተመን ድማ ምእንቲ ክመውት ናብ ጎይታና ጸለየ፡፡ ጎይታና ድማ ጸሎቱ ሰምዖ እቲ ሰብኣይ ከኣ ፈጢኑ ደሓነ፣ እቲ ተመን ድማ ሞተ፡፡ ናይ በጥላን ሃይማኖቱ ድማ ተወሰኸሉ፡፡
ድሕርዚ በጥላን ናብቲ ቀሺ ከይዱ ተጠመቀ፡፡ ክሉ ግዜ ድማ እንዳኸደ ይማሃር ነበረ፡፡ ኣብ ሓደ ዕለት ድማ ሓደ ዓይነ ሥውር ሰብ ናብ ናይ ቅዱስ በጥላን ቤት ክመጽእ ከሎ ኣቦኡ ነቲ ሰብኣይ ካብ ደገ መለሶ፡፡ ቅዱስ በጥላን ድማ ንኣቦኡ ‹‹መን እዩ ደልይኒ?›› እንተበሎ ኣቦኡ ድማ ‹‹ክተድሕኖ ዘይትኽእል ዐይነ ሥውር ሰብ እዩ›› በሎ፡፡ ቅዱስ በጥላን ድማ ነቲ ዐይነ ሥውሩ ጸዊዑ ኣብ ልዕሌይ ጸሎት ጸልዩ ፈወሶ፡፡ ናይቲ ዐይነ ሥውሩ የዕንቲ ድማ ተገለጻ ምርኣይ ድማ ከኣለ፡፡እቲ ዐይነ ሥውር ዝነበረ ሰብን ኣቦኡን ድማ ነዚ ኣብዝረኣዩ ግዜ ብጎይታና ኣመኑ፡፡ በጥላን ድማ ናብቲ ቀሺ ወሰዶም እሞ ተጠመቁ፡፡ ቅዱስ በጥላን ጥበብ እንዳገበረ ንድውያን ብዘይ ዋጋ ይፍውስ ነበረ፡፡ ነገር ግን ብጎይታና ከምዝኣምኑ ይገብሮም ነበረ፡፡ ናይቲ ሃገር ጥበበኛታይ ድማ ብኽፍኣት ተላዒሎም ምስ ዘእሞኖም ክርስትያን ናብ ንጉሥ ከሰስዎም፡፡ ንጉሥ ድማ ነቶም ዝኣመኑ ሰባት ንኣማልኽቱ ምእንቲ ክስውኡ ኣዘዞም ንሶም ግን ብዘይምእዛዞምን ብጎይታና ክርስቶስ ስም ስለዝታኣመኑን ርእሲ ርእሶም ብሰይፊ ኣቅሮጾም። ናይ ሰማእትነት ኣክሊል ድማ ተሸለሙ፡፡
ንቅዱስ በጥላን ግን ንጉሥ ብብዙሕ መሳቀዪ ኣሳቀዮ፡፡ እዚ ቅዱስ ድማ ብተኣምራቱ ንብዙሓት ጎይታና ኢየሱስ ናብ ምእማን እንዳምጸአ ብሰማእተነት ዓረፉ፡፡ ንጉሥ ድማ ንቅዱስ በጥላን ናብ ዝጠመየ ኣንበሳ ሃቦ እቲ ኣንበሳ ግን ኣብ ትሕቲ እግሩ ወዱቁ ንእግሩ ለሓሰሉ እንበር ኣይተንከፎን፡፡ ንጉሥ ድማ በዚ ነገር ሓሪቁ ርእሱ ብሰይፊ ምእንቲ ክቆርጽዎ ኣዘዘ፡፡ ከምትእዛዙ ድማ ገብሩ ቅዱስ በጥላን ከኣ ሰማእትነቱ ብዓወት ፈጺሙ ናይ ክብሪ ኣክሊል ተቀበለ፡፡

ናይ ቅዱስ በጥላን ረድኤትን በረከትን