ዘመነ ጽጌ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን !!!
ዘመነ ጽጌ ፳፮ መስከረም 2016 ክሳብ ፮ ሕዳር 2016
7 ጥቅምቲ2023 ክሳብ 16 ሕዳር 2023
ኦ ድንግል ናብቲ ንኵሉ ዝዝክር፡ ዘይርስዕ ኣዘክሪ።
ኦ ድንግል እቲ ካባኺ ኣብ ቤተልሔም ዝተወልደን በጭርቕቲ ከም ዝተጠቕለለን ብእዋን ቍሪ፡እስትንፋስ አድግን ላሕምን ከምዘማምቝዎን ኣዘክሪ።
ኦ ድንግል ብዘመን ርጉም ሄሮድስ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ምስኡ እናጐየኪ ምሳኺ ዝተሰደደ ኣዘክሪ።
ኦ ድንግል ካብ ኣዕይንትኺ ናብ ገጽ ፍቁር ወድኺ ዝወሓዘ መሪር ንብዓት ኣዘክሪ።
ኦ ድንግል ጥሜትን ጽምእን መከራን ኃዘንን ኵሉ ምስኡ ዝበጽሓኪ ጸበባ ኣዘክሪ።
ይቕረታ ደኣ ኣዘክሪ እምበር ጥጥፍኣት ኣይኹን።
ንኃጥኣን ደኣ ኣዘክሪ እምበር ንጻድቃን ኣይኮነን።
ንርሱሓት ደኣ ኣዘክሪ እምበር ንንጹሓት ኣይኮነን።
እወ ኣዴና ናብቲ ዘይርስዕ ኣምላኽ ኣዘክሪ….
ኣዘክሪ ድንግል…

ኣብ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያና በብግዜ ዝኽበሩ በዓላትን ናይ ጾም ወርሓት ኣለዉ።
ብሓፈሻ ስለ ጾም ኣብ እንዛረበሉ ጊዜ ኣብ ውሽጢ ዓመት ዝጽወሙ ሸውዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣለዉ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብመልክዕ ኣዋጅ ክጽወሙ ከም ዘለዎም እትሕብርን በብጊዚኦም ዝኽበሩን እዮም። ካብዚ ሓሊፍና እውን ናይ ግሊ/ውልቂ ኣጽዋማት እውን ኣለዉ። ሓደ ካብኣቶም ዓመት መጸ ካብ መስከረም ፳፮/26 ክሳብ ፮/6 ሕዳር ዝጽወም ናይ ፍቃድ ጾመ፡ ጾመ ጽጌ እና ተባህለ ዝጽዋዕ ብምኽንያት ስደት ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ወላዲቱ ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ኣረጋዊ ዮሴፍን ሰሎምየን ናብ ግብጺ ዝተሰደድዎ እዩ። ካብ እግዚኣብሔር ምሕረት፡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም በረኸት ንምርካብ ደቂ ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ዝጸምዎ ናይ ፍቃድ ጾም እዩ። ከምኡ’ውን “አሠርጎኮ ለሰማይ በከዋክብት ወለምድርኒ በስነ ጽጌያት ግብረ. እደዊከ ኣዳም እግዚኦ” እና በልና ንቅዱስ ኣምላኽና እግዚኣብሔር እነመስግነሉ ጊዜ እዩ።
እዚ ወርሓት እዚ ክረምቲ ዝውድኣሉ፡ሰባት ፍርያት ናይ ክረምቲ ዝሓፍስሉ ወርሓት ከም ምዃኑ መጠን “ጾመ ጽጌ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ከመይ እዚ ጾም እዚ ዝጽወመሉ ኣብ ወርሓተ ጽጌ ስለ ዝኾነ።
ስደት ግብጺ ናብቲ መሰረት ዝኾነ ታሪኽ ናይዚ ቅዱስ ወርሓተ ጾም ምስ እንምለስ፡ ኣምላኽና ጌና ሕፃን ከሎ ናብ ግብጺ ምስዳዱ ዘዘንትወልና መጽሓፍ ቅዱሳዊ ታሪኽ ኢና እንረክብ (ማቴ፪፡፲፫-፳፫/2፡13-23)።
መስፍን ሰላም፡ ዘለዓለማዊ ንጉሥ ኢየሱስ ክርስቶስ ንድኅነት ዓለም ኣብ ቤተልሔም ኣብ መብልዒ ማል ምስ ተወልደ ንእኡ ናይ ኣምልኾ ስግደት ንወላዲት ንቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ጸጋ ስግደት ዝሰገዱ፡ ገጸ በረኸት ሒዞምሉ ዝመጹ ሰብኣ ሰገል ወይ ድማ ሰብ ርሑቕ ምብራቕ ነበሩ። እዞም ነገስታት እዚኣቶም ካብ ዓዶም ተበጊሶም እስራኤል ክሳዕ ዝኣትዉ ብኾኾብ እዮም ተመሪሖም መጺኦም። እንተኾነ ግና ጌና ኣብቲ ክርስቶስ ዝነበሮ ቦታ ከይበጽሑ እቲ ንነዊሕ መገዲ መሪሕዎም ዝመጸ ኮኾብ ተሰወሮም። በዚ ምኽንያት ከኣ ናብቲ ኣብቲ ዘመን እቲ ገዛኢ ዝነበረ ሄሮድስ ንጉስ ኣትዮም “እንሆ እቲ ዝተወልደ ንጉሥ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፧ ኮኾቡ ብምብራቕ ርኢና መጺእና“ በልዎ። ነዚ ዝሰምዐ ንጉሥ ሄሮድስ ኣዝዩ ተሸበረ። ካብ ምሽባሩ ዝተላዕለ ከኣ ክፍኣት ሓሰበ። እንተኾነ ሓሳባቱ መታን ከይፍለጥ ነቶም ይፈልጡ እዮም ኢሉ ዝሓሰቦም ሹማሙንትን ፈላጣትን ኣኪቡ ነቲ ሰብ ጥበብ ዝሓተትዎን ዝተዛረብዎን ኩሉ ኣዘንተወሎም።
ንሳቶም እውን እንሆ ኣብ መጽሕፍትና “ኣቲ ቤተልሔም ምድሪ ይሁዳ ንሕዝበይ እስራኤል ዝጓስዮም ሹም ካባኺ ክወጽእ እዩ እሞ፡ ካብ ሹማሙንቲ ይሁዳ ከቶ ኣይክትንእስን ኢኺ ዝብል ብነቢይ ጽሑፍ ስለ ዘሎ ኣብ ቤተልሔም ናይ ይሁዳ እዩ” ክብሉ ምላሽ ሃብዎ። (ማቴ፪፡፭-፮/2፡5-6)
ብድሕር’ዚ እምበር ንሰብ ጥበብ ኣፋነዎም። ኩሉ እቲ ዝኾነ ፈሊጦም ኣስተብሂሎም ክመጹ ከም ዘለዎም ሓቢሩ ድማ ሰደዶም። እዚ ዝገበረ ከምቲ ኣብ ወንጌል ተጻሒፉ ዘሎ፡ ኣበይ ቦታ ከም ዘሎ ፈሊጡ ንኽቀትሎ እዩ ዝነበረ። ነገራት ጌና ከይኮኑ ከለዉ ዝፈልጥ ሓያል ኣምላኽ ግና መልኣኹ ልኢኹ ብኻልእ ቦታ ከም ዝምለሱ ገበሮም። ሄሮድስ ንዓኣቶም ክጽበ ከሎ ንሳቶም ግን እግዚኣብሔር ንመንገዶም ኣሕጺሩ ብሰላም ናብ ዓዶም መለሶም።
ኣቐዲሙ ዝተረበሸ ሄሮድስ ዘይምምጻእ ሰብኣ ሰገል/ሰብ ጥበብ ተወሲኽዎ ሓረቖቱ ኣዝዩ ነደደ።እታ “ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ እዩ ዝውለድ ክንሰግደሉ መጺእና እትብል ቃል ሰብ ጥበብ ካብ ኣእምርኡ ምእላይ ኣበየት።ካብዚ ተበጊሱ ካኣ ነቲ ንዕኡን ንዓለም ብምልእታን ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ካብ ሞት ናብ ሂይወት ከውጽእ ዝመጸ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክስርቶስ ንምቕታላ ኣኃዱ ኢሉ ተበገሰ። ምናልባት ከይቀተልክዎ ክተርፍ ስለ ዝኽእል ኩሎም ህጻናት ክቕተሉ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ ከም ውጽኢቱ ካኣ 144,000 ሽሕ ህጻናት ቀተለ (ማቴ፪፡፲፮/2፡16)።
በዚ ጊዜ እዚ እዩ እምበኣር ቅዱስ እግዚኣብሔር መልኣኹ ልኢኹ ንጻድቕ ዮሴፍ፡ ሄሮድስ ነቲ ሕጻን ክቐትሎ ይደልይ ኣሎ እሞ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም፡ ተመለስ ኢለ ክሳዕ ዝነግረካ’ውን ኣብኡ ጽናሕ ክብል ዝተዛረቦ (ማቴ፪፡፲፫-፲፭/2፡13-15)። ኣቐዲሙ ቅዱስ እግዚኣብሔር ብኣፍ ነቢይ ኢሳይያስ “ወይወርድ እግዚእነ ውስተ ምድረ ግብጽ ተጽዒኖ ዲበ ደመና ቀሊል፡ እንሆ እግዚኣብሔር ብቕልጡፍ ደመና ናብ ግብጺ ይመጽእ” ኢሉ ዝተዛረቦ ቃል ምእንቲ ክፍጸም ኣብታ ብደመና ዝተመሰለት ቅድስት ድንግል ማርያም ሕቖ ተጻዒኑ፡ እቲ ብፍሉይ ኣካሉ ሰብ ዝኾነ ወልደ እግዚኣብሔር ናብ ግብጺ ተሰደደ (ኢሳ፲፱፡፩/19፡1)።
ንምቕታሉ ዝተሃንደደ ሄሮድስ እንሆ ብዙሓት ወተሃደራት ልኢኹ ንክርስቶስ ደልዮም ከምጽእዎ ንሱ ድማ ብዙሕ ወርቅን ስልማትን ክህቦም ምዃኖም ቃል ኣእትዩ ለኣኸ። እዚ ክገብር ከሎ ዮሳ ዝተባህለ ወዲ ዮሴፍ ሓሚሙ ደቂሱ ነበረ እሞ፡ ነዚ ቃል እዚ ምስ ሰምዐ ካብ መደቀሲኡ ተንሲኡ እቲ ሄሮድስ ዝተዛረቦ ኩሉ ንቅድስት ድንግል ማርያምን ንሓላዊኣ ዮሴፍ ምእንቲ ክነግሮም ደድሕሪኦም ጎይዩ ከደ። እንሆ ከኣ ብቐትሪ ፀሓይ ብለይቲ ድማ ቁሪ ስለ ዝበርትዖም፡ ኣብ ሓደ ቦታ ኮፍ ኢሎም ኣዕሪፎም ከለዉ ረኸቦም። ዮሳ እቲ ንጉስ ሄሮድስ ገይርዎ ዘሎን ንሳቶም ኮፍ ኢሎም ምስ ጸንሕዎን ካብ ልዑል ሻቑሎት ዝተላዕለ “ሄሮድስ ንዓኻትኩም ከርክብ ወተሃደራት ልኢኹ ከሎስ ንስኹም ኣብዚ ኮፍ ኢልኩም!” ክብል ብዓውታ ተዛረቦም። ነዚ ዝሰምዐት ርኅርኅተ ሕልና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ካብ ምድንጋጻ ዝተላዕለ ኣዝዩ መሪር ብኽያት በኸየት። ከምቲ ስምዖን ኣረጋዊ ዝበሎ፡ ልባ ብሓዘን ተመልአ ንብዓት ካብ ገጸ ናብ መሬት ወረደ፡ ኣየ ኣደ ኣምላኽ ክሳዕ ክንድዚ ክትነብዕ ከመይ ዕጹብ ድንቂ እዩ!። እቲ ንዓለማት ዝምግብ ጸባ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተመገበ፡ ሱቕ ኢሉ ይዕዘብ ነበረ።ንዮሳ ከኣ ከምዚ ክብል ብኣምላኻዊ ቃሉ ተዛረቦ፡ ”እንሆ ሄሮድስ ሰራዊት ልኢኹ ክደልየኩም ይመጽእ ኣሎ ምባልካ ጽቡቕ ነይሩ እንተኾነ ግና ንወላዲተይ ስለ ዘሰንበድካያ ብሰንክኻ ከኣ መሪር ብኽያት ከም እትበኪ ስለ ዝገበርካያ ፡ክሳብ ብዳግማይ ምጽኣተይ ኣተንስኤ ዋጋኻ ዝኸፍለካ እምኒ ተተርኢስካ ደቅስ በሎ።” ከም ቃሉ ከኣ እምኒ ተተርኢሱ ሞተ ፡እምኒ መሲሉ ከኣ ተረፈ።
ካብኡ ተንሲኦም ጉዕዝኦም ቀጸሉ።ኣብ ቅድሚኦም ዝጸንሐት ሳግላ ብተኣምር ተኸፊታ ንኹላቶም ኣእተወቶም ኣብ’ውን ተዓቖቡ። እንሆ ኣብ ቅድሚኦም ዝረኣይዎም ወተሃደራት ክሕዝዎም እንተመጹ ክረኽብዎም ኣይከኣሉን። ድምጺ ኣድጊ ይሰምዑ እንተኾነ ኣብ ቅድሚኦም ኣብ ውሽጢ ሳግላ ከለዉ ክርእይዎም ኣይከኣሉን። ብኸምዚ ከኣ ስኢነሞም ናብ ዓዶም ተመልሱ። ሕጂ’ውን ጉዕዝኦም ቀጸሉ። እንተኾነ ነታ ተጻዒኖማ ዝነበረት ኣድጊ ንምሕላፉን ንምስጋሩን ኣዝዮም ኣሸገርቲ ዝኾኑ ሓሙሽተ ዓበይቲ ኣእማን ጸንሕዎም። እንተኾነ ሕጂ’ውን ብተኣምራት ሰገርዎም ድኣ። ቀጺሎም ኣብ ግብጺ ምስ በጽሑ፡ ኩሎም ኮሮቤትን ጎቦታትን ሰገድሉ፡” ምዕረ ትትፌሣሕ ሶብ ተኅዘን ለሕፃን ወላዲቱ ርእያ ዘገብረ ተኣምረ ውስተ ደወለ ግብጽ ኣመ በኣቱ ኣንፈርዐጹ ኣድባር ወሰገዱ ሎቱ” ከም ዝበለ።
ከም ብሓድሽ ጉዕዝኦም ቀጸሉ። እንተኾነ ግን ሰይጣን ቀቅድሚኦም እና ኸደ ንሰባት ክፉእ ከምዝሓስቡን መከራ ከም ዘውርዱሎምን ይገብር ነበረ።፡ኣብቲ መሪሪ ምድረ በዳ ማይ ስለ ዘይነበረ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣዝያ ተጨነቐት። ሓዘና ዝረኣየ ጎይታ ግናካ በቲ ኮፍ ኢለምሉ ዝነበሩ ከውሒ ጽሩይ ማይ ከም ዝወጽእ ገበረ።” ሰሚዖ ሕፃን ለእሙ ገዓራ ፡ባረከ ኰኩሐ ወአ ንቅዐ ማየ እምታሕተ እግራ ወእምኔሃ ለጽምኣ ትስተይ ኣመራ ” ከም ዝበለ ደራሲ። “ወከመ ኢይስተይዋ ሰብኣ ሀገር ለይእቲ ማይ ኣምረራ ፡ወለር ሁቃን ፈውሰ ወጥዕምተ ገብራ- ነቶም ደቂ ሃገር መራር ንነጋድያን ንገያሾ ከም መዓር ጥዕምቲ ናይ ስጋ ፈውሲ ከም እተውህብ ገበራ።
ዝነበሮም ስንቂ ስለ ዝወድኡ ዝብላዕ’ውን ኣብ ከባቢኦም ስለ ዘይነበሮም ዝብላዕ ንእሽተይ ቁራስ እንጌራ እንተረኸቡ ኢሎም ናብ ሓንቲ ትእማን እትብሃል ሰበይቲ በጽሑ ።ንቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ረኣየት ካበይ ዝመጻኺ ኢኺ ፧ ክትብል ሓተተታ።ቅድስት ድንግል ማርያም ክኣ ካብ ምድሪ ይሁዳ ክትብል መለሰት። እንሆ ንስኺ ስራሕኪ ክፉእ ስለ ዝኾነ እምበር ንስኺ ትመስሊ ካብ መጋረጃ ገዛኺ ምወጻኺ ክትብል ብትዕቢት መለሰት። ነዚ ዝሰምዐ ኣረጋዊ ዮሴፍ “ከምዚ ዓይነት ጸርፊ እንታይ ኣድለየ! እንተኣለኪ ክትህብና እንተዘይብልኪ ከኣ ብሰላም እተዉ ክትብልና ኢዩ ዝግባእ “” ክብል መለሰላ። ኰቲባ እትብሃል ኣገልጋሊታ ድማ ካብ ውሽጢ ገዛ መጺኣ እንሆ ንጎይታ ካብ ሕቕፎ ቅድስት ድንግል ማርያም ወስዳ ናብ ምድሪ ደርበየቶ።ሕጂ’ውን ቅድስት ድንግል ማርያም ኣምሪራ ኣልቀሰት፡ ልባ ብጓሂ መልአ፡ካብ ምድሪ ክተልዕሎ ኢላ ድንን ምስ በለት እንሆ ዮሴፍ “ኅድጊዮ ያርእየነ ኣምላክናሁ-ኣምላኽነቱ ይግለጽ ግደፍዮ ” በላ።እዘን ኣብ ልዕሊ ቅድስት ድንግል ማርያምን ወዳን ግፍዕን መከራ ዘውረዳ ትእማንን ኰቲባን ምድሪ ኣፋ ከፊታ ወሓጠተን።
ካብኡ ወጺኦም ምስ ከዱ’ውን እቶም ብዕለተ ዓርቢ ብየማንን ብጸጋምን ናይ ጎይታ ዝተሰቕሉ ክልተ ሸፋቱ ማለት ዳክረስን ጥጦስን ኣብ መገዲ ተጓነፍዎም።እንሆ ካኣ ሰብኣ ሰገል ዘምጽእሉ ክዳን ጐይታ ገፊፎም ወሰድዎ። ቅሩብ ርሕቕ ኢሎም ግና “እዞም ሰባት ካብ ቤተ መንግስቲ ኢዮም ዝመስሉ ኣዝዮም ከኣ የደንግጹኒ ኣለዉ ስለዚ ክዳኖም ንምለሰሎም” ክብል ጥጦስ ንዳክረስ ተዛረቦ።እዚ ክብሉ ከለዉ ብዓይና ትዕዘብ ዝነበረት ቅድስት ድንግል ማርያም ንወደይ ክቐትሉለይ እዮም ቀልጢፍና ንርሓቕ ኢላ ኣምሪራ ኣልቀሰት ጎይታ ግና “ኢትከዐው ደምየ ዘእንበለ ዕለተ ዓርብ ኣቅድሞ- ቅድሚ ዕለተ ዓርቢ ደመይ ኣይፈስስን ኢዩ እንሆ ካኣ ሓደ ብየማነይ እቲ ሓደ ካኣ ብጸጋመይ ክስቀሉ ኢዮም” ክብል ብኣምላኻዊ ቃሉ ኣጸናንዓ።
ጥጦስን ደክረስን በቲ ሓሳብ ተሰማሚዖም ነቲ ዝወሰድዎ ክዳን መለስዎ ፡እንሆ ከኣ ጥጦስ ንጎይታ ተሰኪሙ ንሴፉ ተመሪኲሱ ምጉዓዝ ጀመረ ኣብ መንጎ ግና እታ ሒዝዋ ዝነበረ ሴፍ ኣብ ክልተ ተሰብረት ፡በቲ ዝኾነ ነገር ጥጦስ ኣዝዩ ሓዘነ ጎይታ ካኣ “ኦ! ጥጦስ ኣስተጋብእ ስባራተ ሰይፍከ -ነቲ ዝተሰብረ ሴፍካ ኣላግቦ” በሎ እሞ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ዝተሰብረ ሴፍ ከም ቀደሙ ገብሮ።መጠን እቲ ዝጓሃዮ ጥጦስ ኣዝዩ ተሓጎሰ በለ ከኣ “ዝንቱ ህጻን እም ደቂቀ ነቢያት።”