ጾም ኣርብዓ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ፡ አሜን።
ንጹም ጾመ ወናፍቅር ቢጸነ ወንትፋቀር በበይናቲነ። (ካብ መዝሙር ዘወረደ)
ክቡራንን ክቡራትን ስድራ እግዚኣብሔር፡ ቡሩኽ ጾም ይግበረልና፡ ነዚ ቅዱስ ሱባኤዚ ብሽለልትነት ዝመልኦ ኣገባብ፡ ከም ልምድን ባህልን ዘይኮነ፡ ሕይወትና ናብ ኣምላኽ ዘቕርብ፡ ዝተበታተኑ ስድራቤታትና ዝእክብ፡ ውዲት ሰይጣን ዝገትእ፡ ነዛ ኣብ ከቢድ ፈተና ዘላ ቤተ ክርስቲያና ከኣ ብናይ ሓድነትን ፍቕርን መንፈስ ዘተንስእ፡ ናይ በረኸት ጾም ክኺነልና፡ ሱባኤ ቅዱሳን ኣቦታትና ዝባረኸ ኣምላኽ፡ ሱባኤና ይባርኽ !
ህዝቅኤል 3 (Ezekiel) 10፤ መሊሱውን በለኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንዅሉ እቲ ዝነግርካ ቓላት ኣብ ልብኻ ዕቘሮ፣ በእዛንካ ድማ ስምዓዮ።
 እግዚኣብሔር ኣምላኽና፡ ውህበታቱ ምሉእ ዝኾነ ብዛዕባ ጾም፡ ብዙሕ ዝተጻሕፈ ኣንቢብና፡ ተማሂርና፡ ንካልኦት ሰባትውን ኣካፊልና፡ ናይ በረኸት ስራሕ ንሰርሕ ሰባት ክንህሉ ንኽእል። ኣብ ግዜ ጾምና ግን፡ ኣብቲ ልሙድ ተግባራትና ከይንህሉ እሞ፡ “ብመዓልቲ ጾምኩምሲ ተግባራትኩም ኢኹም ትገብሩ ዘሎኹም፡” ተባሂሎም ከም ዝተወቅሱ፡ ምእንቲ ከይንውቀስ፡ (ኢሳ፣ 58፥1-11) ኣንቢብና ናይ በረኸትን ዓስቢ ዘለዎን ጾም ኪንጸውም እላቦ።
ኣብ ግዜ ጾም፡ እቶም ኣብ ሕይወት ኣመንቲ ዘለዉ፡ ክልተ ተጻረርቲ ድልየታት፡ (ስጋዊ ድልየታትን መንፈሳዊ ድልየታትን) ዝበርትዐ ቃልሲ ዘካይዱሉ ግዜ እዩ እሞ፡  ኤፌ5፥13-25። ዘሎ ምኽሪ ተገንዚብና፡ ነቲ ክዕወት እንደልዮ፡ መንፈሳዊ ሕይወትና ጽዑቕ ልምምድ ከነበርክተሉ ፡ ንኹሎም ተቃለስቲ ንጽድቂ አዘኻኽር።
ኣብ ኩሉ መንፈሳውን ዓለማውን ሕይወት፡- ሓይሊ፡ ጥበብ፡ ህድኣት፡ ሰላም፡ ዕረፍቲ፡ ዕግበት፡ ኩሉ ንሕይወትና ዘድሊ ከውህቡና ዝኽእሉ መፋትሕ እዞም ዚስዕቡ 3 ኢዮም’ሞ፡
1) ጸሎት፡
2) ቃል እግዚኣብሔር፡
3) ፍቕሪ፡
ዝኾነ ሱባኤ፡ መንፈሳዊ ኣገልግሎት፡ ክርስቲያናዊ ስነ ምግባርን ትሩፋትን፡ እዞም ሰለስተ መፋትሕ፡ እንተዘይብሉ ንድኹም ሰብ እምበር፡ ንልዑል ኣምላኽ ዘሐጉስ ኣይከውንን።
ነዞም ሰለስተ መፋትሕ መንፈሳዊ ሕይወት፡-
1) ቆሎሴ 4 (Colossians) 2፤ ጸሎት ኣዘውትሩ፡ ብእኡውን ብምስጋና ንቕሑ። (ኣብ ጸሎትኩም፡ ንቑሓትን ኣመስገንትን ኩኑ)
2) ኤፌሶን 6 (Ephesians) 17፤ ናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ ኣእትዉ፡ ናይ መንፈስ ሰይፊውን፡ ማለት ቃል ኣምላኽ፡ ሐዙ።
ዳዊት 119 (Psalms) 11፤ ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ፣ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዐቘርክዎ።
3) ትንቢት፡ ምስጢራት፡ ፍልጠት፡ እምነት፡ እንተ ዚህልወኒ፡ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ ከንቱ ምኾንኩ ነይረ። 1ቆሮ13፥2። ስለ ዝብል፡
ነዞም ዓወትን በረኸትን ዘጓናጽፉ መፋትሕ መንፈሳዊ ሕይወት፡ ተቐዳዲምና ገንዘብና ክንገብሮም ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ፡ ናይ እመቤታችን ጸሎት፡ ናይ ቅዱሳን ረድኤት ምስ ኩልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ! ኣሜን።
ይትባረክ እግዚኣብሔር