ተመስገን

ተምስገን (3x) ጎይታዬ (2x)
ምኽኣል ስኢነ በዚሑ ሓጢያተይ
ብኣኻ ኣምላኸይ ተሸፊኑ ጉደይ

ናብራ መሪሩኒ ፈተና አንተኾነ
ሕይወት ከቢዱኒ ምኽኣል ስኢነ
ኹሉ ግን ጎይታየ ንጽቡቅ ጌርኻዮ
ኣምላኽ ንውእለትካ እንታይ ኢለ ክሰምዮ

ከምታ ናተይ ሓሳብ እንተዘይሰለጠ
ተመስገን እየ ዝብል ውሕሰትካ ፈሊጠ
ፀውኤ ኣይሓፍርን ይኣምን’የ ጎይታይ
ኹሉ ብኣኻ’ዩ ተቀበል ምስጋናይ

ኣብ ሓዘን ኣብ ራህዋ ኣብ ሽግር ኣብ ሓጐስ
ኤልሽዳይ አግዚኣብሄር ዘልኣለም ይወደስ
ምስጢር ውሽጢ ልበይ ንሱ’ዩ ዝፈልጦ
ገበናይ ሸፊኑ ሂወት ዝልውጦ