ባእታ ማርያም

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ አሜን።

፫/3 ሚያዝያ ወርሓዊ በዓል ናይታ ኣማናዊት መቅደስ ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ቤተ መቕደስ ዝኣተወትሉ ዕለት ( ባእታ ማርያም) እዩ።
ናብዚ ክቡር ዕለት እዚ ዘብጽሓና ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ዝኽበር ዝተመስገነን ይኹን።

ቅድስት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ማኅፀን ኣዴኣ ዕለት ፯/7 ነሓሴ ተጸንሰት። ነቶም ጸልሚቱና ዝነበረ ደቂ ሰባት ወጋሕታና ከምዝቐረበ ብኣኣ ተፈልጠ። ናይ ኵሎም ኣቦታት ትንቢት ፍጻሜ ከምዝቐረበ ጽንሰት ኣዴና፡ ዋዜማ ድኅነትና ዘመልክት እዩ ነይሩ። ልዑለ ቃል ኢሳይያስ ስለቲ ድኅነትና “ምልክት ክህበኩም” ኢሉ ዝነገረና ድንግል ተጸንሰት። ገና ኣብ ማኅፀን ኣዴኣ ከላ ተአምራት ትፍጽም ዝነበረት ኣዴና፡ ነቶም ብክፍኣት ዲያብሎስ ዝተወግኡ ኣይሁድ ከተቕስኖም ኣይከኣለትን። ነታ ትንቢት ዝተነግረላ ንጽሕቲ ዘርኢ ለኪሙ ከጥፍእ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ዝፈታተን ዝነበረ ዲያብሎስ፡ ኣብ ልቢ እቶም ቀናእቲ ኣይሁድ እናሓደረ ክፍኣት ይኣልም ነበረ። ከምቲ ኣቦኣ ሰሎሞን “ንዒ እምሊባኖስ” ኢሉ ዝተነበየላ ከኣ ኣብ ኣኽራናት ሊባኖስ ባሕቲ ግንቦት ተወልደት። ልቦናኣ ዘመደ ዓለም ከይፈተወ፡ ኣፋውን እኽሊ ዓለም ከይለመደ፡ ኣብ ሣልሳይ ዓመታ ስድራኣ መብጽዕኦም ኣኽቢሮም ናብ ቤተ መቅደስ ወሰድዋ። ሊቀ ካህናት ድማ ብምሉእ ልቡ ቀሲኑ ከይቅበላ ግና ነዛ ንእሽቶ ቆልዓ መን ደኣ ክምግባ እዩ ኢሉ ከም ሰብ ሓሰበ። ብእግዚአብሔር ዝተላእኸ መልኣኽ ግና ተገሊጹ፡ መኅደሪ ኣምላኽ ክትከውን፡ ቅድሚ ምሥራት ዓለም ኣብ ኅሊና ኣምላኽ ዝነበረት እያ እሞ፡ ንዓኣ ኣብ ቤተ መቅደስ ምንባር ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ብዘረጋገጸ ግብሪ ተኣምራቱ ኣርኣዮ። ቅዱስ ፋኑኤል በቲ ሓደ ኽንፉ ጋሪዱን ከሊሉን፡ በቲ ካልእ ኽንፉ ድማ ሕብስትን ጽዋዕን ሰማያዊ ሒዙ ብምምጋብን ብምስታይን፡ ናታ ኣብ ቤተ መቕደስ ምጽናሕ መደብ ኣምላኽ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ሥላሴ ከም ኣቦ ከም ኣደ፡ ቅዱሳን መላእኽቲ ከም ሓው ሓፍቲ ኮይኖማ ኣብ ቤተ መቅደሱ ዝዓበየት እያ። ብኣምላኻዊ ድንቂ ግብሪ ሰማያዊ ሕብስቲ ብኢድ መልአኽ እናተመገበት ወርቅ ወሜላት እናሰማመዐት ክትፈትልን ንቤተ መቅደስ እግዚአብሔር እናገልገለት፡ ኣብ ቤተ መቅደሱ ብቅድስና ዝዓበየት ማኅደር እግዚአብሔር ታቦት እግዚአብሔር እያ።
ቅዱስ አባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴኡ “ኦ ድንግል አኮ በተላህዮ ዘልሒቅ ከመ አዋልደ ዕብራውያን እለ ያገዝፋ ክሳዶን አላ በቅድስና ወበንጽሕ ውስተ ቤተ መቅደስ ነበርኪ” (ኦ ድንግል ክሳደ ልቦናአን ከም ዘግዘፋ ኣዋልደ ዕብራውያን ብዋዛን ጸዋታን ዝዓበኺ ኣይኮንክን። ብቅድስናን ንጽሕናን ኣብ ቤት መቕደስ ነበርኪ እምበር) ብምባል ዝገለጾ ንሳ ብቅድስና ኣብቲ ቅዱስ ነገር ዝፍጸመሉ ቅዱስ ስፍራ እናነበረት ዝዓበየት ቅድስቲ ምዃና መስኪሩ እዩ። (ቅዳሴ ማርያም)

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ’ውን ምግቢ ምድራዊ መስተ ምድራዊ ዘይኮነሲ ሰማያዊ መግብን መስተን ተመጊባ ሰትያን ከምዝዓበየት ይገልጽ። “ኦ ድንግል አኮ ኅብስተ ምድራዌ ዘተሴሰየኪ። አላ ኅብስተ ሰማያዌ እምሰማየ ሰማያት ዘበሰለ። ኦ ድንግል አኮ ስቴ ምድራዌ ዘሰተይኪ። አላ ስቴ ሰማያዌ እምሰማየ ሰማያት ዘተቀድሐ።” ብምባል ድማ ይገልጾ። (ቅዳሴ ማርያም)

በረከትን ጸጋን ኣማላድነትን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ወትሩ ምስኩላትና ሕዝበ ክርስቲያን ደቃ ይኩን ኣሜን!!!!

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን።

ማርያሞ ደብሲና