ቡሩክ ዘይመጽእ በስመ እግዚአብሔር

ሞንባብ ፍልጠት ይዉስክ እዩሞ ደቂ ማርያመይ ነን ብብ ኩሉ ንሰዶ ሃደራ
ንበረከት እዬ

እንቋዕ ናብዚ ክቡር በዓለ ሆሣዕና ኣብጽሓና!!!

“ቡሩክ ዘይመጽእ በስመ እግዚአብሔር”

“ቡሩክ ዘይመጽእ በስመ እግዚአብሔር ሆሣዕና በአርያም” ፡ ብስም እግዚኣብሔር ማለት እግዚኣብሔር ኣነ ኢሉ እግዚኣብሔር ብዘውፅኦ ስም እግዚኣብሔር ፡ መስኪረሉ ዝመጽአ; ንሱ መርገመ ሥጋ መርገመ ነፍስ ዘርሕቕ፡ በረከተ ሥጋ በረከተ ነፍሲ ዝዕድል እዩ እሞ ‘’መድኃኒት ኣብ ኣርያም’’ እናበልና ኸነመስግኖ ዝተገብረልና ውዕለት ክንዝክሮ ኸም ዘሎና እንመሃረሉ ዕለት እዩ። እዚ ድማ ሊቅ ክናገር ከሎ ንመለኮት ምስ ኦሪት፡ ንሥጋ ምስ ወንጌል የነጻጽሮ፡ መለኮት ንበይኑ ድኅነት ነፍሲ ዘምጽእ እንተ ዝኸውን፡ ኣብ ኦሪት (ብሉይ) ምድኃን ምተኻእለ ነይሩ። ንኦሪት ክሠርዓ እንከሎ ሥጋ ኣይለበሰን ነይሩ፡ ንወንጌል ክሠርዓ እንከሎ ግና ሥጋ ሰብ ለቢሱ ሰብ ኮነ። “ነሥአ እምኔሃ አፈ ወምራቀ፡” ንሱ ድማ ኣዕይንቲ ዕዉራን ከብርህ ፡ ኣጋንንቲ ኸውፅእን እዩ። ከመይ ንመለኮት ካብ ድንግል ማርያም ሥጋ ምስ ወሰደ ኣፍ፡ ምራቕ፡ ኢድ፡ እግሪ ገይሩ ተወልደ፡ ኢዱን እግሩን ንሽንካር፡ ብፍቓዱ ኣኅሊፉ ሃበ። ከም’ቲ ቅዱስ ቄርሎስ ኣብ መጽሓፉ ዝበሎ “እንቲአሁ ለቃል ኮነ ለሥጋ፡ ወእንቲአሁ ለሥጋ ኮነ ለቃል” ምዕጒርቱ ኂዙ መጽአ፡ ምእንታና ምራቕ ጡፍ ተባህለሉ፡ ገጹ ብጽፍዒት ተሃርመ፡ መንኮቡ መስቀል ተሰከመሉ፡ ኣፍ ልቡ ነቲ ዝጠፍአ በጊዕ (ኣዳም) ረኺቡ ሓቘፈሉ፡ ዝባኑ (ሕቖኡ) ንሓለንጊ ኣይሁድ ተቐበለሉ፤ ብኣፉ ሓሞትን መጺጽን አስተዩሉ፤ “ኦ አቦይ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም፡ እሞ ይቕረ
በለሎም” በለሉ፤ ብደጋዊ ሰብነቱ መሪር ነገር ተቐበለሉ፡ ካብ ውሽጡ ድማ ምቁርን ጥዑምን ነገር ወፅአ። እዚ ዅሉ መለኮት ምስ ሥጋ ብምውሓድ እዩ።
እምበአርከስ እዞም ክልተ ነናቶም ባህርያት ማለት መለኮት ኣምላኽ እዩ፡ ኣይጽልን፡ ኣይደክምን፡ ኣይጠምን፡ ኣይመውትን፡ ኣይግነዝን፡ ኣይቅበርን። እዚ ዅሉ ንመለኮት ዘይሰማምዖ ክንሱ ብመንጽሩ ድማ ሥጋ ውሱን፡ ጠማዪ፡ ጸማኢ፡ ደኻሚ፡ ይግረፍ፡ ይስቀል፡ ይሓምም፡ ይመውት ፡ ይግነዝ ይቕበር። እዚ ዅሉ ኸኣ ባህርይ ሥጋን መለኮትን ተወሓሒዶም እዮም። እዚ ማለት ድማ ቅዱስ ቄርሎስ ክገልጽ ከሎ “እንቲአሁ ለቃል ኮነ ለሥጋ ወእንቲአሁ ለሥጋ ኮነ ለቃል” እቲ ሃብቲ ቃል (መለኮት) ንሥጋ፡ ሃብቲ ትስብእት (ሥጋ) ድማ ንመለኮት ኮነ ፡ ረቂቅነት ሃብቲ መለኮት ክኸውን ከሎ ብተዋሕዶ ንሥጋ ኾነ። እቲ ግዝፉነት ሃብቲ ሥጋ ድማ ብተዋሕዶ ንመለኮት ኮነ፡ በቲ ገዚፍ ሥጋ እቲ ረቂቕ መለኮት ገዘፈ። በቲ ረቒቕ መለኮት ከኣ እቲ ገዚፍ ሥጋ ረቐቐ ። ሃይ.አበ.ቄር.79፥50
ነዚ ዅሉ ብምሳሌ ሕሙምን ሓኪምን ክንርእዮ እንከሎና።
ከምቲ “ድዉያን ይፈቅድዎ ለዐቃቤ ሥራይ” ማቴ ፱፡፲፪ ዝበሎ፤ ካብ ምድራዊ ሓኪም ፍልይ ዝበለ ሓኪም ረኺብና፡ ኣብዚ ዓለም ንኽንሕከም ንሕና ኢና ናብ ሕክምና እንኸይድ፡ እዚ ግና ንሕና ኼድና ኽንሕከም ዝግብኣና ክንስና እግዚአብሔር ካብ ምሉእነት ናብ ውሱንነት፡ ካብ ሰማያውነት ናብ ምድራውነት፡ ካብ ኣሳዳድነት ናብ ተሰዳድነት፡ ካብ ገራፍነት ናብ ተገራፍነት፡ ምምጻእ ገዛእ ርእሱ ዓቢይ ተኣምር እዩ። ማለት ከምቲ አረጋዊ መንፈሳዊ ኣብ ድርሳኑ 34 “ወረደ ኀቤከ ከመ ያዕርገ ኀቤሁ፡ ወተወልደ በአምሳሊከ ከመ ይለድከ በአምሳሊሁ፤” ምእንቲ ንሱ ናብ ሰማይ ኂዙካ ክዓርግ ንሱ ናባኻ ወረደ፡ ንሱ ገዚፉ ንኣኻ ኣርቀቐካ፡ ንሱ ጠምዩ ንኣኻ ኣጽገበካ፡ ንሱ ሞይቱ ንኣኻ ኣተንሥኣካ፡ እዚ ኸኣ እቲ ሕሙም ናብ ሓኪም ክኸይድ ስለ ዘይከኣለ፡ እቲ ሓኪም(ክርስቶስ) ባዕሉ ናብቲ ሕሙም መጽአ፤ “ናብቶም ናቱ መጽአ፡ ንሳቶም ግና ኣይተቐበልዎን ነቶም ዝተቐበልዎን ብስሙ ዝኣመኑን ግና ውሉድ እግዚአብሔር ክኾኑ ሥልጣን ሃቦም” ዮሐ.፩፡፲፩-፲፪ / 1፡11፡12 ከም ዝብለና ንሕና ድማ በዓልና ኣብዚ ዕለት’ዚ ኻብ ድቃስና ተንሢእና ደቅና ኂዝና ናብ ቤተ ክርስቲያን ብምኻድ ከምቲ ንሱ ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ቤት መቅደስ ሠለስተ ጊዜ ዝዞረ፡ ማቴ. ፳፩፥፵፭ / 21፡45 “ሆሣዕና” እናበልና ምልክት ናይ ሓጐስን ብሥራትን ዝኮነ ስየ ኂዝና ንፈጣሪና ኸነመስግን ይግብኣና።

ብዛዕባ ጐይታ ኣብ ኣድጊ ምውጣሑ ምሥጢሩ እንታይ ኢዩ ፧
“ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ተኣሲራ ክትረኽቡ ኢኹም እሞ ፈቲሕኩም ኣምጽኡለይ” ማቴ.፳፩፥፪ / 21፡2 እዛ ምስ ጻዕባ (ጓላ) ዝተኣስረት ኣድጊ እትፍትሓሉ ጊዜ በጽሐ፡ 5500 ዘመን ምስ ተፈጸመ ወልደ አብ በመለኮቱ፥ ወልደ ማርያም በትስብእቱ ንኣዳም ምስ ትውልዱ ኻብ መከራ ሥጋን ነፍስን ነጻ ከውፅኦ ወሪዱ ኣብ ዕለተ ሆሣዕና ንኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ልኢኹ “ናብ ቅድሜኹም ዘሎ ዓዲ ኼድኩም እስርቲ ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ኽትረኽቡ ኢኹም፤ ፈቲሕኩም ኣምጽኡለይ” በሎም፡ “ንምንታይ፧ እንተ በሉኹም ጐይትአን ይደልየን ኣሎ በልዎም” በሎም።
ለኣኺ ጐይታና ኢየሱስ ፤ ተለኣኽቲ ሐዋርያት ፤ ሓታቲ ከኣ ንኣዳም ኣሲሩ ኂዝዎ ዝነበረ ዲያብሎስ እዩ።
ጐይታአን ዝተባህለ ፈጣሪ ፍጥረታት እግዚአብሔር፡ ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ዝተባህለ ከኣ ኣዳም ምስ ደቁ፡ ማእሰርቲ ምሳሌ ጥንተ አብሶን መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን እዩ፤ እዚ ድማ ኣሳሪ ዝተባህለ ዲያብሎስ ሰሪቑ ኣታሊሉ ወሲድወን ስለ ዝነበረ እዩ።
ኣብ ዕለት ሆሣዕና ነታ ብዙኅ ምሥጢር ዝነበራ ምስ ዒሉኣ ዚተኣስረት ኣድጊ ፈቲሖም ወሰድሉ፡ ኣብ ክንዲ ኮረሻ ኽዳኖም ደሪቦም ኣብ ልዕሊአን ከም ዝውጣሕ ገበርዎ። “አሽምባይ ንስኻ፡ ዝተወጣሕካየን ኣእዱግ እኳ መሬት ከይረግጻ” ብምባል ክዳውንቶም ብምንፃፍ፡ ሰቲ ስየ እናነስነሱ ሕፃናትን ዓበይትን ዓው ብዝበለ ድምጺ “ሆሣዕና በአርያም ሆሣዕና በአርያም” እናበሉ ምስጋና ኣቕረቡ። ካብ ኢየሩሳሌም ክሳብ ቤተ መቅደስ 16 (ዓሠርተው ሽዱሽተ) ምዕራፍ እዩ። 14 ምዕራፍ ብእግሩ ኸይዱ እቲ ኽልተ ምዕራፍ ብኣድጊ ኸይድዎ። ኣብ ዝባን እታ ዒሉ ኾይኑ ድማ ሠለስተ ጊዜ ቤተ መቕደስ ዘይሩ እዩ ።
“ምሥጢሩ እንታይ እዩ፧” እንተተባህለ፡ “ኣብ ኣድጊ ምውጣሑ ዓመተ ኵነኔ ዓመተ ፍዳ ኃሊፉ፡ ዘመነ ሰላምን ራህዋን ኮይኑ ንማለት እዩ፡ ሠለስተ ጊዜ ኣብ ዝባን ዒሉ ኾይኑ ምዛሩ ናይ ሠለስትነት ፡ ክዳኖም ምጉዝጓዞም ኮረሻ ይዅርኩሕ እዩ፡ ክዳን ግና ኣይኵርኩሕን እዩ እዚ ድማ ዘይትዅርኩሕ ሕጊ ወንጌል ሠሪዐልኩም ኣሎኹ” ንምባል እዩ፡ ከምኡ ድማ ኽዳን ኣበሳ ርስሓት ይሽፍን እዩ፡ ንስኻ እውን “ከባቴ ኣበሳ ኢኻ” ንኽብሉ ኣንበሩሉ፡፡
14 ምዕራፍ ብእግሩ ምኻዱ ፡ 10 ምዕራፋት ምሳሌ ዓሠርተ ትእዛዛት እዩ፡ እተን 4 ምዕራፋት ድማ ምሳሌ ናይ ኣርባዕተ ኪዳናት ማለት ኪዳነ ኖኅ ፡ ክህነተ መልኬጼዴቅ ፡ ግዝረተ አብርሃም፡ ጥምቀተ ዮሐንስ እየን።

ነታ ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ፈቲሖም ዘምጽኡ ሐዋርያት እዮም እዚ ድማ ሥልጣነ ክህነት ንቅዱሳን ካህናት ሂቡ ብኻህናት ካብ ኃጢኣትና ብማየ ንስሓ ተሓፂብና ናብ መንግሥተ ሰማያት ከም እንኣቱ ገይሩና እዩ። ስለዚ “ዓስቢ ኃጢኣት ሞት እዩ።” ከም ዝበለ ያዕ.፩፥፲፭ / 1፡15 ንዝተኣስረ ዲያብሎስ ባዕልና ፈቲና እንተ ኣፍቂድናሉ፡ ኣብ ልዕሌና ግዝኣቱ ክምሥርትን ብመቚሑ ክኣስረናን እዩ፡ ስለዚ ንሕና ብደም ክርስቶስ ከም ዝተዓደግና ፈሊጥና በታ ጸባብ መንገዲ እንተ ተመላሊስና ግና ናይታ ዘይትኃልፍ ዘለዓለማዊት ርስቲ መንግሥተ ሰማያት ወረስቲ ኢና።
ኣብ ሰሙነ ሕማማት ምስላም መስቀልን ብኢድ ሰላምታን ከም ዘይግባእ።
ሰሙነ ሕማማት ኣምሳል ናይ 5500 ዓመታት ኵነኔ ዘዘኻኽራ ምዃነን መስቀል ምስላም የልቦን፤ ምኽንያቱ መስቀል ቅድሚ ጐይታ ኢየሱስ ኣብ መስቀል ምስቃሉ፡ ርጉም ሰብ ዝስቀለሉ ብምንባሩ እዩ፣ ዘዳ.፳፩፥፳፫ / 21፥23 ድኅሪ ስቕለት ጐይታ ግና መስቀል ኃይልናን ፡ ጽንዓትናን፡ ዋልታናን፡ መመክሒናን፡ ኮይኑ እዩ። ገላ.፮፥፲፬ /6፥14 ንሰላምታ ብኢድ ከኣ ይሁዳ ንጐይታ ብምስዓም ስለ ዘትኃዞ “ምስ ይሁዳ ኅብረት የብልናን” ንኽንብል ኣብ ሓድሕድና ምስዕዓም የልቦን። እንታይ ደኣ ብርሑቕ ርእስና ብምድናን ሰላምታ ክንለዋወጥ ይግባእ። ሉቃ.፳፪፥፵፰ /22፥48። (መቅድመ ግብረ ሕማማት።)
መልእኽቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን።
ስለዚ ናብ ዑደተ ሆሣዕና እንቋዕ ብሰላም ኣብጽሓና እናበልና፡ ኵሉ ውዕለታት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣስተንቲናን ኣስተውዒልናን ከምቲ ነቢይ ኢሳይያስ “ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፤ ንሥቓይና ኸኣ ኣብ ሰብነቱ ጸዓኖ፡” ኢሳ.፶፫፥ ፬ / 53፡4 ዝበሎ ኣብ ጊዜ ሕማማት ንነፍሲ ወከፍ ምእንታና ዝወደቖን ዝተንሥኦን እናዘከርና ብስግደትን ጾምን ጸሎትን ምንባብ ቅዱሳት መጻሕፍትን ከነኅልፎ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኃደራ ትብለና። ነዚ ሓደራ ቅድስት ቤተ ክርስቲያና ኣብ ግብሪ ኣውዒልና ሥርየት ኃጢአት ክንረክብ ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት ናይ ኩሎም ቅዱሳን በረኸትን ረድኤትን ኣይፈለየና።
ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር !!!