ንጎይታ ክንዲ ምንታይ ኢና ነፍቅሮ ?

 

ንጎይታ ክንዲ ምንታይ ኢና ነፍቅሮ ?

ንጐይታና ክንረኽብ ዝኽፈል ንኸፍል ዲና፣ ዋላስ ንጐይታ ኣሕሊፍና ክንህብ ገንዘብ እንቕበል ኢና? መኖም ኢና ንሕና? ዓስቢ ደሊና ከም ይሁዳ ናብ ጐይታ እንቐርብ ሰባት ዲና? ብዙሓት እኰ ኣለና፣ ካብ ጐይታ ገለ ነገር ደሊና፣ እንቐርብ። ገለ ዝጎደለና ነገር ጥራይ ክህሉ እንከሎ ንጐይታና እንዝኽር ብዙሓት ኢና። እዚ ናይ ይሁዳ ዓይነት ህይወት እዩ።

ኲልና፣ ንጐይታ ተፍቅርዎ`ዶ ተባሂልና እንተንሕተት፣ መልስና“እንታይ ሕቶ ኣለዎ፣ ጽቡቕ ጌረ ኣምበሪ” ኢልና ምመለስና። ምምላስ እንሓፍር ሰባት ዉን ብዉሕዱ፣ ብልብና ከምኡ ምሓሰብና። ብዘይ ገለ ሓሶት፣ ንጐይታ ክንዲ ምንታይ ከም እነፍቅሮ፣ ዝነግራና ግና ሰለስተ ነገራት ኣለዋ። ገንዘብና፡ ግዜናን፡ ዝምድናናን። ነዘን ሰለስተ ነገራት ኣብ ህይወትና ብከመይ ከም ነመሓድረን እንድሕሪ መርሚርናየን፣ ሽዑ መልሲ ክንረኽብ ኢና። “ብእምነት እንተ አሊኹም፡ ርእስኹም ፈትኑ፡ ርእስኹም መርምሩ” /2ይ ቆሮ 13፡5/።

ገንዘብ፣- “መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ” እዩ ዝብል እቲ ቃል። ስለዚ ካብቲ ወርሓዊ ነእትዎ ገንዘብ፣ ክንዲ ምንታይ ኢና ንክብሪ ኣምላኽ ንጥቐመሉ? ዕሽር`ኸ ነዉጽእ`ዶ? ንድኻታት ምሕጋዝ`ከ? ንዝተጸገሙ ሰባት ገንዘብ ንህብ ዲና? ሕጉሳት ወሃብቲ ዲና? “ኣምላኽ ሕጕስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሕለኖ ይሃብ፡ ከምቲ እቲ ጽሑፍ፡ ዘረወ ንድኻታትውን ሃበ፡ ጽድቁ ንዘለኣለም ይነብር፡ ዚብሎ፡ ኣምላኽ ከኣ፡ ምእንቲ ብዅሉ ዅሉ ሳዕ ዚኣከል ኵሉ ሒዝኩም ንሰናይ ግብሪ ዅሉ ጸብለል ክትብሉ፡ ጸጋ ዘበለ ኣባካትኩም ጸብለል ኬብል ይከኣሎ እዩ” /2ይቆሮ 9፥13/።ግዜ ወሳኒ እዩ፣ “እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ” /ኢፌ 5፥17/። ንእግዚአብሔር ክንዲ ምንታይ ግዜ ንህቦ? መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ፡ ጸሎት ንምግባር፡ ቤተክርስቲያን ንምኻድ፡ ኣብ ጉባኤ ንምስታፍ፡ ንድኻታት ንምሕጋዝ. . .ክንዲ ምንታይ ንህብ? ተርፍ ዲና ንኣምላኽ እንህቦ? ማለት ኩዑሶ ምስ ረኣና፣ ፊልሚ ምስ ጸገብና፣ ቡን ምስ ሰተና፣ ኣብ ደገ ምስ ዞርና፣ ስራሕ ምስ ወዓልና፣ ኮታስ ኲሉ ናይ ስጋዊ ነገር ጥራይ ጌርና ምስ ወዳእና፣ ሽዑ ተረፍ ግዜ ምስ በዝሓና ዲና ናብ ቤቱ ንኸይድ፣ ዋላስ ግዜ ሂብና ምስ ኲሉ መደብና ንሰርዕ ኢና?

“ኢየሱስ ድማ ኣብ መንጽር ሳጹን ምጽዋት ተቐሚጡ፡ እቶም ሰብ ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ገንዘብ ከም ዜውድቑ ረኣየ። ብዙሓት ሃብታማት ብዙሕ ኣውደቑ። ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ መጺኣ ኽልተ ለብጦን፡ ሓደ ቆድራንቴን ዚኣክል፡ ኣውደቐት። ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ኸኣ ፥ እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኻብዞም ኣብዚ ሳጹን ምጽዋት ዘውደቑ ዅሎም ዚበዝሕ ከም ዘውደቐት፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ኵሎም ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ እሞ፡ እዚኣ ግና ካብ ድኽነታ ዘለዋ ዘበለ ዅሉ ምግባ እያ ዝሃበት፡ በሎም።” /ማር 12፥41-44/

ካብ ተረፍና ዲና እንህብ፣ ዋላስ ካብቲ ዘለና?

ዝምድናና ዉን ንመርምሮ። ንሰባት ክንፈልጦም፣ ሻሂ ነስትዮም፣ ምስኦም ነዕልል፣ እንታይ ይፎትዉን እንታይ ይጸልኡን፣ መሚና ንፈልጥ። ብፍላይ ኣዚና ንግደሰሎም እንድሕሪ ኮይኖም፣ ጥናቃቒ ብዝመልኦ ኢና፣ ንቐርቦም፣ ንሳቶም ዝፎትዎ እምበር ካልእ ክዳን ኣይንኽደንን። ምስ ሰባት ዘለና ዝምድና ከነደልድል፣ ብዙሕ ሜላታት ንጥቀም፣ ብቴሌፎን ብኢንተርኔት ክንረኽቦም ንፍትን። ምስ ኣምላኽ ዘለና ዝምድና ከነሐይሎ ክንዲ ምንታይ ኢና ንጽዕር?

ማርያም ዲና ዋላስ ይሁዳ? ማርያም ንጐይታ ክትረኽብ 300 ዲናር ከፊላ፣ ንስኻ ወይ ንስኺ `ኸ ክንዲ ምንታይ ከፊልካ/ኪ? ቅዳሴ ክትሳተፉ፡ ኣብ መደብ ብግዜኹም ክትርኸቡ፣ እንታይ መስዋእትነት ከፊልኩም? ኣብታ ናይ እግዚአብሔር መደብ ዝግበረላ ሰዓት ንፎትዎ መደብ ኣብ ቴለቪዥን እንተዝጅምር፣ ሓዲግናዮ ናብ ቤት ኣምላኽ`ዶ ምኸድና? ንኣብነት እስከ ንብል፣ ዓርቢ ስቕለት መዓልቲ፣ ባርሳ ኣንጻር ሪያል ማድሪድ እንተትጻወት፣ እንታይ ምገብርኻ? ወይ ሓንቲ ትፎትዉያ መደብ ድራማ እንትትጅምር እንታይ ምገበርኪ?

እዛ ሓጥእ ሰበይቲ፣ ነቲ ክቡር ዝዀነ ጨና ኣምጺኣ ክተፍስስ እንከላ፣ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ግና ኣጉረምረሙ። ንሳ ተሓጒሳ ነቲ ጨና ክትለኽዮ እንከላ፣ ይሁዳ ነቲ ልዑልን ፈቃር ጐይታ ክሸይጥ ተሃዊኹ። ንሳ ጐይታኣ ከተለሊ እንከላ፣ ንሱ ግና ካብኡ ሃደመ። ንሳ ካብ ሓጢኣት ባርነት ሓራ ኮነት፣ ንሱ ግና ነቲ ጸላኢ ሰናያት ንዲያብሎስ ተገዝአ። ዕሽነት ይሁዳ ክንደይ ይድንጹ? ንስሓ ናይዛ ሓጥእ ሰበይቲ`ከ ክንደይ ይደንቕ?

ዋጋ ክርስቶስ ኣብ ህይወትኹም ክንዲ ምንታይ እዩ? ክንዲ ምንታይ ኢኹም ንጐይታ እተፍቅርዎ? ክንዲ ይሁዳ`ዶ ዋላስ ክንዲ እዛ ዘማዊት ሰበይቲ? ንጐይታ ከም ይሁዳ፣ ብመጠን እቲ ንረኽቦ መኽሰብ ዲና እንቐርቦ፣ ዋላስ ከምዛ ዘማዊት ሰበይቲ፣ እቲ ንጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብቁዕ ዝዀነ ኣዝዩ ክቡር ነገር ንምሃብ ድሉዋት ኣለና? ኣነስ እፈርሕ እየ. . .

“ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ነተን ንጹሃት ዝዀና ኣእጋር ክሕቊፍ፣ ናባኻ ሰሓበኒ። ካብአን ናይ ህይወት መዓዛ ጨና ምእንቲ ከሽትት፣ ብንብዓት ኣዕይንተይ ምእንቲ ከጠልቅየን፣ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ እሞ፣ ብሰላም ኪድ ዝወደይ፣ ስምካ ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ እዩ፣ ዝብል ቃል ምእንቲ ክሰምዕ፣ ነዚ ዉን ምእንቲ እቲ ኣብ ልዕለይ ዝተሰምየ ቅዱስ ስምካ ኢልካ ክትገብረለይ ይልምነኻ ኣለኹ። ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ እግሪ ደቂ መዛሙርትኻ ከም ዝሓጸብካ፣ ንዓይ ዉን ካብ ሓጢኣተይ ሕጸበኒን ኣንጽሃኒን፣ ካብ በረድ ንላዕሊ ምእንቲ ክጽዕዱ ዉን፣ ናይ ንስሓ ማይ ኣብ ልዕለይ ከዓወለይ። ንዘለኣለም ኣለም ኣሜን”ጸሎት ቅዱስ ስምኦን ኣምዳዊ (ሓሙስ ቀትሪ ሰዓት 6)