ዕረፍቲ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ

ዜና ዕረፍቲ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ 5ይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኦርቶዶስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ!

“ኦ ገብርኄር ወምእመን… ባእ ወስተ ፍስሐሁ ለእግዚእከ፡/
ኦ ሕያዋይ እሙንን ኣገልጋሊ.. ናብ ሓጐስ ጐይታካ እቶ’’ ማቴ.፳፭፡፳፩/ 25፡21

ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ ፭ይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘሃገረ ኤርትራ ንቤተ ክርስቲያኖም፡ ንሕዝቦምን ሃገሮምን ደኺመ ከይበሉ ብትግሃትን ፍቕሪን ድኅሪ ምግልጋሎም ብዝሓደሮም ናይ ሓጺር መዓልትታት ሕማም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘድሊ ሕክምናዊ ረዲኤት ክግበረሎም ድኅሪ ምጽናሕ ሎሚ ዕለት ፳፫ ኅዳር ፳፻፲ወ፭ዓ.ም.ግ (02/12/2022 ዓ.ም.ፈ) ሰዓት 4፡15 ድ.ቀ. ኣብ መበል 96 ዓመት ዕድመኦም ኣብ መንበሪ ቤቶም ብሰላም ዓሪፎም።

ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብዕረፍቲ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ ንኣፈጻጽማ ፕሮቶኮላዊ ሥነ ሥርዓት ቀብሮምን ካልእ ተዛመድቲ ጉዳያትን ኣብ ዝቕጽል መዓልትታት መግለጺታት ከውጽእ ምዃኑ ይሕብር።
ልዑል እግዚኣብሔር ሃገርናን ማኅደርና ይባርኽ