ድሕሪ ትንሣኤ

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

               ድሕሪ ትንሣኤ ዘላ  ሰሙን
  እግዚኣብሔር ኣምላኽና  ብሰላም ናብ ብርሃነ ትንሣኤኡ ስለዘብጽሓን  ክብርን ምስጋናን ንዕኡ ይኩኖ። ንዝመጽእ ዓመት ከኣ ብሰላም  ከጽንሓና ቅዱስ ፍቃዱ ይኩን።

ከም ፍቅድ እግዚኣብሔር ሎሚ እውን ሕጽር ዝበለ ጽሑፍ ብዛዕባ እዘን ካብ ሰኑይ ክሳዕ ሰንበት ዘለዋ መዓልታት ክነቕርብ ኢና ። ኣምላኽና እግዚኣብሔር ምኽሩን ጥበቡን ይግለጸልና።ኣሜን፡

          ሰኑይ- —ማዕዶት ተባሂላ ትጽዋዕ።

ማዕዶት ማለት ምሕላፍ፡ ምስጋር ማለት እዩ። በዚ ዕለት እዚ ብናይ ክርስቶስ ሞት፡ ስለና ክብል ብዝረኸቦ መከራ መስቀል፡ ዘፍሰሶ ደምን ዝተቖርሰ ሥጋን ካብ ሞት ናብ ሕይወት፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ባርነት ናብ ናጽነት ካብ ሲኦል ናብ ገነት ምስጋርና ይስበኽን ይንገርን።

ሰሉስ—-ቶማስ ተባሂላ ትጽዋዕ።
ሓደ ካብቶም ዓሰርተ ክልተ ሓዋርያት -ቶማስ ሓዋርያ ቅዱሳን ሓዋርያት ንጐይታና ረኺንብናዮ ካብ ምዉታን ተንሢኡ ኣብ ዝበልዎ ጊዜ ዘይምእማኑን፡ ጐይታ ካብ ትንሢኡ ሰሙን ኣብ ዘላ ዕለት ሰንበት ምስ ኩሎም ሓዋርያት ከሎ ብዕጹው ማዕጾ ኣትዩ ምግላጹን ነቲ ዝተፈጸመ ነገር ርእዩ ቶማስ ምእማኑን ዝንገረሉ ዕለት እዩ።(ዮሓ20፡27-29)

ሮቡዕ-—ኣልኣዛር ተባሂላ ትጽዋዕ።
በዚ ዕለት እዚ ትንሣኤን ሕይወትን ዝኾነ ጐይታ ንኣልኣዛር ካብ ሞት ብሥልጣኑ ከም ዘተንሥኦ ዝዝከረሉ መዓልቲ እዩ። (ዮሓ11፡1-44)

          ሓሙስ —–ሓሙስ ኣዳም ትብሃል።

ንኣቦና ኣዳም ዝተዋህቦ ተስፋን ዝተኣተወሉ ቃል ኪዳንን ምፍጻሙ እና ዘከርና እነብዕሎ እዩ።

           ዓርቢ –——ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተባሂላ ትጽዋዕ።

ክርስቶስ ኣምላኽና ንቤተ ክርስቲያን ብሞቱን ብትንሣኤኡን ምምስራቱ፡ ኣብ ክንድኣ ሕይወቱ ኣሕሊፉ ምሃቡን፡ ዕጣርን ርኽሰትን ዘይብላ ንጽህትን ቅድስት ምግባሩ እዩ። ኣብዚ ክፍሊ እዚ ቤተ ክርስቲያን ክበሃል ከሎ ንህንጻ ወይ መንደቕ ኣይኮነን ከመይ ክርስቶስ ንህንጻዊ ቤተ መቕደስ ኣይሞተን ።

         ቀዳም——-ቅዱሳት ኣንስት ።

በዚ ዕለት ቅዱሳት ኣንስቲ ጸልማት ከይበላ ብድኻምን ብጻዕርን ናብ መቓብር ጐይታ ሽቱ ክገብራ ምኻዳንን ቅድሚ ኩሎም ናይ ትንሣኤ ብመላእኽት ምብሳረንን ዝስበኸሉ ዕለት እዩ።(ማቴ28፡1-110)

ሰንበት(እሁድ)—-ዳግማይ ትንሣኤ ተባሂላ ትጽዋዕ።

በዚ ዕለት ክርስቶስ ኣምላኽና ንቅዱሳን ሓዋርያት ንሳልሳይ ጊዜ ምግላጹን ሥልጣን ምሃቡን ዝዝከረሉ ዕለት እዩ።(ሉቃ24፡36,ዮሓ20፡19-23)

                    ስብሐት ለእግዚኣብሔር  ልዑል
                        ወለወላዲቱ ድንግል
                       ወለመስቀሉ ክቡር
                       ኣሜን።

ብሩክ ቅንያት