እንኳዕ ናብ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም

ሓምሌ♦️፪፩/21♦️ ቅድስቲ ድንግል ማርያም እዩ።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱአምላክ አሜን።

✝️ሰድራ ክስቶስ. እንኳዕ ናብ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ወርሓዊ ክብረ በዓል ብሰላም ብጥዕና ኣብጸሓና ቅዱስ እግዚአብሔር ፡ አምላክና።

ሓደ ብእግዚኣብሔር ፡ዝኣምን ፡ንቅዱሳን፡መላእክት ከኣ ዘኽብር ንፉዕ ጛሳ ነበረ ኩሉ መዓልቲ ከኣ ምስሑ ከይሓዘ ይወፍር ‘ሞ፡ቀትሪ ምስ ኮነ ፡ ክምሳሕ ንገዙኡ ይከይድ ከኣ ነበረ ክኸይድ ከሎ ግን ነተን ኣባጊዑ፡

ኦ ቅዱስ ሚካኤል ነዘን ኣባጊዐይ ክሳብ ተመሲሐ ዝመጽእ ሓደራ ካብ ቶኽላ ሽፍታ ሓልወለይ ፡እንዳበለ ፡ገዲፍወን ይከይድ ‘ሞ፡ኣቡኡ ከኣ ምስመን ደኣ ገዲፍካየን ምስ በሎ ፡ምስ ቅዱስ ሚካኤል፡ይብሎ

ደሓር መዓልቲ ወን ከሙኡ ኢሉ ይሓቶ ‘ሞ ምስ ቅዱስ ገብርኤል ገዲፈየን ይብሎ ፡ኩሉ መዓልቲ ምስ ቅዱስ ሚካኤል ፡ቅዱስ ገብርኤል፡ቅዱስ ሩፋኤል እንዳበለ ነቡኡ ይነግሮ ነበረ ።
ኣቡኡ ከኣ ሕራይ ጽቡቅ እንዳበለ ይህጎስ ነበረ ፡
ሓደ መዓልቲ ከኣ ኦ እመቤታችን ኣደይ ኣባጊዐይ ቶኽላ፡ ሽፍታ ከይበልዓለይ ሓደራኪ ፡ናብቲ ኣቦ ፍቅርን ለውሃትን ዝኮነ ወድኪ ኢየሱስ ክርስቶስ እንዳ ማለድኪ(ለመንኪ) ሓልውለይ ፡ኢሉ ክምሳሕ ንገዝኡ ከደ።

ክኸይድ ከሎ ኣቦኡ ኣብ መንገዲ ይረክቦ ሞ ።ዝወደይ ሎሚ ከደኣ ምስ መን ገዲፍካየን እዘን ኣባጊዕ ይብሎ ሞ ፡ እቲ ጋሳ ከኣ ትቅብል ኣቢሉ፡ ምስ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ይብሎ፡
ኣቡኡ ከኣ ኣይ ሎሚስ ክጠፍኣ ኢየን በሎ።

ጋሳ ከኣ ብስምባደ እሂ እንታይ ኮይነን ክጠፍኣ ደኣ ።ምስ ድንግል ማርያም ገዲፈየን እኮእየ ኢለካ ይብሎ ሞ ፡

ኣቡኡ ከኣ እወ እዚ ወደይ ፡ግን ንሳሲ ?ርህርህቲ ሕልና ፡ለዋህ? ስለ ዝኮነት ፡ከምቲ ነቲ ከልቢ ማይ ጸሚኡ የማን ጸጋም እንዳበለ ምስረኣየቶ ፡ካብ ዝባና ኣውሪዳ ብወርቂ ጫማኣ ጌራ ማይ ዘስተየቶ ,
ከምኡ ከኣ ገለ እንስሳታት ጠሚና ኢሎም፡እንተ መጽዮማ ርህርህቲን ፈቃርን ስለ ዝኮነት ፡ኣይትከልኦምን ኢያ ኢሉ መለሰሉ ።
ወዮ ጋሳ ከኣ እንዳ ገየየ ናብ ኣባጊዑ ተመልሰ።

ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፡ካብ ኩሉ
ፈተናን፡መካራ እዛ ዓለምን ትሓልወና
ጸሎታን በረከታን ናይ እመ ኣምላክ ኣይፈለየና ኣሜን።

ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ንጽህተ ንጹሃን ድንግል ማርያም ብረክታን ረዴኤታን ጣዕማን ፍቅራን ኣይፈለየና። ናይ ጎይታና ምድኅኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምኅረትን በረክትን ምስ ኩልና ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ይኩን፡ አሜን።

#ድንግል__ማርያም_እመ_ብርሃን__እቶም__ዝኽሕዱኺ_ክብርኪ__ዘቃልሉ_ሓፊሮም__ክተርፉ__እዮ_ንስኪ__ግና_ጎይታና_ዝሃበና_ኣማላዲት_ኣደ__ኢኪ።