ጾመ ነብያት

ጾመ ነብያት ሓሙስ ሕዳር 15 እዩ ዝጅምር 29 ታሕሳስ ከኣ ይውድእ። እዚ ማለት ከኣ ናይ ሎሚ ዓመት ጾመ ነብያት ቅበላ ካብ ሰሉስ እዩ ዝጅምር፥ ካብ ረቡዕ ጀሚሩ ናይ ስዕረት መግቢ ኣይብላዕን።

እዚ ጾም ዚ ኣብ ቤተክርስትያና ካብ ዘለዉ 7ተ ናይ ኣዋጅ አጽዋማት ሓደ ኮይኑ፥ ኣበው ነብያት ናይ ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ምውላድን ምውራድን ብትንቢት መነጽር እናተመልከቱ ዝጾሙዎ ጾም እዩ።

ሎሚ ድማ ንሕና ክርስትያን ናይ ኣቦታትና ኣሰር ተኸቲልና ወቅቱ ብጾምን ብጸሎትን እናሕለፍና ኢየሱስ ክርስቶስ ገዛእ ርእሱ ኣትሒቱ ናብ ዓለም ምምጽኡን ናይ ዓለም ቤዛ ምኻኑን እንሓስበሉ ግዜ እዩ።

¶ እዚ ጾም~ ጾመ ድሕነት፥ ጾመ ማርያም፥ ጾማ ኣዳም፥ ጾመ ስብከት፣ ተባሂሉ ውን ይጽዋዕ እዩ።

=> ጾመ ድሕነት፥~ ዝተበሃለሉ መኽንያት መርገመ ስጋ መርገመ ነብስ፥ ናይ ኣዳም ዕዳ፥ በደል፥ጠፊኡ ድሕነት ስለ ዝተረኽበሉ እዩ።

=^>• ጾመ ማርያም፥~ ዝተበሃለሉ መኽንያት፥ ንጽህተ ንጹሃን ቅዱስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ጌታ ኣብ ማህጸነይ ተሸኪመ ክጾም ክጽሊ ይግባእ ኢላ ን40 መዓልቲ ክሳብ ልደት ጎይታ ዝጾሞቶ ጾም ስለ ዝኾነ እዚ ስያሜ ተዋሂብዎ ።

=#>• ጾመ ኣዳም፥~ ዝተበሃለሉ መኽንያት፥ ንኣዳም ትንቢት ዝተነገረሉ፥ ዝጽበዮ ዝነበረ ሱባኤ ከምዝበጽሐ ዘበስር ብሙኻኑ ጾመ ኣዳም ይበሃል። ኣዳም እንተበደለ,ካ ካብ ጋል ጋልካ ተወሊደ ከድሕነካ እየ ዝብል ዝተነገሮ ተስፋ ከም ዝበጽሐ፥ ምስጢረ ስላሴ ጋህዲ ክኸውን ከም ዝቀረበ ዘረድእ ጾም እዩ።

==•>•>• ጾመ ስብከት፥~ ዝተበሃለሉ መኽንያት፥ ናይ ወልደ እግዚኣብሄር ሰብ ሙኻን፥ ዘስተምሃሩሉ፥ ናይ ደቂ ሰባት ተስፋ ዝተመስከረሉ፥ ብስራት ዝተነገረሉ ስለ ዝኾነ፥ ጾመ < ስብከት ይበሃል > ።

ጾምና ሓጢኣትና መደምሰሲ መንግስተ ሰማያት መውረሲ ይግበረልና። ናይ ቅዱሳን ኣቦታትና ነብያት በረኸት ኣብ ኩልና የሕድር።

ስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለ ወላዲቱ ድንግል
ወለ መስቀሉ ክቡር
ኣሜን።