ኣባታዊ ምኽሪ!!

ኣባታዊ ምኽሪ!!

ሓደ መንእሰይ ንናይ መንፈስ ኣቡኡ ጽብቕ ነገር ዝብሃል እንታይ’ዩ ብሉ ይሓትት፧
ናይ መንፈስ ኣቡኡ ድማ ዝወደይ ኣብ’ዚ ዓለም ጽብቕ ዝብሃል፡ዘውትር ሓጢአትካ እዳዘከርካ ይቕረታ ምልማን፡ከምእው ውን ኣብ ሥራሕ መንፈሳዊ ነፍስኻ ምጽማድ፡ካብ ምዝራብ ድማ ስቕታ ብምምራጽ ንጎይታኻ ብምምሳል፡ገዛእ ርእስኻ ትሕት ኣብልካ፡ትእዛዛቱ ምሕላው’ዩ።

ዓሳ ካብ ማይ እንተወጽዩ ከምዝመውት፣ክርስትያን ድማ ካብ ክርስትያናዊ ሕይወት እንተወጽዩ ልክዕ ከምኡ’ዩ።ዓሳ ዳግም ቀልጥፉ ምስዝምለስ ከምዝድኅን፡ብንስሓ ሕይወትን ብይቕረታን ተሎ ኢሉ ዝምለስ ሰብ ድማ ይድኅን።

ምኽሪ ዝልግሱ አበው ይብዝሑልና።

ፍረ ልሳን አበው{ሓይልዝጊ ቀሊት }