መስቀል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።
10/፲ መጋቢት መስቀል ዝተረኽበሉ ዕለት
ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል ኣብ ዝተፈላለዩ ግዜያትን ብዝተፈለለዩ ሰባትን ድሕሪ ምቕባሩ ብመጋቢት 10 ተዃዒቱ ወጸ። መጀመርያ ብንግስቲ ኢለኒ ኣብ ኢየሩሳሌም ካልኣይ ግዜ ድማ ብንጉስ ሕርቃል ኣብ ፋርስ ወጸ። “ወበዛቲ ዕለት እምበለ ይዕዱ ጌሰመ መስቀል ተርክበ እምዞተ ሃብዐ ወገብረ ሰላም በኢየሩሳሌም ቅድመ ወበፋርስ ዳግመ” ኣብ ኢየሩሳሌም ብንግስቲ እለኒ ከም ዝተፋሕረ እንፈልጦ ሓቂ እዩ እዚ ናይ ፋርስ ንግብጺ ወሪዶም ዘሚቶም እናተመልሱ ከለዉ ሓደ ካብኦም ኢየሩሳሌም ከይደ ኣይሁድ ማሪኸ ክመጽእ ብምባል ናብ ኢየሩሳሌም ወረደ። ንግስቲ ኢለኒ ዘስርሓቶ ቤት መቕደስ ምስ ኣተወ መስቀል ከም ጽሓይ ከብርህ ከሎ ርኣየ። እንተሓዞ ድማ ኣቃጸሎ፡ ንኽልተ ድያቆናት ኣሰኪሙ ካልእ ንዋያተ ቤተ ክርስቲያን ዘሪፉ ናብ ሃገሩ ከደ። ንጉስ ናይ ሮም ሕርቃል ነዚ ምስ ሰምዐ ኣዝዩ ሓዘነ። ነዚ ንምምላስ ድማ ሱባኤ ኣተወ ሓደ ሱባኤ ምስ ወድኤ ፍቓድ እግዚኣብሔር ከም ዝኾነ ተረዲኡ ኣዋጅ ኣዊጁ ወፈረ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ተዓወተ። መስቀል ኣበይ ከም ዘሎ ጠፊእዎ ነቶም ክልተ ዲያቆናት ክቐትሎም እናደለየ ከሎ ካብ ኢየሩሳሌም ተማሪኻ ዝመጸት ብመስኮት ኮይና ትዕዘብ ነበረት፡ እሞ ኣበይ ከም ዘሎ ብምሕባር ካብቲ ዝነበሮ ኣውጺኡ ብልብሰ መንግስቱ ጠቕሊሉ ናብ ቁስጥንጥንያ ብ614 ዓ.ም ወሰዶ።
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ክብሪ መስቀል ብሰፊሑ ገሊጽዎ ኣሎ። ገለ ካብቲ ብዙሕ ብውሑዱ። መጀመርያ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንምድሪ ከም ቅርጺ እንቛቕሖ; ንደቂ ሰባት በእዳዎም፥ ንመላእኽትን ንኣዕዋፍ ሰማይን በኽናፎም፥ ንዓሳታት ባሕሪ፥ ቅርጺ መስቀል ከም ዘለዎም ገይሩ ምፍጣሩ ብሃሰሰ ለባም ዝተገብረ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ኣምላኽ ኣጋጣሚ ወይ ድማ ሃንደበታዊ ነገር ዝበሃል የሎን። ኲሉ ብሥርዓትን ብመደብን ዝተገብረን ዝተፈጥረን እዩ። ከምቲ ቅዱስ ዳዊት “ካብ ፍላጻ ጸላኢ ምእንቲ ኺድኅኑ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሃብካዮም።” መዝ ፷፡፬/60፡4 ዝበሎ ንዂሉ ክርስቲያን ኣርማ ዝኾነና ቅዱስ መስቀል ኣብ ትሕቲ ባሕሪ፡ ኣብ የብስ/ንቑጽ መሬት፡ ኣብ ሰማያትን፡ ሰማየ ሰማያትን፡ ኣብ ኲሉ ከም ዝረኣ ምግባሩ፡ ብዝፈጠሮም ፍጥረታቱን ኣፈጣጥራኦምን ክንርዳእ ንኽእል ኢና።
ብሓቂ ከምቲ ኣቦና ሙሴ ኢዱ ብምዝርጋሕ ቅርጺ መስቀል ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን እስራኤላውያን ይዕወቱ፥ ደኺምዎ ኢዱ ምስ ኣውረደ ማለት ቅርጺ መስቀል በእዳዉ ምስራሕ ምስ ረብረበ ድማ ይሰዓሩ ከም ዝነበሩ፡ መስቀል ንዓና ጸላእትና እንስዕረሉን እነባርረሉን ኃይልና፡ መመክሒና፡ መጸናንዒና፡ ቤዛና/በጃና፡ እንባረኸሉ፡ ሰላም ዝረኸብናሉ ምዃኑ ዘረድእ እዩ። ነዚውን ቅዱሳን ሓዋርያትን ኣበውን ብዛዕባ ክብሪ ጸጋን ናይ ክቡር መስቀል ብቓልን ብተግባርን ኣርእዮምና እዮም።
መስቀል፥
መባረኺ እዩ፦ ኣቦና ያዕቆብ ንደቂ ደቁ ኢዱ ኣመሳቒሉ ምብራኹ መስቀል መባረኺ ከም ዝኸውን ዘረድእ እዩ። ዘፍ ፵፰/48
መመክሒ እዩ፦ “ኣነ ግና፥ በቲ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል እንተ ዘይኮይኑ ኣይምካሕን እየ። በዚ ምመስቀል እዚ ዓለም ኣብ ቅድመይ ምውቲ እያ፥ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ዓለም ምውት እየ።” ገላ ፮፡፲፬/6፡14።
ኃይሊ እዩ፦ “ከመይ ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ነቶም እንድኅን ግና ኃይሊ ኣምላኽ እዩ።” ፩/1 ቆሮ ፩፡፲፰/1፡18።
ጽልኢ ዝተደምሰሰሉ እዩ፦ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብሙማት ነቲ ጽልኢ ደምሰሶ፥ ንኽልቲኦም ሓደ ብምግባር ከኣ ብመስቀሉ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም። ኤፌ ፪፡፲፮/2፡16።
ሰላምና እዩ፦ ኣምላኽ በቲ ወዱ ኣብ መስቀል ዘፍሰሶ ደም ገይሩ ሰላም ገበረ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ዂሉ ኸኣ ምስ ገዛእ ርእሱ ዓረቖ። ቆላ ፩፡፳/1፡20።
ኣርማና እዩ፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡- እንሆ፥ ብኢደይ ነቶም ኣሕዛብ ከመልክተሎም፥ ሰንደቕ ዕላማይ ከኣ ኸልዕለሎም እየ፥ ንሳቶም ድማ ነወዳትኪ ሓቚፎም፥ ነዋልድኪውን ሓንጊሮም ኬምጽኡልኪ፡ እዮም፡ ኢሳ ፵፱፡፳፪/49፡22።
ኣርማና እዩ፦ “ካብ ፍላጻ ጸላኢ ምእንቲ ኺድኅኑ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሃብካዮም።”
ነዚ ብዛዕባ ክብሪ ናይ ቅዱስ መስቀል ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃላት ዕሽሽ ብምባል፡ ከም ኣይሁድ ክብሪ ናይ ቅዱስ መስቀል ተቐቢሩ ክጠፍእ ንመስቀል ዘቃልሉን ከም ተራ ነገር ዝርእዩን ዘናሽውን ጸላእቲ መስቀል ኣለዉ። ብዛዕባኦም ቅዱስ ጳውሎስ፥
“ከመይ ከምቲ ብዛዕባኦም ብዙኅ ጊዜ ዝነገርኩኹም፥ ሕጂ ኸኣ እናነባዕኩ ዝነግረኩም ዘሎኹ፥ ብዙኃት ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ። መወዳእታኦም ጥፍኣት እዩ፡ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፡ ክብረቶምውን ኣብ ነውሮም እዩ፡ ሓሳቦም ከኣ ናይ ምድሪ እዩ። ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ።” ፊል ፫፡፲፰-፲፱/3፡18-19።
ንሕና ግና ብዛዕባ ቅዱስ መስቀል ነጸላና ብምምስቓል፡ ብምምዕታብ፡ የእዳውና ብምምስቓል፡ ኣብ ማዕተብና ብምንጥልጣል፡ መስቀል ካህን ብምስላም፡ ብኲለንትናና ከምቲ ቅርጺ መስቀል ገይሩ ዝፈጠረና፡ ብዛዕባ ክብሪ መስቀል ምግላጽ ስቕ ኣይንብልን ኢና።
ዕለተ በዓላቱ ዘኪርና፡ ዳሜራ ብምኹላዕ(ኣብ መስከረም ፲፯)፡ ብመዝሙርን፡ ማህሌትን፡ ብቅኔን፡ ብስብከትን፡ ከምቲ ሓዋርያት ብዛዕባ ክርስቶስ ክሰብኩ ከለዉ “…ዝተሰቕለ ክርስቶስ…” እናበሉ፡ ተሰቕለ ብዝብል ቃል ንቅዱስ መስቀል ከም ዝዝከር እናገበሩ ይሰብኩ ከም ዝነበሩ፡ ንመስቀል ንዝክሮን ነኽብሮን ኣሎና’ሞ። በረኸትን ጸጋን ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ መስቀል ኣይፈለየና ኣሜን።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፣
ወለወላዲቱ ድንግል፣
ወለመስቀሉ ክቡር።