በዓለ ቁስቋም

እንቋዕ ናብ በዓለ ቁስቋም ኣብጽሓና!

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፦ ነቲ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ናብ ደብረ ቁስቋም ዝኣተወትሉ ሽድሽተ ኅዳር በዓለ ቁስቋም ብድምቀት ተብዕሎ።

በዓለ ቁስቋም ሓደ ካብ 33 በዓላተ ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ፡ ‘አመ ፮ ለኅዳር በዓታ ውስተ ደብረ ቁስቋም’ ከምዝብል። (መቅድመ ተአምረ ማርያም) ቅድስት ድንግል ማርያም ነቲ ናይ ሠለስተ ዓመትን መንፈቕን ስደታ ወዲኣ፡ ንመስፍን ሰላም ኣቦ ዘለዓለም ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ኂዛ ናብ እስራኤል ኣብ ዘቕንዓትሉ ጊዜ ደብረ ቁስቋም ኣትያ ብሓጐስ ዘዕረፈት ብሽድሽተ ኅዳር ስለዝኾነ ነዚ ንምዝካር በዓለ ቁስቋም ይበሃል።

ሕዝበ ክርስቲያን ነዚ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ናብ ደብረ ቁስቋም ዝኣተወትሉ እናዘከሩ “ተመየጢ ተመየጢ ሃሌ ሉያ፤ ሰላመ ሰጣዊት ወንርአይ ብኪ ሰላመ/ ሃሌ ሉያ! ኣንቲ ወሃቢት ሰላም ብኣኺ ሰላም ምእንቲ ኽንረክብሲ ተመለሲ” እናበሉ ብፍቕሪ የብዕልዎ ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!