ዓመታዊ ዕረፍቶም ናይ ሃዋርያት ጴጥሮስ ወጳውሎስ

በሰመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ።
ሰላም ኣምላክ ምሳኩም ይኩን ኩብራት ስድራ እግዚኣብሄር ።

እንቃዕ ናብዚ ኩቡር ዓመታዊ ዕረፍቶም ናይ ሃዋርያት ጴጥሮስ ወጳውሎስ ብሰላም ኣብጸሓና። እግዚኣብሄር ኣምላኽና እምነታና ኣጽኒዕና ኣሰር ኣሰር ኣቦታታና ክንስዕ መጽናንዒ ሓይሊ መንፈቅዳሱ ይልኣከልና ኣሜን ።

… ገሊኣቶም ድማ ብላግጽን ብመግረፍትን ኣብ ልዕሊ
እዚውን ብመቚሕን ብማእሰርትን ተሳቐዩ። ብዳርባ እምኒ
ተቐትሉ፡ ብመጋዝ ተቘርጹ፡ ተሰይፎም ሞቱ፡ ኣጐዛ ኣባጊዕን
ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዞሩ፡ ሰኣኑ፡ ጸበቦም፡ ሓሳረ መከራ
ጸገቡ፡ ዓለም ንኣኣቶም ዘይትበቅዕ ስለ ዝኾነት፡ ኣብ ምድረ
በዳን፡ ኣብ እምባታትን፡ ኣብ በዓትታትን፡ ኣብ ጐዳጕድ
ምድርን ኰለል በሉ። ዕብ.11፣32-38

ነቶም ቃል ኣምላኽ ዚሰብኩልኩም መራሕቲ
ዘክርዎም። ከመይ ኢሎም ከም ዝነበሩን ከም ዝሞቱን
ኣስተውዒልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ። ኢየሱስ
ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለዓለም ንሱ ኢዩ። በብዓይነቱ
ብዝኾነ ጋሻ ትምህርቲ ኣይትስሓቱ። ዕብ.13፣7-9

ንኣኻትኩም ዚቕበል ንኣይ ይቕበል፡ እቲ ንኣይ
ዚቕበል ድማ ነቲ ዚለኣኸኒ ይቕበሎ። ንነቢይ ብስም ነቢይ
ዚቕበል ዓስቢ ነቢይ ይረክብ፡ እቲ ንጻድቕ ብስም ጻድቐ
ዚቕበል ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ። ካብዞም ነኣሽቱ ንሓደ እኳ
ብስም ወደ መዝሙር ዝሑል ብርጭቆ ማይ ጥራይ ዜስቲ፡
ዓስቡ ከም ዘይስእን ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ማቴ.10፣40-42

ነታ መጀመርታ እምንቶና ክሣዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና
እንተ ሓዝናያ፡ መማቕልቲ ክርስቶስ ንኸውን። ዕብ.3፣14

እግዚኣብሔር ነቲ ምእንቲ ፍቕሩ ኢልኩም፡ ነቶም
ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ዚርስዕገፋዒ ኣምላኽ ኣይኮነን። ዕብ.6፣10