ሓይሊ ጸሎት ኣብ ግዜ መከራ

ጸሎት ኣብ ግዜ ጸበባ ኸምቲ ኣብ ማእከል ማዕበል ዝድርበ መልሕቅ እዩ” (ዮውሃንስ ኣፈወርቅ)

እዚ ኣዝዩ ዓሚቝ ብህሎ እዚ ቅዱስ ዮውሃንስ ኣፈወርቅ፡ ሓይሊ ጸሎት ኣብ ግዜ መከራ ንምግላጽ ዝተጠቕመሉ ቃል እዩ። እዚ ቃል እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ “ብዛዕባ ሓይሊ ጸሎት” (On the Power of Prayer) ዝፍለጥ ስብከቱ (ወይ ድማ ኣብ ትንተና መዝሙር ዳዊት) ዝበሎ እዩ። ብፍላይ ኸኣ፡ ኣብቲ ኣብ ኣንጾኪያ ህዝቢ ብራዕዲ ተዋሒጦም ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ ዘስመዖ ስብከታት (Homilies on the Statues) ኣብ ዝተባህለ ዓውደ-ስብከቱ፡ ተመሳሳሊ ሓሳባት ተጠቒሙ ኣሎ።
መልሕቅ፡ ሓንቲ መርከብ ብብርቱዕ ንፋስን ማዕበልን ከይትውሰድ፡ ኣብቲ ትሕቲ ማይ ዘሎ ጽኑዕ መሬት ተታሒዛ ከም ትሃድእ ይገብራ። መንፈሳዊ ትርጉሙ ኸኣ፡ መከራን ጸበባን ከም ማዕበል ንልቢ ሰብ ኪናውጹዎ ከለዉ፡ ጸሎት ድማ ንነፍሲ ኣብ ኣምላኽ ከም ትሃድእ ይገብራ። ጸሎት እንተ ዘይሃልዩ፡ ነፍሲ ብማዕበል ተስፋ ምቑራጽን ጭንቀትን ትውሰድ። ጸሎት ግን ነታ ነፍሲ ኣብቲ ዘይናወጽ ከውሒ ዝኾነ ኣምላኽ የጽንዓ። ሓንቲ መርከብ መልሕቅ እንተ ዘይብላ፡ እቲ ማዕበል ናብ ኣኻውሕ እናገጨወ ክሰባብራ ይኽእል እዩ። ኸምኡ ኸኣ ጸበባ ንሰብ ናብ መንፈሳዊ ዕንወት ከብጽሖ ይኽእል እዩ። ጸሎት ግን ነታ ነፍሲ ካብቲ ናይ ተስፋ ምቑራጽ ኣኻውሕ ይሕልዋ። ስለዚ ጸሎት ንዘይከኣል ነገር ከም ዝከኣል ይገብሮ፡ ንጽንኩር ኩነታት ድማ የቃልሎ።

መልሕቅ ኣብቲ ሰብ ዘይርእዮ ዓሚቝ ባሕሪ እዩ ዝርከብ፡ ግናኸ ነታ ኣብ ልዕሊ ማይ ዘላ መርከብ የጽንዓ። ጸሎት እውን ንሕና ካብዚ እንርእዮ ጭንቀት ዓለም ወጺእና፡ ምስቲ ዘይርአ ሓይሊ ኣምላኽ ከም ንራኸብ ይገብረና። እቲ ማዕበል ኣብ ልዕሊ ነፍስና ይጓዘም ይኸውን፡ እቲ መልሕቅ (ጸሎት) ግን ኣብቲ ሰማያዊ ጸጋ ተተኺሉ ስለ ዘሎ፡ ነፍስና ኣይትናወጽን እያ። ጸሎት ንጸበባ ብኡንብኡ የጥፍኦ ማለት ኣይኮነን፡ ግናኸ እቲ ጸበባ ክሳብ ዝሓልፍ ትዕግስትን ተስፋን ይህበና። ዝጽሊ ሰብ “ኣምላኽ ምሳይ ኣሎ” ኢሉ ስለ ዝኣምን፡ እቲ ማዕበል ንሓጺር ግዜ ምዃኑ ይፈልጥ። ስለዚ “ብመዓልቲ ጸበባ ጸውዓኒ” ዝብል ቃል ኣምላኽ፡ ነቲ መልሕቅ (ጸሎት) ክንድርቢ ዝተዋህበና መምርሒ እዩ። ብጸሎት ስም ኣምላኽ እንተጸዊዕና፡ እቲ ማዕበል ክናውጸና እምበር ከጥፍኣና ኣይክእልን እዩ።

ስለዚ ሎሚ ኣብ ጉዕዞ ህይወት፡ ጸገማት ኬጋጥመካ ኸሎ ወይ ክትፈርህ፡ ሓደው ክትሓምም ከሎኻን ነውጺ ናይ ህይወት ክበዝሓካ እንከሎን፡ ንመን ኢኻ እትጽውዕ፧ ወለዲ፡ ኣዕሩኽ፡ ናይ ቀረባ ዘመድ፡ ምናልባት እውን ናይ ሓደጋ ቴለፎን 911 ወዘተ ብቐዳምነት ክትጽውዕ ከም ትኽእል ርዱእ እዩ.። ቃል ኣምላኽ ግና ፦ “ብመዓልቲ ጸበባ ድማ ጸውዓኒ፣ ኣነ ኸናግፈካ እየ፣ ንስኻውን ከተኽብረኒ ኢኻ”። ይብል( መዝ 50፡15)

ሕጂ ዓቕልኻዶ ጸቢብካ ኣሎ፧ እወ ጭንቀት፣ ሕማም፣ ስደት፣ ወይ ውሽጣዊ ናይ ነፍሲ ቅልውላው ገይሩልካ፧ እግዚኣብሄር ጸበባ ኣይክረኽበኩምን እዩ ኣይበለን፣ ግናኸ ኣብቲ መዓልቲ ጸበባ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና መገዲ ኣርእዩና ኣሎ። እቲ ካባኻ፡ ካባይ፡ ካባና ዝድለ ስጉምቲ ስም ኣምላኽ ብእምነት ምጽዋዕ እዩ። ኣምላኽ ጸውዓኒ ክብል ከሎ፡ ብጉልበትካ ጥራይ ክትወጽእ ኣይትፈትን፣ ሓገዘይ ሕተት እዩ ዝብለካ ዘሎ። ስለዚ ጸውዓዮ!!! ንሱ ክረድኣካን ከናግፈካን እዩ።

ነቲ ኣብ ኩሉ ጸበባና ዝረድኣና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ!
ወላዲቱ ድንግል
ወለ። መስቀሉ ክቡር