በዓለ ቁስቋም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!

እንቋዕ ናብ በዓለ ቁስቋም ብሰላም ኣብጽሓና
፮/6 ሕዳር በዓል ቁስቋም

በዓለ ቁስቋም ሓደ ካብ 33 በዓላተ ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ። ‘አመ ፮ ለኅዳር በዓታ ውስተ ደብረ ቁስቋም’ ከምዝብል። (መቅድመ ተአምረ ማርያም) ቅድስት ድንግል ማርያም ነቲ ናይ ሠለስተ ዓመትን መንፈቕን ስደታ ወዲኣ፡ ንመስፍን ሰላም ኣቦ ዘለዓለም ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ኂዛ ናብ እስራኤል ኣብ ዘቕንዓትሉ ጊዜ ደብረ ቁስቋም ኣትያ ብሓጐስ ዘዕረፈት ብሽድሽተ ኅዳር ስለዝኾነ ነዚ ንምዝካር በዓለ ቁስቋም ይበሃል።

እዚ ኸኣ ከምቲ መልኣኽ እግዚአብሔር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዩ “ሄሮድስ ነቲ ሕፃን ክቐትሎ ይደሊ ኣሎ’ሞ ተንሥእ ነቲ ሕፃንን ነደኡን ኂዝካ ናብ ግብጺ ኪድ፡ ክሳዕ ዝነግረካ ከኣ ኣብኡ ጽናሕ” ማቴ. ፪፡፲፫/2፡13 ዝበሎ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ክሳዕ ሄሮድስ ዝመውትን እቲ መልኣኽ ተመለሱ ኢሉ ክሳዕ ዚነግሮምን ኣብ ግብጺ ጸንሑ።

ብድኅር እዚ ጊዜ ምምላስ በጺሑ ኣቐዲሙ “ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ” ሆሴእ 11፡1 ዝብል ትንቢት ስለዝነበረ መልኣኽ እግዚአብሔር ንዮሴፍ ተገሊጹ “እቶም ሕይወት ነዚ ሕፃን እዚ ዝደልዩ ሞይቶም እዮም’ሞ ተንሥእ ነዚ ሕፃንን ነደኡን ኂዝካ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ” በሎ። (ማቴ. ፪፡፳/2፡20) ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ንቃል መልኣኽ ሰሚዓ ካብ ዝነበረትሉ ቦታ ንክትምለስ ገጻ ናብ ሃገራ ኣቕንዐት። ከምቲ ጥበበኛ ሰሎሞን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምምላስ ብሃረርታ ክገልጽ ከሎ ኣብ መጽሓፉ “ሰላማዊት ተመለሲ ተመለሲ ብኣኺ ሰላም ምእንቲ ክንርኢ” መኃ. ፯፡፩/7፡1 ዝበሎ ድማ ወላዲተ ኣምላክ ምስ ፍቁር ወዳ ስደታ ወዲኣ ናብ እስራኤል ኣብ ዘቕንዓትሉ እዋን፡ ኣብ ደብረ ቁስቋም ኣትያ፡ ብሓጐስን ሰላምን ኣዕሪፋ እያ።

ደብረ ቁስቋም ካብ ርእሰ ከተማ ግብጺ ካይሮ ንደቡብ ኣስታት 400 ኪ.ሜ. ርኂቓ እትርከብ ቦታ ኮይና ብዙኅ ተኣምራት ዝተገብረላ ናይ ቃል ኪዳን ገዳም እያ። ደብረ ቁስቋም ብዘይካ ኣብ ጊዜ ምምላስ ድኅሪ ዕርገቱ ውን ጐይታ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ቅዳሴ ቍርባን ከምዝሠርዓላ መጽሓፈ ስንክሳር ይገልጽ። ሎሚ ኣብዛ ብስም ወላዲተ ኣምላኽ ትጽዋዕ ዓባይ ገዳም ብሽድሽተ ኅዳር ዓመታዊ ክብረ በዓል ክበዓል ከሎ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ውን ሕዝበ ክርስቲያን ነዚ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ናብ ደብረ ቁስቋም ዝኣተወትሉ እናዘከሩ “ተመየጢ ተመየጢ ሃሌ ሉያ፤ ሰላመ ሰጣዊት ወንርአይ ብኪ ሰላመ/ ሃሌ ሉያ! ኣንቲ ወሃቢት ሰላም ብኣኺ ሰላም ምእንቲ ኽንረክብሲ ተመለሲ” እናበሉ ብፍቕሪ የብዕልዎ ።

ናብዚ ክቡር ዕለት እዚ ዘብጽሓና ኣምላኽና እግዚኣብሔር ይኽበር ይመስገን