ኣነ ግን ኣነ ኣይኮንኩን!

ኣውግስጢኖስ ፈጣሪ የለን በሃልን ብዝሙት ዝተበላሸወ ሕይወት ዝመርሕ ዝነበረ ሰብን እዩ። ብስብከት ቅዱስ ኣምብሮስ ድሕሪ ምምላሱ ግን እዚ ሰብ ፍጹም ብንስሓ ተለዊጡ፡ ብመንገዲ ምንኩስና ኣቢሉ ናብ ጵጵስና በጽሐ። ነዚ ናይ ንስሓ ሕይወት ድሕሪ ምጅማሩ፡ ሓንቲ ቀደም ኣብ ምንዝርና ሕይወት እንከሎ ፈታዊቱ ዝነበረት ሰበይቲ ኣብ መንገዲ ካብ ርሑቕ ርእያ ተኸቲላ ጸውዓቶ።
ናብቲ ዝቐደመ ትዝታኡን ሓጢኣቱን ክምለስ ዘይደለየ ኣውግስጢኖስ ድማ ጸዋዒታ ከም ዘይሰምዐ ኾይኑ፡ ብፍጥነት ክኸይድ ጀመረ።
እታ ሰበይቲ ድማ እንዳሰሓቐት,፡
ኣውግስጢኖስ ኣነ እኮ እየ፡ ኣናበለት ዓው ብዝበለ ድምጺ ጸውዓቶ።

ንሱ ድማ ናብኣ ግልጽ ኢሉ፡- “ኣነ ግን ኣነ ኣይኮንኩን” በላ።

ክርስትና ዝወደቐ ዝትንስኣሉ፡ ዝረኸሰ ዝነጽሃሉ ሕይወት እዩ። በዚ መስመር ዝሓለፉ ኹሎም፡ ንትማሊ እናገደፉ ካልእ መንነት ይለብሱ። እቲ ዓቢ ፈተና፡ ሰባት ተንሲእካ እናረኣዩኻ እኳ፡ ምውዳቕካ ዘይምርስዖም እዩ። ፈጣሪ “ካብ ሕጂ ኣይትበድል” ኢሉ ይቕረ እኳ እንተበለልካ ሰባት ግና ይቕረ ኣይብሉልካን እዮም። “ድሙ መንኲሳ ኣመላ ኣይትርስዕን” እናበሉ ብምልጋጽ፡ ናብ ዝነበርካዮ ንኽትምለስ ይደፍኡኻ እምበር ንኽትልወጥ ኣይፈቕዱልካን።
ሳውል ኣሳዳዲ ነበረ፡ ሕጂ ግን ሓዋርያ እዩ። ብዙሓት ክርስቲያን ግን ንዕኡ ንምእማን ተሸጊሮም ነበሩ። ካብ ምምራጹ ጀሚሮም “አረ ንሱስ ኣይከውንን” ኢሎም ንፈጣሪ ምኽሮም ዝሃቡ ውን ነበሩ። ድሕሪ ምምራጹ ውን ንምቕባሉ ተሸጊሮም ካብ ሐዋርያት ኣንኢሶም ዝርእዩዎ ኣይተሳእኑን። ንሱ ድማ ብትሕትና “ሐዋርያ ተባሂለ ክጽዋዕ ኣይግብኣንን” እኳ እንተበለ “ቁላዕ ” ኢሉ ንርእሱ ኣብ ዘይጊዚኡ ምስ ዝውለድ ጥንሲ ኣነጻጺሩ፡ ድሒሩ ዝተጸውዐ ምዃኑ እኳ እንተ ተዛረበ፡ ካብ ሓዋርያት ዘይንእስ ሓዋርያ ነበረ። ንሳቶም ብናይ ትማሊ፡ መንነቱ ክጥምትዎ እኳ እንተ ደለዩ፡ ንሱ ግን “ንሱ ኣይነበረን”። ንሱ ምንባር ኣቚሙ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝነብር ክርስቶስ ኮነ።

ሓደ ሓደ ሰባት ዘይኣምኑኻ ካብ ክፍኣት ተመሊስካ ጥዑይ ክትከውን ከለኻ ጥራይ ኣይኮነን። ብጣዕሚ እንተ ቐረብካዮም ውን ኣይኣምኑኻን። ወላ እንተ ኣኽበርካዮም፡ እንታይ ሓሲቡ እዩ? ኢሎም ይጠራጠሩ። ጽቡቕ እንተ ገበርካሎም፡ እንታይ ደኣ ኣብዚሕካዮ፡ ክንድዚ ጽግዕ ጽግዕ? ገለ ንብረት ንምልዓል ዲኻ? “There is no free lunch” ብምባል ይሰግኡ። ጽቡቕ ዝገበረሎም ኩሉ ክሓርዶም ዝሓሰበ ዝመስሎም ሰባት ውን ኣለዉ። ፍቕሪ ሜላ ቓልሲ ዝመስሎም ጭብጥ ኣቢሎም ሰላም ኢሎምኻ፡ ድሒሮም ኣጻብዕቶም ከም ዘይጎደለ ቆጺሮም ዘረጋግጹ ተጠራጠርቲ ሰባት ውን ኣለዉ።

ንዮሴፍ ዘጋጠሞ እዚ እዩ ዝነበረ። ብዕስራ ቕርሺ ሸይጦም ግብጺ ዘውረድዎ ኣሕዋቱ፡ ይቕረ ኢሉ ብፍቕሪ ተቐበሎም። ንኣቦኦም ኣምጺኡ ኣብ ግብጺ ብኽብሪ ከም ዝነብሩ ገበሮም። ድሕሪ ዓመታት ኣረጋዊ ኣቦኦም ሞተ። ኣብዚ ጊዜ እዚ ኣሕዋት ዮሴፍ ህጹጽ ኣኼባ ገበሩ፡ “ምናልባት ኣቦና ድሕሪ ምሟቱ እንተ ተበቀለና’ኸ”? ኢሎም ስግኣቶም ተመኻኸሩ።

ከምዚ እናበሉ ድማ ወጹ፡- ኣቦና ቅድሚ ምሟቱ’ስ ከምዚ ኢሉ ተናዚዙ ነይሩ፡ በጃኻ ናይ ኣሕዋትካ በደል ይቕረ በል። (ዘፍ 50፡ 15-21) ዮሴፍ ነዚ ምስ ሰምዐ ኣምሪሩ በኸየ። ሕድገት ገይሩሎም ዘይምእማኖም ድማ ኣጉሃዮ።
ንሱ ንዕኦም ቀደም ውን ክፉእ ኣይነበረን። ሕጂ ውን ንዘውረዱሉ በደል እኳ ንፈጣሪኡ ዘመስግን ኮነ። “ንስኻትኩም ኣባይ ክፉእ ነገር ሓሰብኩም፡ እግዚኣብሔር ግን ከምዚ ሕጂ ኾይንዎ ዘሎ፡ ብዙሕ ህዝቢ ከም ዝድሕን ብምግባር ንጽቡቕ ሓሰቦ” እዩ ዝበሎም። ወላ እኳ ንሳቶም ጉድኣት እንተ ኣስዓቡሉ፡ ንሳቶም ደኣ ኣይተለወጡን ይኾኑ እምበር፡ ንሱ ግን እቲ ትማሊ ዝፈልጥዎ ዮሴፍ ኣይነበረን።

“”ኣነ ግና ኣነ ኣይኮንኩን” ድማ በሎም።