ኣምላክ ምሳካ እዩ

ኣምላክ ምሳካ እዩ
ኢሰያስ 41፣10
ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ።

ኣምላክ ንዓካ እዩ
ዘዳግም 31፣6እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ንሱ እዩ ምሳኻ ዚኸይድ እሞ፡ ኣይጠልመካን ኣይሐድገካን እዩ፡ ስለዚ ጽናዑ፡ ትብዑ፡ ኣይትፍርሁ፡ ብኣታቶም ኣይትሸበሩ።

እምላክ ዕቁባካ እዩ
መዝሙር ዳዊት 56፥4
ብኣምላኽ ንቓሉ ኤመስግኖ፣ ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህን፣ ስጋኸ እንታይ ከይገብረኒ፧

ኣምላክ ይፈልጠካ እዩ
ኤርምያስ 1፣5
ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻ፡ ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።

ኣምላክ ይሓልየልካ እዩ
1 ጴጥሮስ 5፣7
ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ

ኣምላክ ይሪኤካ እዩ
1ጴጥሮስ 10-12
ኣዒንቲ እግዚኣብሄርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ፡ ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ እሞ፡ እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊ፡ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፡ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበር፡ ንሰላም ይድለያ ይስዐባውን።

ኣምላክ የፍቅረካ እዩ
ዮሃንስ 3፣16
ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ