እግዚኣብሄር ጉሳና’ዮ

እግዚኣብሄር ጉሳና’ዮ ዝጎድለና የለን
ንትጽላኢ ስዒሩልና’ዩ ኣሕሊፉ ኣይሃበናን
ንሂወትና በርኸት ጸጋ ዝዓደለና
ኣማኑኤል ይኽበር ይመስገን ዝሃለወና

ጸላኢ ሰናያት እንክዋጋኣኒ
ሰይፊ ኩናት ጌሩ ክቆራርጸኒ
ስቅ ኢልካ ኣይረኣኻን እድንግጸለ’ይ
ንኽብሪ በቅኤ ብኣካ ኣቦየ

ሕጅውን ይጓዝም ከም ኣንበሳ ሽደን
ሎሚ’ውን እንተኾነ ሰይጣን ኣይዓረፈን
ብስሑል ቅልጽምካ ሎሚ’ውን ተገለጽ
ብመስቀል ክትሓዝ ብስምካ ክግሰጽ

ብሓሶት ብዝሙትብስርቂ ብሕሜት
በቲ ረቂቅ ሜላ ብመናፍቅነት
ኣለም ተታሒዛ ምርኦ ሰይጣን ስደና
ተለመነና ጎይታ ክትርኢ ምድሃንና

ናይ ምድሐን ምክንያት መንገድ ኣሎኻ
ብኪዳን ቅዱስን ብድንግል ኣዴኻ
ኣብ ብዙሕ ሹመና ብውሑድ ኣሚንካ
ኣብ ብዙሕ ሹመና ብውሑድ ኣሚንካ