ዓቢይ ጾም “ገብርኄር

ሻዱሻይ ሰንበት ዓቢይ ጾም “ገብርኄር” ትበሃል።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሻዱሻይ ሰንበት ዓቢይ ጾም “ገብርኄር” ትበሃል። እዛ ሰንበት እዚኣ ‘ገብርኄር’ ዝተሰምየት፡ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ፡ ብዛዕባ ቅኑዓት ኣገልገልትን፡ ጐይታ ነቶም ቅኑዓት ኣገልገልቲ “ገብርኄር” እናበለ ዓስቦም ከም ዝህቦም ዘዘኻኽር ስለዝዝመር እዩ። ‘ገብርኄር’ ማለት እሙን ኣገልጋሊ እዩ። ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብዛዕባ ጐይታ ኣገልገልትን፡ እሙናት ኣገልገልትን ዘይእሙን ኣገልጋልን ይትርኽ። (ማቴ. 25፡14-30፣ ሉቃ. 19፡12-27) እዚ ምሳሌያዊ ትምህርቲ፡ ሓደ ክገይሽ ዝደለየ ሰብኣይ ቅድሚ መገሻኡ ንኣገልገልቱ ጸዊዑ ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም ነቲ ቐዳማይ ኃሙሽተ መክሊት፡ ነቲ ኻልኣይ ክልተ መክሊት፡ ነቲ ሣልሳይ ድማ ሓደ መክሊት ሂቡ፡ ነጊዶም ክረብሕሉን ትርፊ ክረኽቡሉን ተላብዩ ኸደ።

ድኅሪ ጊዜ ጐይታ ኣገልገልቲ መክሊቱ ኪጸባጸብ፡ ንሥራሖም ኪቈጻጸር መጽአ። በዓል ኃሙሽተ መኽሊት ኃሙሽተ፡ በዓል ክልተ ድማ ክልተ ረቢሖም ምስ ረኸቦም ብተኣማንነቶም ተሓጕሱ ናብ ቦታ ሓጐስ ኣእተዎም። እቲ በዓል ሓደ መክሊት ግና ነቲ መክሊቱ ኃቢኡ ምንባሩ ከይኣክል ምስ ተሓተተ ዘረባ ዓመጽ ምምላሱ ጐይታኡ ተቘጢዑ ከምዝቐጽዖ ይነግረና።

ትርጕም ናይ’ዚ ምሳሌያዊ ትምህርቲ እምብዛ ዓሚቕን ነዊኅን እዩ። ጐይታ ኣገልገልቲ ዝተባህለ እግዚአብሔር እዩ። እቶም ኣገልገልቲ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ዘለዉ ከከም መዓርጎምን ዝተዋህቦም ጸጋን ከምቲ ዝግብኦም ከገልግሉ ካብ ዲያቆናት ክሳብ ሊቃነ ጳጳሳት ንዘለዉ ሥዩማን ኣገልግልቲ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት እዩ። እቶም እሙናት ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ከምቲ ዝተዋህቦም መክሊት (ሥልጣነ ክህነት) ተጊሆምን ነቒሖምን መጓሰ ምእመናን ከውፍሩን ክሕልዉን ከብዝኁን፤ ስብከተ ወንጌል ከስፍሑን ዝነበሩ እሞ ኣብ ጊዜ ጸብጻብ መክሊቶም ኣበርኪቶም ንጐይታኦም ዘረከቡ እዮም። ጐይታኦም ድማ “አግብርት ኄራን ወፍቁራን/ ፍጹም እሙናት ኣገልገልቲ”፣ ከምኡ’ውን “ንዑ ኀቤየ ቡሩካኑ ለአቡየ/ ናይ ኣቦይ ቡሩኻት ናባይ ንዑ” ኢሉ ናብ ዘለዓለማዊ መንግሥቱ ዘእትዎም እዮም። ብኣንጻሩ ከምቲ በዓል ሓደ መክሊት ዝበሉ ሃካያን ኣገልገልቲ ድማ ንሽም ጥራይ መክሊት ተቐቢሎም ከብቅዑ ንምእመናን ዘይጓስዩን ኣብ ካልእ ጕዳያቶም ጥራይ ከድህቡን ዝነብሩ ኮይኖም ኣብ ጊዜ ጸብጻብ ብቑዕ መልሲ ስለዘይብሎምን ምኽንያት’ውን ከድኅኖም ስለዘይክእልን “ረሓቁ እምኔየ” (ካባይ ርሓቑ) ተባሂሎም ናብቲ “ዘለዓለማዊ ጸልማት” ኪድርበዩ እዮም።

ብኻልእ ወገን ድማ እዚ ምሳሌ መክሊት ንሥዩማን ኣገልግልቲ ጥራይ ዝተነግረ ዘይኮነስ ከከም ዓቕሞም ከገልግሉን ብመንገዲ ቅድስና ክምርሑን ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበሉ ምእመናንን ምእመናትን ዝምልከት እዩ። ምእመናንን ምእመናትን መንፈሳዊ ፍረ ፈርዮም መክሊቶም ከርብሑን ኣብ ሃይማኖት ክጸንዑን ብሠናይ ግብሪ ክተግሁን ንኻልኦት ኣርኣያ ኪኾኑን ይግብኦም። ኣብ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ‘ንኣና ኣይመልከተናን እዩ’ ከይበሉ፡ ስለ ቤተ እግዚአብሔር እሙናት ኣገልገልቲ ኪኾኑ ኣለዎም።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ይትኣኮት ወይሰባሕ ስሙ ለእግዚኣብሔር ኣምላክነ ወትረ በኩሉ ግዜ ወበኩሉ ሰዓት፡፡ ኣሜን ኣሜን ኣሜን!!!