ደብረ ታቦር

ደብረ ታቦር

ኣብ ምድረ እስራኤል፡ ካብ ባሕሪ ገሊላ ንሸነክ ምዕራብ ዝርከብ እምባ እዩ። ቅዱስ ወንጌል (ማቴ. 17፡1-13) ከም ዝነግረና፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነቶም ኣዕኑድ ቤተ ክርስቲያን ዝበሃሉ ሠለስተ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ዝኾኑ ቅዱስ ጴጥሮስን ደቂ ዘብዴዎስ ቅዱስ ያዕቆብን ቅዱስ ዮሓንስን ኣኸቲሉ ናብዚ እምባ እዚ ምስ ደየበ፡ ኣምላኽነቱ ንምግላጽ ኣብ ቅድሚኦም ክዳኑ ከም በረድ ፃዕደወ፡ ገጹ’ውን ከም ፀሓይ በርሀ።

ክልተ ካብ ቅዱሳን ነቢያት ሙሴን ኤልያስን ተገሊጾም ምስኡ ተዘራረቡ። ነቢይ ሙሴ፡ ‘ንኣኻ ኣምላከ ሙሴ ይብሉኻ እምበር ከመይ ኢሎም ሙሴ ኢኻ ይብሉኻ’ በሎ። ነቢይ ኤልያስ’ውን ‘ንኣኻ ኣምላከ ኤልያስ ይብሉኻ እምበር ከመይ ኢሎም ኤልያስ ወይ ድማ ሓደ ካብ ነቢያት ይብሉኻ’ ብምባል መስከረ። ነቢይ ሙሴ ብሕጊ መውስቦ እናነበረ ዝኃለፈ ነቢይ’ዩ። ነቢይ ኤልያስ ግና ብድንግልናን ብምናኔን እናነበረ ዝዓረገ ኣቦ እዩ። ስለምንታይ ክልቲኦም ተገልጹ፡ ካልኦት ዘይኮኑ፧ እንተበልና ቤተ ክርስቲያን ብመርዓ ኮነ ብድንግልና ናይ ዝነብሩ ሕዝበ ክርስቲያን ቤት ምዃና ንምግላጽ እዩ።

ቅዱስ ጴጥሮስ ተንሢኡ “ኦ ጐይታ ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ትፈቱ እንተኴንካስ ኣብዚ ሠለስተ ዳስ ክንሠርሕ። ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደ’ውን ንኤልያስ” እናበሎ ከሎ ብሩህ ደመና ጐልበቦም። ካብቲ ደመና ድማ እግዚአብሔር አብ፦ “ዘፍቅሮ ብእኡ ዝሠመርኩ ወደይ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስማዕዎ” ኢሉ መስከረ። ቅዱሳን ሓዋርያት ነዚ ሰሚዖምን መለኮታዊ ክብሩ ርእዮምን ብግንባሮም ተደፊኦም እናፈርሁ ሰገዱ፡ ብኣምላኽነቱ ኣመኑ፡ ምሥጢር’ውን ተረድኡ።

ኣብዚ እምባ’ዚ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግርማ መንግሥቱን ምሥጢረ መለኮቱን ዝገለጸሉ ዕለት፡ ዓመት መጽአ ‘በዓለ ደብረ ታቦር’ እናተባህለ ይኽበር ኣሎ።

ደብረ ታቦር ብቤተ ክርስቲያን ይምሰል እዩ። ኣብ ዝባን ደብረ ታቦር ኴንካ፡ ብላዕለዋይ ወገን ዓበይትን ገዘፍትን እምባታት ይርኣዩ። ናብ ታሕታዋይ ወገን ከኣ ጐልጐልን ስንጭሮን ይርኣዩ። ብተመሳሳሊ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጸኒዑ ዝነብር ሰብ፡ ኣብኡ ኾይኑ ንኽብሪ መንግሥተ ሰማያት ይርኢ፡ ከምኡ’ውን ንታሕቲ ገጹ፡ ምረት ገሃነመ እሳት ይዕዘብ። እቶም ሃይማኖትን ምግባርን ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝደየቡ ቅዱሳን፡ ምእንቲ መንግሥተ ሰማያት ኢሎም ጸብኢ ኣጋንንቲ ተዓጊሦም ደሞም ዘፍስሱ ክብራ ስለዝረኣዩ እዮም።

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ስቓይ እዚ ዘመን’ዚ ነቲ ኣባና ክግለጽ ዘሎ ክብሪ ከምዘይመዓራረዮ እኣምን እየ” ይብል። ሮማ 8፥18። ቅዱስ ኤፍሬም’ውን ‘’ሰማዕታት ከዐው ደሞሙ በእንተ እግዚኣብሔር ወተዓገሡ ሞተ መሪር በእንተ መንግሥተ ሰማያት/ ሰማዕታት ምእንቲ እግዚኣብሔር ደሞም ኣፍሰሱ፡ ምእንቲ መንግሥተ ሰማያት ኢሎም’ውን መሪር ሞት ተዓገሡ።” ይብል። (ውዳሴ ማርያም ዘኃሙስ)። ስለ’ዚ ጣዕሚ መንግሥተ ሰማያትን ምረት ገሃነመ እሳትን ኺንርኢ፡ ናብታ ካብ ዓለም ልዕል ዝበለት ቤተ ክርስቲያን ንደይብ። ምስትውዓል ሂባ ንኸተበርትዓና ወትሩ ደወላ ምስ ኣስመዐትን ኣፍ ደገኣ ምስ ኣርሓወትን እያ።

ባርቅን ዲቦራን ንሲሳራ ዝሰዓርሉ፡ ዝተዓወትሉ እምባ ደብረ ታቦር እዩ። (መሳ. 4፡4) ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ድማ ናይ ደብረ ታቦር ምሳሌ ብምዃና ናይ ዓወት መድረክ እያ። ናብአ ዝመጸ፡ መንፈሳዊ ኃይሊ ረኺቡ ብጾምን ጸሎትን ንሰይጣን ይስዕር። ኤፌ. 6፥12

ደብረ ታቦር፡ ጽንዓት ዝሓትት ተሪር ዓቀብ ኣለዎ፡ ነዚ ዓቐብ ምስ ደየብካ ግና ጐልጐል እዩ። ናብዚ እምባ’ዚ ብብዙኅ ጻዕርን ድኻምን ዝደየበ ሰብ ፡ ኣብዚ ሜዳ’ዚ ምስ በጽሐ ደስታን ሩፍታን ይስምዖ። ድኻሙ’ውን ይርስዖ። ብተመሳሳሊ ቤተ ክርስቲያንና’ውን ጹሙን ጸልዩን ስለ እትብል ንጊዜኡ ንብዙኃት ሰባት ንኺቀርብዋን በረከታ ኺሳተፉን ዓቀበት ትኾኖም። ኣጸቢቆም ምስ ቀረብዋ ግና ናይ ፍርሒ መንፈስን ኣወጊዳ ክፍኣት ዘይብሉ ህዱእ መንገድን ሰላምን ትህቦም። ንመንግሥተ ሰማያት ክንኣትዋ ዝግብኣና ብብዙኅ ጸበባ ምዃኑ’ውን ሓዋርያት ኣስተምሂሮም እዮም። ግብ. ሓዋ. 14፡22

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ደብረ ታቦር መለኮታዊ ክብሩ ክገልጽ ከሎ ክልተ ካብ ነቢያት፣ ሠለስተ ድማ ካብ ሓዋርያት ተረኺቦም ነበሩ። ደብረ ታቦር ብሓድነት ኣቦታት ብሉይን ሓዲስን ኪዳን ኣአንጊዳ። ቤተ ክርስቲያንና’ውን ብሉይን ሓዲስን ይስበኸላ። ትንቢት ነቢያት ምስ ስብከተ ሓዋርያት ይንገረላ። ንሓዲስ ኪዳን ካብ ብሉይ ኪዳን ኣይትፈልን። ከመይ! ጐይታ “ኣነ ንሕጊን ነቢያትን ክፍጽሞም ደኣ እምበር ክስዕሮም ኣይመጻእኩን” ከምዝበለ። (ማቴ. 5፥17)

ኣብ ደብረ ታቦር ናይ እግዚኣብሔር ሓድነትን ሠለስትነትን ተገሊጹ እዩ። ቤተ ክርስቲያንና’ውን ንደቂ ሰባት ከም መጠን ኣእምሮኦም ምሥጢረ ሥላሴ ትምህር።

ስለዚ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና በዝን ብኻልእን ምሳሌን ደብረ ታቦር ብምዃና ቅዱስ ጴጥሮስ “ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ” ከምዝበለ፡ ንሕና ድማ ነዚ ቃል ወትሩ ንድገሞ፡ ካብኣ ከይንርሕቕ ድማ ቃል ንእቶ። ናይ’ዚ ዕለት በረኸት ተኻፈልቲ ኺንከውን፡ ምሥጢር ደብረ ታቦር ኺግለጸልናን ብርሃኑ ንምርኣይ ኺንበቅዕን ሎሚ ሕጂ ናብ ደብረ ታቦር ቤተ ክርስቲያን ብጐደና ሃይማኖትን ሥነ ምግባርን ንደይብ።

እግዚኣብሔር ኣምላኽና ቅዱስ በዓል ይግበረልና!

ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!