ዐቢይ ጾም
በስመ ኣብ ወወልጽ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።
ዝኸበርኩም ናይ እግዚኣብሔር ቤተሰብ ከመይ ኣምሲኹም፥ብሩኽ ምጅማር ጾም ይግበረልና።
ዐቢይ ጾም ማለት “ጾመ” ሓደገ,ተዓቀበ,ተኣረመ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ቃል እዩ።
“ጾም ካብ ጥሉላት መግቢ ፈጺምካ ምርሓቅ፤
ካብ ሕማቅ ነገራት ምሕላውን፤ምቁጽጻር እዩ።
“ጾም ካብ መንፈሳዊ ተጋድሎ ሓደ እዩ።
“ጾም ፍትወታት ናይ ስጋ ኣርሒቁ፤ስጋ ንነፍሲ ከም ትእዘዛ ይገብር።
ጾም ኣደ ናይ ጸሎት፤ናይ ንብዓት መፈልፈሊ፤ትዕግስቲ ትምህር፤ንጽቡቅ ስራሕ ኩሉ እተነቃቅሕ፤ ሰብነትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣዋሪድና ትሕትና ንኽንለብስ ሕግዘና መድሃኒት ናይ ነፍስ እያ። ማር ይስሐቅ ኣንቀጽ ፬።
ዐቢይ ጾም መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ወርሓት የካቲትን መጋቢትን ክኸውን ከሎ ክሳብ ቀዳም ስዑር ን ፶፭ 55 መዓልቲ ይጽወም። ዐቢይ ጾም ዝጅምረሉን ፋሲካ ነብዕለሉን ዕለት ዓመት ዓመት ይፈላለ እዩ። ዝጅምረሉ ካብ ሰኑይ ፋሲካ ድማ ካብ ሰንበት ኣይወጽእን።
ሸሞንተ ሰሙን (ሸውዓተ ቀዳምን ሸሞንተ ሰንበትን) ኣለው፣ ብድምር ፲፭ 15 ይኸውን። እዘን ሰናብቲ ካብ ጥሉላት እምበር ካብ እኽሊ ዘይንጸውም ኣብ ዘወረደ ዘላ ሰሙንን ሕማማትን ንጸውም።
እዚ ጾም ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ን ፵ 40 መዓልትን ለይትን ደው ምስ በለ ከየዕረፈ ብርኩ ከይዓጸፈ ብትሕርምቲ ብምጻሙ ዐቢይ ተባሂሉ። ማቴ 4፥1። ንሕና ውን ጎይታና ዝጾሞ ጾም ንምዝካን፤ በረኸት ንምርካብ፣ብግብሪ ንዕኡ ንምምሳል፥ ፍቃድ ናይ ስጋ ንነፍስና ከነግዝእ ንጸውም።
ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾሞ ክቅደስ,ክኸብር,ክነጽህ ኢሉ ዘይኮነ ነዓና ኣርኣያ ንምዃን እዩ።
፵ 40 መዓልትን ፵ 40 ለይትን ብምኽንያት እዩ።
ኣቀዲሞም ነቢያት 40፥ 40 ጸይሞም እዮም። እንተወሰኸ ወሲኹ እንተጉደለ ኣጉዲሉ ኢሎም ኣይሁድ ሕጊ ወንጌል ንምቅባል ከይክልከሉ፥
“ሙሴ,ሕዝቅኤል,ኤልያስ,እዝራ 40 መዓልትን ለይትን ጸይሞም እዮም።
ጎይታና 40 መዓልትን 40 ለይትን ጸይሙ ህገ ወንጌል ሂብና።
“ተመን ኣካሉ ምስ ኣረገ ነርብዓ መዓልሊቲ ካብ ምግቢ ተውኸልኪሉ ይጸንሕ፤ ኣብ መንጎ ዕንጨይቲ ሓሊፉ ይኸይድ ኣካሉ ድማ ይሕደስ። ንሕና ውን ኣርብዓ መዓልቲ እንተ ጾምና ነፍስና ትሕደስ። ምሳሌኡ እዚ እዩ፥ ፍጻሜኡ ድማ፥- ኣዳም ብ40 መዓልቲ ረኺብዋ ዝነበረ ጸጋ ስለ ዘጥፍኣ፤ ንዕኡ ንምዝካርን ጸግኡ ንምምላስን።
ናይ ነፍስና ዕቤት፤ናይ ጸጋ፤ናይ በረኸት ጾም ይግበረልና። ብሰላም ከፈጽመና ቅዱስ ፍቃዱ ይኹን ኣሜን። ወስብሃት ለእግዚኣብሄር ወለወላዲቱ ድንግል ማርያም።
