ዳግማይ ትንሣኤ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
ኣብዚ ዕለት ሰንበት ትንሣኤ ከምዝተጠቅሰ ኣብቲ ዕለት ትንሣኤ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳን ሓዋርያት ብዕጽው ማዕጾ ኣትዩ

ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን

ኢሉ ትንሣኤኡ ክገልጸሎም ከሎ ሓዋርያ ቶማስ ምስኦም ኣይነበረን። ድሕሪኡ ካብቲ ከይድዎ ዝነበረ ምስ ተመልሰ። ትንሣኤ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብደስታን ሓጐስን ምስ ነገርዎ

ዳሕራይ ንስኹም ሪኢና ኢልኩም ክትምስክሩን ከተምህሩን ኣነ ግና ሰሚዐ ኢሉ ክምስክርን ከምህርን፣ ኣይከውንን ኣነ’ውን እንተዘይረኣኹ ኣይኣምንን።

ብምባሉ። ናይ ኩሉ ሰብን ናይ ዝመረጾም ፈተውቱ ናይ ልቢ ሓሳብ ምስ ምኽንያቱ ፈልዩ ዝፈልጥ፣ ለውሃቱ ሙሉእ ዝኾነ ናይ ባህርይ ኣምላኽ መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ልክዕ ከም ናይ መጀመርታ ዕለተ ትንሣኤ አበው ሓዋርያት ብሓንሳብ ከለዉ ብዕጽው ማዕጾ በሩ ከይተኸፍተ ኣትዩ

ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን።

ብምባል ኣብ ማእከሎም ቆመ። ንቶማስ’ውን ኣማኒ እምበር ተጠራጣሪ ኣይትኹን ብምባል እቲ ዝተሸንከሮ ኢዱን እግሩን፣ ዝተወግኦ ጎኑ ንዓ ርኣይ ኢሉ ኣርእይዎ። እሱ’ውን ምልክቱ ብምርኣይን ብኢዱ ዳህሲሱ’ውን ትንሣኤኡን ኣምላኽነቱን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ዝደለየ ብዓይኑ ብምርኣይ ተረዲኡ

ጐይታይን ኣምላኸይን ።

ኢሉ መስኪሩ።

ስለዚ እዚ ናይ ትንሣኤ ምሥጢር ካልኣይ ግዜ ንሓዋርያት ዝተገልጸሎም ዕለት ስለዝኾነ

ዳግማይ ትንሣኤ

ተባሂሉ እዚ ዕለት ሰንበት ይጽዋዕን ይኽበርን። ዮሓ.20፣24-30።

ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ከኣ ኣብዚ ዕለት ኩሉ መንፈሳዊ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ከም ዕለተ ትንሣኤ ኮይኑ እዩ ዝፍጸም።

ምስባክ ወተንሥአ እግዚአብሔር ከምዘንቃህ እምንዋም ወከመ ኃይል ወኅዳገ ወይን ወቀተለ ጸሮ በድህሬሁ
ሽዑ እግዚአብሔር ከም ደቂሱ ዝነበረ ። ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዝጭድር ጅግና ኮይኑ ተንሥአ፣ ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድሕሪኦም ወቅዖም።

መዝ. ፸፯፡፹፭-፹፮ (78፣85-86።)
ዮሓ.20፣1-19። ግ.ሓዋ.2፣22-26። 1ይቆሮ.15-1-20። 1ይጴጥ.1፣1-13።
ወንጌል ማቴ. 28፣1-ፍጻሜ ማር.16፣1-ፍጻሜ ሉቃ.24፣1-16
ቅዳሴ ፣ ዲዮስቆሮስ ( እምቅድመ ዓለም)

ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሳህሉን ምሕረቱን ፣ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት ። ናይ ቅዱሳን ጻድቃን ሰማእታት ተራዳእነት ኣይፈለየና።

ስብሓት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር። ኣሜን!!!