ጾመ_ነነዌ

ስላሞ አሞላክ ሞሳኩ ይኩን ደቂ ማርያሞ ደብረ ሲና

ጾመ_ነነዌ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፍስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

ጾመ ነነዌ!

ሰኑይ ዕለት 22/02/21 ብፈረንጂ//
ዕለት 15/የካቲት/2013 ብግእዝ ክጅምር እዩ።
ንበረኸት ይግበረልና።

ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት እዩ።
ኣብ ነነዌ ዝቕመጡ ዝነበሩ ሕዝቢ ጾይሞም ምሕረት ከምዝረኸቡ፡ ሕዝበ ክርስቲያን ድማ ከምኡ ምሕረት ንክረኽቡን ንመዘከርታ ጾም ሕዝበ ነነዌ ‘ጾመ ነነዌ’ እናበሉ ንሠለስተ መዓልቲ ዝጾምዎ እዩ።

ብዛዕባ ኸተማ ነነዌን ጾም ሕዝቢ ነነዌን ነቢይ ነነዌ ዮናስን . . . ኣብ መጽሓፍ ትንቢት ዮናስ ተገሊጹ ኣሎ። ነነዌ፡ ከባቢ 120,000 ተቐማጦ ዝነበርዋ ናይ ኣሶራውያን ዓባይ ርእሰ ኸተማ እያ ነይራ። ከም መጠን ዕብየታን ዝናኣንን ሥልጣነኣን፡ እቲ ኃጢኣታ ድማ ኣዝዩ ኸፊኡ ስለዝነበረ ‘ዓባይ ከተማ’ እናበለ ኣርባዕተ ጊዜ ጠቒስዋ ኣሎ። ሕዝባ ኃጢኣቶም ዝበዝኀ፡ የማኖም ካብ ጸጋሞም ኪፈልዩ ዘይክእሉ ነበሩ። እግዚአብሔር ‘ ተነስሑ ኣበሳኹም ጥፍኣት ከየምጽኣልኩምሲ ኻብ ኵሉ ግህሰትኩም ተመለሱ። ነቲ እትገብርዎ ዝነበርኩም ኃጢኣትኩም ደርብይዎ፡ ሓድሽ ልብን ሓድሽ ኣእምሮን ኣጥርዩ። . . ስለምንታይከ እትሞቱ፧ ኣነ ሓደ እኳ ኺመውት ኣይፈቱን እየ እሞ ኃጢኣት ምግባር ኅደጉ ብሕይወት ድማ ንበሩ።’(ት.ህዝ. 18.31-32) ዝብል ለዋህ ኣምላኽ ስለዝኾነ፡

እቶም ሕዝቢ ከይለመንዎን ዚምህሮም ነቢይ ዮናስ ጸዊዑ “ተንሥእ እሞ ናብ ነነዌ ናብታ ዓባይ ከተማ ኬድካ መሃር” በሎ። ነቢይ ዮናስ ግና ለውሃት እግዚአብሔር ከምኡ’ውን ክፍኣት ሕዝቢ ነነዌ ይፈልጥ ስለዝነበረ ፈቓደኛ ኮይኑ ኣይተረኽበን።

ዮናስ ማለት ለዋህ ስለዝኾነ፡ ‘ኣብ ቅድሚኡ ስለዝረኣየኒ እኮ እዩ ከምዚ ዝበለኒ’ ኢሉ ካብ ገጽ እግዚአብሔር ንምኽዋል ንተርሴስ ብእትኸይድ መርከብ ተሳፊሩ መንገዱ ቐጸለ። ሽዑ እታ መርከብ ኣብ ማእከል ባሕሪ ምስ በጽሐት ብርቱዕ ማዕበል ተላዒሉ ነታ መርከብ ኪግምጥላ ደለየ። እቶም ኣብታ መርከብ ተሳፊሮም ዝነበሩ ሕዝቢ ዘቃልለሎም መሲልዎም ነቲ ኣቝሑቶም ናብ ባሕሪ ኪድርብዩ ኸለዉ፡ ዮናስ ግና ደቂሱ ነበረ። እቲ መራሕ መርከብ ድማ እዚ ዅሉ ሕዝቢ ኪጭነቕን ኪሽገርን ከሎ ዮናስ በጥ ኢሉ ደቂሱ ምስ ረኣዮ ‘ኣንታ ሰብኣይ እንታይ እዩ ሥራሕካ፧ እዚ ሕዝቢ ኣብ ዓቢይ ኃደጋ ወዲቑ ናብ ዘዘምልኾ ኣምላኽ እናለመነን እናተማሕፀነን ንምንታይ ኢኻ ናብ ፈጣሪኻ ዘይትልምን፧’በሎ። ሽዑ ዮናስ “እዚ ብሰንኪ ኃጢኣተይ ዝመጽአ እዩ፡ ስለዚ ናብዚ ባሕሪ ደርብዩኒ’ሞ እዚ ማዕበል ክሃድኣልኩም እዩ” በሎም። እቶም ሕዝቢ ግና ከመይ ጌርና ክንድርብየካ እንተኾነ ግዳ ዝሃድኣልና እንተኾይኑሲ ዕጫ ነውድቕ’ሞ እቲ ዕንጨይቲ ዝበጽሖ ይደርበ፡ ተበሃሂሎም ዕንጨይቲ እንተውደቑ ናብኡ በጽሐ። እቲ ማዕበል እናበርትዐ ምስ ከደ ግና እንከይፈተዉ ንዮናስ ናብቲ ባሕሪ ደርበይዎ።

ይኹን ደኣ እምበር እግዚአብሔር ንዮናስ ዚውሕጥ ዓሣ ኣንበሪ ኣዳልዩ ስለ ዝነበረ ዮናስ ምስ ተደርበየ ዓሣ ተቐቢሉ ወሓጦ፡ እቲ ማዕበል ድማ ሃድአ፡ እቲ ንዮናስ ዝወሓጦ ዓሣ ድኅሪ ሠለስተ መዓልቲ ኣብ ጫፍ ምድሪ ነነዌ ተፍኦ፡ ዮናስ ከኣ ነቲ ሃገር ስለ ዘይፈልጦ “እዚ ሃገር’ዚ መን ይበሃል፧” ኢሉ እንተ ሓተተ ነነዌ በልዎ። ዮናስ ካብ ኢድ እግዚአብሔር ከም ዘየምለጠ ተረዲኡ ናብታ ኸተማ ኣተወ። ስፍሓት እታ ኸተማ መንገዲ 3ተ መዓልቲ ስለ ዝነበረ፡ መንገዲ ሓደ መዓልቲ ዚኸውን ምስ ከደ፡ ‘እስከ ሠሉስ ዕለት ትትገፈታዕ ነነዌ/ እዛ ኸተማ’ዚኣ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ክትግልበጥ እያ’ እናበለ ኪምህር ጀመረ። እዚ ትምህርት’ዚ ኸኣ ኣብ እዝኒ ንጉሥ በጽሐ። ንጉሥ ካብ ዙፋኑ ወሪዱ፡ ማቕ ተኸዲኑ፡ “ካብ ዝጠቡ ሕፃናት ጀሚሩ ክሳብ እንስሳ፡ ንሠለስተ መዓልቲ ንኺጾሙ ትእዛዝ ኣመኃላለፈን ጽኑዕ ኣዋጅ ኣወጀን። ሽዑ ሕዝቢ ነነዌ በቲ መልእኽቲ እግዚአብሔር ኣመኑ። መግለጺ ስቡር ልቦምን ትሕትናኦም ድማ ማቕ ተኸዲኖም ኃጢኣቶም እናተኣመኑ ጾሙን ጸለዩን። በዚ መሠረት እግዚአብሔር ኣምላኽ ነቲ እምነቶምን ስቡር ልቦምን ጾሞምን ጸሎቶምን ከምኡ’ውን ካብ እኩይ ግብሮም ማለት ካብ ክፉእ መንገዶም ከም ዝተመልሱ ተመልኪቱ ከምቲ ተዛሪብዎ ዝነበረ ኣይቀጽዖምን፡ ነቲ መዓት ናብ ምሕረት መለሶ። (ዮና. 1-ፍጻሜ)

ንሕና ሕዝበ ክርስቲያን’ውን ድማ እዚ እንጽሞ ዘሎና ንኸንቱ ኣይኮነን። እዚ ጾም’ዚ ንሰብኣ ነነዌ ካብ መዓት ዘድኃነ ፍቱን መድኃኒት ስለዝኾነ እዩ። ጊዜ ጾም መንፈሳዊ ገድሊ ዝበዝኆ፡ ኣብ እግዚአብሔር ዘሎና ፍቕሪ ንገልጸሉ፡ በረኸት ሥጋን ነፍስን ንረኽበሉ፡ ሃይማኖትና ነጽንዓሉ፡ ንዲያብሎስ ንስዕረሉ ኃይሊ ኣምላክ እዩ. . .። (ኤፌ. 6፡13)

እንተኾነ ግና ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ‘ንብላዕ ንስተ ጽባሕ ክንመውት ኢና ዝብሉ ከየስሕትኹም’ (1ይ ቆሮ. 15፡32) ዝበሎ፡ ሓደ ሓደ ሰባት ‘እንታይ ዝገብር ጾም እዩ’ እናበሉ ንባዕሎም ተጋግዮም ዘጋግዩ ኣለዉ። ሰማያዊ ሕጊ ዝኾነ ጾም ዘይምኽባር እንስሳዊ ባህርይ ዝገብር ስለዝኾነ ከየስሕቱና ክንጥንቀቕን ብዝግባእ ክንጸውን ይግባእ።

ነዚ ንምፍጻም እግዚኣብሔር ጸጋኡ የብዝኃልና!

ስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!