ዘመነ ዮሐንስ

ቃለ ቡራኬ ዘርእሰ ዓውደ ዓመት 2016 ዓ.ም.

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

እንቋዕ ካብ ዘመነ ሉቃስ ናብ ዘመነ ዮሐንስ ብሰላም ኣብጽሓና።

ክቡራንን ክቡራትን ኣመንቲ ክርስትና ብሓፈሻ ኣብ ሃገርን ወጻእን እትነብሩ ኩልኹም ኤርትራውያን እንቛዕ ናብ ርእሰ ኣውደ ዓመት ቅዱስ ዮሐንስ ብደሓነ ሰላም ኣብጽሓኩም ኣብጽሓና።

ነቢይ ዳንኤል ወውእቱ ይዌልጥ ዓመታተ ወመዋዕለ ምባሉ እግዚአብሔር ሓጋይን ክረምትን፡ ምምራኽን ምምላስን፣ ከምኡ’ውን ንዘመናት ካብ ዘመነ ማቴዎስ ናብ ዘመነ ማርቆስ፡ ካብ ዘመነ ማርቆስ ናብ ዘመነ ሉቃስ፡ ካብ ዘመነ ሉቃስ ናብ ዘመነ ዮሐንስ ዝልውጥ ንሱ እዩ። ብምባል ናይ እግዚአብሔር ሥራሕ ከም ዝኾነ ገለጸ። በዚ መሠረት እንሆ ካብ ዓመተ ፳፻፲ወ፭/2015 ናብ ዓመተ ፳፻፲ወ፮/2016 ካብ ዘመነ ሉቃስ ናብ ዘመነ ዮሐንስ ኣብጺሕና ኣሎ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነዛ ዕለት ብክብ ዝበለ ብድምቀት ተኽብራን ተብዕላን ኣላ እዛ ዕለተ እዚኣ ናይ ዘመን መለወጢ ርእሰ ኣውደ ዓመት ቅዱስ ዮሐንስ ተባሂላ ትጽዋዕ።

ዮሐንስ ማለት ፍሥሐ ወኃሤት/ ሓጐስን ደስታን ማለት እዩ። መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ናይ ዘመነ ብሉይ ዛዛሚ ናይ ዘመነ ሐዲስ ጀማሪ ኮይኑ ካብ ዘመነ ብሉይ ናብ ዘመነ ሐዲስ ካብ ነቢያት ናብ ሐዋርያት ዘሰጋገረ ድልድል ብምዃኑ ብስሙ ትጽዋዕ።

ርእሰ ኣውደ ዓመት ናይ መዓልትን ዕለትን መጀመርታ፣ በዓላትን ኣጽዋማትን ናይ ዓመት ዝሥረዓሉ ስለ ዝኾነ ርእሰ ኣውደኣመት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዘመን መለወጢ፣ ኣረጊት ዘመን ኀሊፉ ሓዲስ ዘመን ንሳገረሉ ዕለት ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ፈሊጡ ድማ ነቢይ እግዚአብሔር ዳኒኤል “ወውእቱ ይዌልጥ ዓመታተ ወመዋዕለ/ ንሱ ንዘመናትን ወርኃትን ይለዋውጥ” (ዳን. ፪፥፳/2፥20) ኢሉ ዘመስገነ። ንሕና’ውን ከምቲ ናቱ፣ ንዕድመ ዝሃበና እግዚአብሔር እነመስግነላ ዕለት እያ።

ከምቲ ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ዕቁ እንከ ዘከመ ተሐውሩ ከመ ጠቢባን በንጽሕ ወአኮ ከመ አብዳን እንዘ ታነሐስይዎ ለዝ ዓለም እስመ እኩይ መዋዕሊሁ በእንተ ዝንቱ ኢትኩኑ አብዳነ አላ ሐለዩ ፈቃደ እግዚአብሔር/ ከመይ ከም እትነብሩ ፍለጡ፣ እቲ ዘመኑ ክፍእ እዩ’ሞ፣ ነዚ ዓለም’ዚ እናነዓቅኩምዎ ከም ዓያሹ ዘይኮነስ፣ ከም ፈላጣት ብንጽሕና ንበሩ። ስለዚ ፍቃድ እግዚአብሔር ኣስተውዕሉ እምበር ዓያሹ ኣይትኹኑ” (ኤፌ. ፭፥፲፭-፲፯/5፡15-17) ከም ዝብል እግዚአብሔር ዝሃበና ጊዜ፣ ጽድቂ እምበር ኃጢኣት ክንዕድገሉ ኣይኮነን፡ ስለዚ ንትህኪት ወጊድናውን ንሥራሕ ክንተግህ ቤተ ክርስቲያን መልእኽታ ተመሓላልፍ። ንሕናውን ብኸመይ መንገዲ ኢና ኣብዚ ሓዲስ ዘመን፣ ንዝነበረና ኣረጊት ሰብነትና ማለት ናብ ኃጢኣት ዝመርሑና ተግባራት ሓዲግና፣ ናብ ጎደና ጽድቂ እንጓዓዘሉ ሓዲስ ሕንጻ ሰብነትና እንሓንፀሉ እምነ መሠረት እነቐምጠሉ ክንሓስብ ይግባእ።

ብተወሳኺ ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣረጊት ኣተሓሳስባና ክቅየር ከም ዘለዎ ከረድእ እንከሎ ከምዚ ይብል “ወሐድሱ መንፈሰ ልብክሙ/ ኣእምሮኹምን ኣተሓሳስባኹን ሓድሱ”።(ሮሜ.፲፪፥፪/12፥2) ስለዚ ብፍቅሪ እግዚአብሔር ተሳሒብና ብጾም፡ ብጸሎት፡ ብምጽዋት፡ ብስግደት ተወሲና፣ ለይትን መዓልትን ኣብ ተዘክሮ እግዚአብሔር ክንጽመድን ይግበኣና። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብንስሐ ብንጽሕና ብቅድስና ንኽንነብር፣ ሰብነትና ከነሕድስን ካብቲ ዝሓለፈ እዋን ብዝበለጸን ዝሕሸን መንገዲ መንፈሳዊ ዕብየት ክህልወና ይግባእ።

ስለዚ ኣብዛ ጊዝያዊትን ኃላፊትን ዓለም ሕሉፍ ኣበሳናን ኃጢኣትንን ከይተጸባጸበ በዓይነ ምሕረቱ ሓልዩ ክሳብ እዛ ሰዓት ብጥዕና ብሰላም ዘጽንሓና፣ ኣብ ዕድመና ዕድመ ወሲኹ ሓድሽ ዓመት ባሪኹን ቀዲሱን ምሃቡ፣ ተወሳኺ ካልእ ኃጢኣት ክንፍጽመሉ ዘይኮነስ ንስሓ ንኽንኣትወሉ እዩ።

ኣብ ርእሲኡ ድማ በዓልና ፍጹም ሓጐስ ምእንቲ ኪገብረልና ነቶም ዘይብሎም ነዳያን ዓቕምና ብዝፈቕዶ ካብ ዘለና ብምክፋል ብሓባር ከነሕልፎ ሓደራ ንብል።

ኣብ መወዳእታ እዚ ሓድሽ ዓመትዚ ዓመተ ሰላም፡ ዓመተ ራህዋ፡ ዓመተ ቅሳነት ጌሩ፡ እግዚአብሔር ንወርኃ ክረምቲ ባርኹ፡ ብዝናም ኣብቍሉ፡ ብፅሓይ ኣብሲሉ፡ ንዝሃበና ልምላሜ ካብ ነጣሪ ነፋሪ ሓልዩ፡ ፍሪኡ ክንሓፍስን ከምኡውን ናብ ብርሃነ መስቀሉ ብሰላም ከብጽሓና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።

እግዚአብሔር ሃገርና ይባርኽ!!!

ብፁዕ አቡነ ጴጥሮስ (ሊቀ ጳጳስ) ዓቃቤ መንበር

ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ