ናብ ዑደተ ሆሳዕናሁ
“ናብ ዑደተ ሆሳዕናሁ ከምዘብጽሓና ናብ ብርሃነ ትንሣኤኡ ድማ ከምኡ የብቅዓና! ” ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ባስልዮስ ቀዳማዊ 6ይ ፓትርያርክ ዘሀገረ ኤርትራ
አቀድም አእኵቶቶ ለእግዚአብሔር ዘአብጽሐነ ዛተ ዕለተ/ ናብዛ ዕለት እዚኣ ንዘብጽሓና እግዚአብሔር ኣቐዲምና ነመስግን።
ከምዝፍለጥ ዑደተ ሆሳዕና ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍጹም ትሕትና ንአዳምን ደቁን ካብ ማእሠርቲ ዲያብሎስ ክፈትሖም እዩ ተገሊጹ እሞ ንኣድጊ ምስ ዕዋላ ካብ ማእሠርቲ ፈቲሑ ተወጢሑ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወ፡ እቶም ሕዝቢ ዓበይቶምን ናኣሽቶምን መግለጺ ሓጐስን መዋዕለ ሰላም ከምዝበጽሐ ንምብሣርን ሆሳዕና ሰቲ ኂዞም ዝተቐበልሉ ንምዝካር ዝኽበር ዓቢይ በዓልና እዩ።
እምበኣርከስ ኣብዚ ዓመት ብኣቦታትና መራሕቲ ሃይማኖትን ሕዝብናን ዝተጾመ ዓቢይ ጾም፡ ካብ ቅበላ ክሳዕ ሆሳዕና ብዝግባእ ስብሐታት በጺሑ ጸሎት ዓሪጉ ቅዳሴ ተሠሪዑ ምስናይ ጥላለት ሰላም ዝሰፈኖ ወርኃት ኣኅሊፍና ኣብዚ በጺሕና ኣሎና። ንጾምናን ጸሎትናን ኣገልግሎትናን ገጹ ኣብሪሁ ኢዱ ዘርጊሑ ክቕበለልና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን።
ከምኡ ድማ ክሳዕ ዕለተ ትንሣኤኡ ንዘሎ ሰሙነ ሕማማት ከምቲ ነቢይ ኢሳይያስ “ውእቱ ነሥአ ደዌነ ወጾረ ሕማመነ፤” ኢሳ. 53፡4 ዝበሎ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንድኅነትና ሥጋና ተዋሒዱ ጥራሕ ዘይኮነስ ንሕና ክንቅበሎ ዝነበረና ጸዋትወ መከራ ተቐቢሉ ክሳብ መስቀል ውዒሉ ሥጋኡ ቈሪሱ ደሙ ኣፍሲሱ ዝተበጀወና ንምዝካር ብጾምን ጸሎትን ስግደትን እናኣስተንተና ከነኅልፎ ኣቦታዊ መልእኽተይ አመኃላልፍ።
ናብ ዑደተ ሆሳዕናሁ ከምዘብጽሓና ናብ ብርሃነ ትንሣኤኡ ድማ የብጽሓና።