ኣብሰሙነሕማማትዝግበሩንዘይግበሩን_ነገራት

👉 ኣብ ሰሙነ ሕማማት ቅዳሴ ኣይቅደስን እዩ ብዘይካ ሓሙስ ጽግቦ ስርዓተ ቅዳሴ ኣይፍጸምን እዩ።

👉ኣብ ሰሙነ ሕማማት ስርዓተ ጥምቀት ኮነ ስርዓተ ተክሊልን ካሊእ ምስጥራት ኣይፍጸምን እዩ።

👉ኣብ ሰሙነ ሕማማት ንዝሞተ ሰብ ፍትሓት ኣይግበረሉን እዩ። መዓስ ድኣ ይፍታሕ እንተ ኢልና ሰንበት ሆስኣና ቅድሚ ሕማማት ምእታዉ ናይ ኩሉ ስርዓተ ፍትሓት ይፍጸም፡ ንስሓ ወሲዱ ቆነና ዝተዋህበ ሰብ እንተ ሃሊዩ ውን በዚ ዕለት ፍትሓት ንኩሉ ይግበር ስለዚ ሰንበት ሆስኣና ከም ምካኑ መጠን ፍትሓት ውን ስለ ዝግበረልና ኩልና ቤተ ክርስቲያን ክንከይድ ይግባእ።
👉ኣብሰሙነ ሕማማት ንስሓ ኮነ ናይ ንስሓ ቆነና ኣይፍጸምን እዩ።

👉ኣብ ሰሙነ ሕማማት ካህናት መስቀል ኣይሕዙን ብኢዶም ኮነ ብመስቀል ዉን ኣየሳልሙን እዮም።

👉ኣብ ሰሙነ ሕማማት ክንጽልዮ ዝግበኣና ጸሎት ” መዝሙር ዳዊት 150 ምስ መሓሊየ መሓሊየ ዘሰለሞን ናይ ሰንበት ፡ ውዳሴ ማርያም ምስ ኣንቀጸ ብርሃን ይወድስዋን ናይ ሰሙን ምሉእ ኣቅሚ ተሃሊና ከነብጽሕ ይግባእ፡ኣብ ቤተ ክርስትያን ተኮይና ድማ ምስ ኣቦታት መዝሙር ዳዊትን ውዳሰ ማርያም ክዕድሉ ከለዉ ክንዕደል ክንሕግዞም ንክእል ኢና። ተወሳኪ ስለ ናይ ሕማማት ዝገልጽ መጽሓፍቲ ግብረ ሕማማት፡ ድርሳነ ማሕያዊ ብዓቢኡ ድማ ወንጌል ኣብ ሰሙነ ሕማማት ኣብ ቤተ ክርስትያን ይንበቡ። ዘይነብጽሖም ድርሳናት ፡ገድላት ፡ስንክሳር ድና ኣይበጽሑን እዮም ኣብዛ ቅድስቲ ሰሙን ስለ ናይ ክርስቶስ መከራ ሕማሙን ጥራሕ እዩ።

👉 ኣብ ሰሙነ ሕማማት 21 በዓለ ማርያም፡ 12 በዓለ ሚካኤል፡ 29 በኣለ ወልድ (እዝግሔር) ዋላ እንተኮነ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ይስገድ እዩ ።

👉ኣብ ሰሙነ ሕማማት ደረቱ ዝሓለፈ ስሓቅን ጸወታታትን ኣይግባእን፡ ኣቡኡ ወይ ኣዲኡ ሞይቶሞ ኣብ ሰሓቅን ጸወታን ዝርከብ መን እዩ፡ እዚ ሕማማት ድማ ምእንታና ክብል ዝሓመመን ዝተሳቀየን ዝተሰቅለን ጎይታ እንዳ ዘከርና ከነስተንትን ምእንታና ዝረከቦ ስቅያት እንዳ ዘከርና ምእንታና ዝተገብረልና ዝተፈጸመልና ውዕለት ናይ ጎይታ ብምስትንታን ክንዝከሮ ይግባእ።

👉 ኣብ ሰሙነ ሕማማት ጾም ክሳብ ጸሓይ ትክወል ይብል ወይ ክሳብ ቤተ ክርስትያን ዝወደኣቶ ንጸውም ፡ዝከኣለ ድማ እክፍሎት (ጥልቀት) ክገብር ይክእል ኣክፍሎት ወይ ጥልቀት ማለት ድማ ሶኒ መግቢ ከይቀመሱ ሰሉስ ይምገቡ፡ ሰሉስ ዝበልዑ ክሳብ ሓሙስ ይጸንሑ፡ ሓሙስ ይምገቡ፡ ሓሙስ ተመጊቦም ድማ ክሳብ ቀዳም ይጸንሑ ቀዳም ናብ ሰንበት ዘውግሕ ትንሳኤ ድማ ይበልዑ ፡ ነዚ ኣክፍሎት ወይ ጥልቀት ዝጀመርዎ ቅድስት ድንግል ማርያምን፡ ቅዱስ ሓዋርያ ዮሓንስን ቅዱስ ሓዋርያ ያዕቆብን ኢዮም። ጎይታ ካን ሞት ክሳብ ዝትንስእ እክሊ ኣይንጥዕምን ብምባል ዝጾምዎ እዩ። እዚ ግን ንዝኽእሉ ጥራሕ እዩ ዓቅምና ሪኢና ።

👉 ኣብ ግዜ ጾም ከምኡ ውን ኣብ ሰሙነ ሕማማት ሰብ ሓዳር ወይ መጻምድቲ ብምርድዳእ ናይ ክልቲኦም ካብ ስጋዊ ርክብ ክክልከሉ ይግባእ።
👉 ኣብ ሰሙነ ሕማማት ብዙሕ ጸሎትን ብዙሕ ስግዳንን እንዳ ገበርና ፍቃድ ናይ ስጋና ነድክመሉ ካብ ኣምላክና ምሕረት ንረክበሉ ካብ ደዊየ ስጋ ደዊየ ነብሲ ንፍወሰሉ ካብ እግዝኣብሔር ጸጋ ንረክበሉ ሰመያዊ ምስጢራት እንርእየሉ ሱባኤ እዩ ስለዚ ኩሉ ተከታሊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዘበለ ክጸውም ይግብእ፡ ብዘይካ ብከቢድ ሕማምን ካሊእ ምክኒያትን ብኣባት ነብሶም ዝተፈቀደሎም ተዘይኮይኖም ኩሉ ሰብ ክጸውም ይግባእ።

👉 ኣብ ሰሙን ሕማማት ዝፍጸሙ ያሬዳዊ ዜማ፡
ሶኒይ ሰሉስ ረቡዕ #ብግእዝ ፡
ሓሙስ #ብኣራራይ ፡
ዓርቢን ቅዳምን #ብእዝል እዩ።

👉 ኣብ ሰሙነ ሕማማት ብኣቦታት ዝወሃበና 12 ኣቡነ ዘበሰማያት በሉ ክንበሃል ከለና 12 ግዜ ኣቡነ ዘበሰማያት 41 ኪራላይሶን ስግዳን ክብሉና ከለዉ,,,,,,12 ግዜ እንዳ ቆጸርና ከንፈቅድ ክጥዕመና ኣጻብዕትና ጌርና ኣቡነ ዘበሰማያት ምስ በሰላም ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ኢልና ኽንውድእ ከለና ሓንቲ ኣጻብዕትና እንዳ ጸቀጥና 12 ግዜ ነብጽሕ። 41 ኪራላይሶን ድማ 41ስግዳን ንሰግድ ማለት እዩ።

“ሰላም እግዝኣብሔር ኣምላክ ምስ ኩልና ይኩን ኣሜን”
ኣምላክና ጸምናን ጾሎትናን ተቀቢሉ ጾምና ባሪኩ ብሰላም ኣፈጺሙ ናብ ብርሃነ ትንሳኤኡ የብጽሓና ኣሜን።

ወስብሓት ለእግዝኣብሔር ልዑል
ወለ ወላዲቱ ድንግል
ወለ መስቀሉ ክቡር
ይኩን!
ኣሜን። ምንጪ፣fb