በዓልቲ ጸጸር

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!

ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኩሉ ግዜ ንግሆ ንግሆ እንዳ ተንስአት ነጸላኣ ተጐልቢባ ናብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ምምልላስ ልምዲ ዝነበራ ነበረት። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ሓደ ሓሳብ ኣብ ኣእምሮኣ ቅጅል በላ። ንሱ ድማ “ንምንታይ ካብ ሱቕ ኢለ ንግሆ ንግሆ ቤተ ክርስቲያን ክመላለስ ክንደይ መዓልቲ ከም ዝመጻእኩ ዘይፈልጦ፧ ሕጂ ግን ክንደይ ምዓልቲ ኣብ ሰሙን ወይ ኣብ ወርሒ ከም ዝመላለስ ክፈልጥ ሓንቲ ዕትሮ ኣብ’ቲ ቀጽሪ ናይ’ቲ ቤተ ክርስቲያን ኣቐሚጠ ኣብ ዘዝኸድኩሉ ድማ ሓሓንቲ ጸጸር የቐምጠላ ብድሕሪኡ ምስ መልአት ነቲ ጸጸር ይቖጽሮ፡ ክንደይ ከም ከምዝተመላለስኩ ድማ ይፈልጥ”፡ ብምባል ከምኡ ንምግባር ሓሰበትን ብኡ ንብኡ ድማ ወሰነትን። ካብ’ዚ ብምቕጻል ወትሩ ኣብ ዘዝኸደቶ ነታ ዕትሮ ሓሓንቲ ጸጸር ንምቕማጥ ናተይ ኢላ ተተሓሓዘቶ። ከምኡ ኢላ ንነዊሕ እዋን ምስ ተመላለሰት ሓንቲ መዓልቲ ዕትሮኣ ከም ዝመልአት ኣረጋገጸት። “ዕትሮይ መሊኣትለይ በቃ፡ ናይ መወዳእታ ጽባሕ ሓንቲ ጸጸር ሒዘ ክመጽእ ኢየ፡ ሽዕኡ ንኹለን ክቖጽረን ኢየ። ሎሚ ግን ቆጸራ ስለዘለኒ ቀልጢፈ ገዛ ክኸይድ ኣለኒ” ኢላ ንገዛ ኸደት።

ንጽባሒቱ ከም’ቲ ልሙድ ሓንቲ ጸጸር ኣብ ኢዳ ሒዛ ናብ’ቲ ቤተ ክርስቲያን ትኣቱ እሞ፡ “መጀመርያ ክሳለም፡ ጸሎተይ ከብጽሕ” ኢላ ኣብ’ቲ መንደቕ ተሳለመት። ስዒማ ጸልያ ወዲኣ ብቐጥታ ናብ’ታ ዕትሮኣ ከይዳ ከፊታ እንተረኣየት ዕትሮ ከም’ቲ ትማሊ መሊኣ ዝረኣየቶ ዘይኮነስ ገረውረው ትብል ኣብ ውሽጣ ሓንቲ ጸጸር ጥራይ ትጸንሓ፡ እታ ጓል ኣዝያ ሰንቢዳ ሕልሚ እምበር ጋህዲ ኣይመሰላን።

“ኖእ. . . ! እዚ ዓይነይ እዩ ክኸውን ዘለዎ እምበር እዚ ብጥራሽ ክኸውን ኣይክእልን እዩ” ብምባል ዓይና ሕስይ ሕስይ ኣቢላ ደራሪዛ ኮታ ተረጋጊኣ እንደገና እንተረኣየት ምንም ለውጢ የለን። ወያ ዕትሮ ሓንቲ ጸጸር ጥራይ ሒዛ ረኣየት። ኣስዒባ ከም’ዚ በለት “እዋእ. . . ! ሕራይ ምስራቕሲ ይስረቕዎ’ሞ ደሓን ግን ንምንታይ’ዮም እዛ ሓንቲ ጸጸር ገዲፎምዋ፧ ከመይ ዝበልዎም እዮም፡ ነዚ ጸጸር ኣኪበ ኣኻኺበ ህንጻ ዝሰርሓሉ ድዩ መሲልዎም ኢላ እናተጻረፈት” ብነድሪ ክትዛረብ እንከላ ኣብ ጥቓኣ ሓደ ዕብይ ዝበሉ ፈላሲ-ኣቦ ጸኒሖም. . .

“ኢሂ’ዛ ጓለይ. . . እንታይ ደኣ ንበይንኺ ትዛረቢ፡ ኣይደሓንክን ዲኺ፧” በልዋ። እታ ጓል ድማ እርይ ቁጽር ኣቢላ እቲ ዘጋጠማ ነገረቶም። እቶም ፈላሲ ኣቦ ጽን ኢሎም ክሰምዕዋ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ከም’ዚ በልዋ። ርኢኺ’ለኺ እዛ ጓለይ እዚ ናትኪ መሉእ ሕይወትኪ ናብ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ምምልላስ ነዛ ዕትሮ ንምምላእ እምበር ምስ እግዚአብሔር ንምርኻብ፡ ንጸሎት፡ ንቅዳሴን፡ ንንስሓን ኣይነበረን በልዋ”። (ለካስ ወትሩ ይዕዘብዋ ኔሮም እዮም)

ቀጺሎም “እዛ ሓንቲ ጸጸር ጥራይ ንበይና ዝጸንሓትኪ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ ሕይወትኪ ሙሉእ እዛ ዕትሮ ክሳዕ እትመልእ ክትመላለሲ እንከለኺ፡ ሓንሳእ ጥራሕ ኢኺ ካብ ልብኺ ነቢዕክን ጸሊኽን ማለት እዩ። እታ ጸሎት እቲኣ ጥራይ ድማ እያ ተመዝጊባትልኪ ዘላ ማለት እዩ፡ እቲ ካልእ ኩሉ እትመላለስዮ ዝነበርኪ ከም ስራሕ ቆጺርኪ ነታ ዕትሮ ንምምላእ ደኣ እዩ ነይሩ እምበር፡ ከም’ቲ ኣቐድም ኣቢለ ዝበልኩኺ ምስ ኣምላኽ ዝተሓሓዝ ነገር ኣይነበሮን ማለት እዩ። ስለ’ዚ እዛ ጓለይ ኣይተቖጽረልክን” በልዋ።

ስለ’ዚ ካብ’ዚ ንመሃሮ እንተልዩ ክንደይ ኢና ካባና፦

  • ኣብ’ቲ ደጐል ናይ’ቲ ቤተ ክርስቲያን ንኽንርአ ጥራይ ዘወር እንብል፧
  • ክርስቲያን’የ ክንበሃል ጥራይ ክንበሃል እንህቅን፧
  • ንምዃን ዘይኮነ ኣብ ምምሳል ጥራሕ እንሕጸር፧
  • ኣብ’ቲ ቅዱስ ቤት፡ ንጸሎት ዘይኮነ ሰብ ንምሕማይ ስክፍ ዘይንብል፧
  • የቐድስ ይዝምር ኣዩ ንክንበሃል ኣብ’ቲ ደጐል ናይ’ቲ ቤተ ክርስቲያን ዕንይንይ እንዳበልና ጊዜና እነጥፍእ።

ቤተ ክርስቲያን !

  • እቲ ምስ እግዚአብሔር ንጹህ ልቢ እንራኸበሉ።
  • ናይ ሕይወትና ስንቂ እንሰንቀሉ።
  • በረኸቱን ረድኤቱን እንረኽበሉ።
  • ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ንምቕባል ዝተዳለወን ዝተቐደሰን ሰፈር እዩ።

ውሽጥና ካልእ . . . ደጌና ድማ ካልእ ኮይንና ንቤተ ክርስቲያን እንተ ተመላለስና ዋጋ ዘለዎ ኣይከውንን እዩ። ብኣንጻር እቲ እግዚአብሔር ዝደልዮ እንተኮይኑ ጉዕዞና፡ ውጽኢት ናይ’ቲ ጉዕዞ ከምታ ጓል (በዓልቲ ጸጸር) እዩ።

“ክርስቲያን መሲልና ዘይኮነስ፡ ክርስቲያን ኮይንና ክንርከብ ፈጣሪ ይሓግዘና”!

ወስብሓት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!