እንቋዕ ናብ ጾመ ፍልሰታ ኣብጽሓና !

እንቋዕ ናብ ጾመ ፍልሰታ ኣብጽሓና !
ካብ 1 ነሓሴ ክሳዕ 16 ነሓሴ 2015 ዓ.ም.ግ. ዘሎ መዓልታት ብጸሎትን ውዳሴን ቅዳሴን ከምኡ’ውን ዝጽወም ሓደ ካብ ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ጾመ ፍልሰታ እዩ። ‘ፍልሰት’፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምኻድ፡ ምድያብ፡ ምዕራግ ማለት እዩ። “በተአምኖ ፈለሰ ሄኖክ እምዝንቱ ዓለም ከመ ኢይርአዮ ለሞት/ ሄኖክ ስለ ዝኣመነ ንሞት ከይርእይ ካብዚ ዓለም ከደ” ከምዝብል። ዕብ. 11፡5

ብተወሳኺ’ውን “ፈለሰት ማርያም በስብሐት ውስተ ሰማያት መላእክት ወሊቃነ መላእክት ወረዱ ለተቀብሎታ/ ድንግል ማርያም ብምስጋና ናብ ሰማያት ዓረገት፡ መላእኽትን ሊቃነ መላእኽትን ንኽቕበልዋ ወረዱ” ይብል። (ዝማሬ 16 ነሓሴ)

ስለዚ ‘ፍልሰታ’ ክብሃል ከሎ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ምድራዊ ናብ ሰማያዊ፡ ካብ ጊዜያዊ ናብ ዘለዓለማዊ ዝኸደትሉ ናብ ሰማይ ዝዓረገትሉ ማለት እዩ።

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ጥሪ 21 ብ49 ዓ.ም. ዓሪፋ፡ ሓዋርያት ክቐብርዋ ናብ ጌተሴማኒ እናወሰድዋ ኣይሁድ ስለዝተጻብእዎም፡ ቅዱሳን መላእክት ንሥጋ ኣዴና ቅድስት ድንግል ምስ ሓዋርያ ቅዱስ ዮሓንስ ወሲዶም ኣብ ገነት ትሕቲ ዕፀ ሕይወት ኣንበርዋ። ሓዋርያ ቅዱስ ዮሓንስ ተመሊሱ ንሓዋርያት ምስ ነገሮም፡ ከምቲ ንዮሓንስ ዝተገልጸሉ ኽግለጸልና ኢሎም ኣብ ወርኀ ነሓሴ ክልተ ሱባዔ ኣተዉ። ሱባዔኦም ኣብ ዝፈጸምሉ ኣብ መበል 14ተ መዓልቲ ሥጋ ቅድስት ድንግል ማርያም ተዋሂብዎም ቀበርዋ። ድኅሪ ሣልስቲ ድማ ኣብ 16 ነሐሴ ተንሢኣ ዓረገት። (ተኣምረ ማርያም ፡ ስንክሳር ነሓሴ 16)

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ክትዓርግ ከላ ንበይኑ ንሓዋርያ ቶማስ ተራእያቶ ስለዝነበረት፡ ደጊሞም ኣብ ወርኀ ነሐሴ ሓዋርያት ከም ሓዋርያ ቶማስ ዕርገታ ክርእዩ ዝጾምዎ እዩ።

ካብዚ ጊዜ’ዚ ጀሚራ ሓዋርያዊት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ሕዝበ ክርስቲያን እናጾሙን ናብኣ እናተማኅፀኑን በረኸት ቅድስት ድንግል ማርያም ምእንቲ ኽሳተፉ ብኣዋጅ ክጾሙ ትእዝዝ።

ኣብዚ ቅንያት ጾመ ፍልሰታ፡ ኣብያተ ክርስቲያንን ገዳማትን፡ ዓበይትን ናኣሽቱን ሕዝበ ክርስቲያን ዝፍጽምዎ ሃይማኖታዊ ሥርዓት፡ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘለዎም ፍቕሪ ዘመልክት እዩ።

ቡሩክ ጾም ይግበረልና!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል ማርያም ወለመስቀሉ ክቡር። አሜን !