መልክዕ መንካዕ

መንካዕ፡ ሓደ ካብ ዓይነት እንስሳት ኮይና ናይ ተፈጥሮ መልክዓ ዝተፈላለየ ዘደናግር እዩ። ብሓደ ወገን ብርእሳን ብእዝናን ብኣስናናን ብኣፋን ኣንጭዋ ክትመስል ከላ፣ ብካልእ ወገን ድማ ብኽልተ ኣኽናፋ ወይ መንገብገብ ስለትነፍር ናይ ዑፍ መልክዕ ኣለዋ። ብተወሳኺ’ውን ከም መጥበውቲ እንስሳት ከም እኒ ላምን ገመልን`ውን ንደቃ በርባዕተ ጡባ እናጥበወት እያ ተዕቢ።

ናይ መንካዕ ሥነ ተፈጥሮ ነዚ ዝመስል ክኸውን ከሎ፣ ናይዞም ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝንቀሳቐሱ መናፍቃዊ ተሓድሶ ኮነ ዝተነጸሉ ወገናት ናቶም መልክዐ ሃይማኖት ድማ ካብዚ ተፈልዩ ዝረአ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ድማ መንካዕ ንኣንጭዋ እንተ መሰለት ኣንጭዋ ከም ዘይትበሃል፣ ብመንገብገባ እንተነፈረት`ውን ዑፍ ተባሂላ ከም ዘይትጽዋዕ፣

እዚኦም ድማ ብሓደ ወገን ካብዛ ጥንታዊትን መሠረታዊትን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብምርኃቖም ብኣቦን ኣደን ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝኾነ ቅዱስ ሲኖዶስ ገሊኦም ብትምህርተ ሃይማኖት ገሊኦም ከኣ ብሰማያዊ ሥልጣን ብውግዘት ዝተፈልዩ፡ ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ወፃኢ ርእሶም ብርእሶም ዝመኃደሩ ክኾኑ ከለዉ፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሥዩማን ኣገልገልትን ኣባላትን መሲሎም ከም ጳጳሳት፣ ፈለስቲ፡ ካህናት፡ ዲያቆናት፡ ምእመናን ኮይኖም ይረኣዩ።

“ኣነ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ወገን እየ፡ ግና ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝምራሕ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ዝእዝዞ ትእዛዝን ዝሓገጎ ሕግን ኣይቕበልን እየ” ዝብል ሰብ፣ ምስ መን’ዩ መደቡ፧ ምስ ኣማንያን ድዩ ወይስ ምስ ከሓድያን፧ ምስ ኣማንያን ከይትብሎ ንቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ዝነጽግን ዘይቕበልን ንትምህርተ ሃይማኖት ዘፋልስን እዩ። ምስ ከሓድያን ከይትብሎ ከኣ ኦርቶዶክስ እየ በሃላይ እዩ።

ነዞም ካብዛ መሠረታዊት ሃይማኖት ተነጺሎም ከይዶም ዘለዉ ኣቐዲሙ ብቅዱሳት መጻሕፍት ዝተዋህቦም መጠንቀቕታ ከም ዘይተጠቕሙሉን ንዕኡ ረጊጾም ልቦም ናብ ዝሓሰቦ ይኸዱ ከም ዘለዉ ይፍለጥ። ተዋሂቡዎም ዝነበረ መጠንቀቕታን ናቶም መንነትን፡ ንሕና’ውን ካብኦም ክንጥንቀቕ ከምዘለናን ዝተነግሩ ንምጥቃስ ዝኣክል ዓሰርተ ዝኾኑ እነሆ ነቕርበልኩም፦

1ይ ክርስቶስ ኣብዚ ወይ ኣብቲ ኣሎ እንተበልኹም ኣይትእመኑ፣ ማቴ. 24፡23

2ይ ካብ ሓሰውቲ ነቢያት ተጠንቀቑ መንጠልቲ ተዃሉ እዮም፣ ማቴ 7፡5

3ይ ፍቓድ ኣቦይ ዝገብር እምበር ጐይታይ ጐይታይ ዝብለኒ መንግሥተ ሰማያት ኣይኣቱን እዩ። ማቴ. 7፡21

4ይ ነቲ ዝተመሃርኩምዎ ዝቃወሙን ምፍልላይን ዘምጽኡን ፍለጥዎም። ሮማ 16፡17

5ይ ኣብቲ ዳኅራይ መዓልቲ ብዙኃት ሃይማኖቶም ኃዲጎም ከም ዝኽሕዱ። 1ይ ጢሞ. 4፡1

6ይ ናይ ኣምልኾ መልክዕ ኣለዎም ነቲ ኃይሉ ግና ይኽሕድዎ። 2ይ ጢሞ. 3፡5።

7ይ ዋጋኹም ክትረኽቡ እምበር ዋጋኹም ከይትስእኑ ርእስኹም ሓልዉ። 2ይ ዮሓ. 8

8ይ ንመንፈስ ዘበለ ኵሉ ኣይትእመኑ፣ ብዙኃት ሓሰውቲ ነቢያት ተላዒሎም ኣለዉ። 3ይ ዮሓ. 1፡9

9ይ ተጠራጠርቲ ኣይትኹኑ ምስ ዘይኣምኑ`ውን ኣይትጸንበሩ። 2ይ ቆሮ. 6፡19

10ይ ኣብ መንገዲ ቁሙ እሞ እቲ ጥንታዊ መንገዲ ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ ብእኡ ከኣ ተመላለሱ ንነፍስኹም ኸኣ ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም። ኤር. 6፡16

እዚ ኃይለ ቃል እዚ ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ ጊዜ ክትግበር ብሥሩዕ ክትርጐምን ብወረ ንሰምዖ ዘሎና ዘይኮነስ ብዓይንና እንርእዮ ዘለና እዩ። ብሓቂ እዚኣቶም ነቲ ተነጊሩ ዝነበረ ትንቢት ንምፍጻም እዮም ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ እምበር ኦርቶዶክስ ሃይማኖት ሓንቲ እያ። ሓፂራ ኢልካ ከተንውኃ፣ ነዊኃ ኢልካ ከተሕፅራ ኣይከኣልን እዩ።

ምኽንያቱ ድማ ይትረፍዶ ነዛ ብሥጋዊ ዓይኒ ዘይትርአ ብኢድውን ዘይትተኃዝን ዘይትድኅሠሥን፣ ክትልውጥን ከተሐድስንሲ፣ ነዚ ብዓይኒ ዝርአ ብኢድውን ዝድኅሠሥ ፀጒሪ ርእስኻ እኳ ነቲ ጸሊም ናብ ፃዕዳ ከምኡ`ውን ነቲ ፃዕዳ ናብ ጸሊም ለዊጥካ ከተሐድሶ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ሃይማኖትና በቲ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ደሙ ኣፍሲሱ ዝመሥረታን ቅዱሳን ሓዋርያት ዝሰበኽዋን ጸኒዓ ትነብር እምበር፣ ካብቲ ዝተመሥረተቶ ጽኑዕ ኦርቶዶክሳዊነት ንየማንን ንጸጋምን ፍንትት ከይበለትን ከይተነቓነቐትን እያ ትነብር ዘላ።

ቅድሚ ሎሚውን ከጥፍእዋን ፈጺሞም ከጽንትዋን ሓሲቦም ክሳዕ ብኣዋጅውን ኣብያተ ክርስቲያናት ይትዓጸዋ፣ ኣብያተ ጣዖታት ይትረኅዋ ብምባል በዓል ዲዮቅልጥያኖስ በዓል መክስምያኖስ ኃይሎም ክሳዕ ዝጽንቀቕ ነዛ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ኣፍሪሶም ግብረ እደ ሰብእ ጣዖት ኣንጊሦም ንኽነብሩ ዘይገበርዎ ጻዕሪ ኣይነበረን። ግና ክኾነሎም ኣይከኣለን። እቲ ሓሳቦም ሰይጣናዊ እምበር መንፈሳዊ ስለ ዘይነበረ ፈቲኖማ ደኣ ተረፉ። እዚ ከኣ ቃል እግዚአብሔር ክስዓርን ክኃልፍን ስለ ዘይከኣል እዩ እምበር ካልእ ኣይኮነን።

ካብዞም ዓላውያን ነገሥታት ዘይኅሹ ብዙኃት ሓሰውቲ ነቢያት ክትንሥኡ እዮም ተባሂሉ ዝተነግረ ከኣ ሓቂ ምዃኑ ዘረድኣናን ዘገንዝበናን ኣብዚ እዋን’ዚ ዝፍጸም ዘሎ እዩ።

ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮስውን ኣብ ካልኣይ መልእኽቱ ዝጸሓፎ፦ “እቶም ደናቑርን ዘይጽኑዓትን ከኣ ከምቲ ነቶም ቅዱሳት መጻሕፍቲ ናብ ድላዮም ዝጠዋውይዎም ንጥፍኣት ገዛእ ርእሶም ይጠዋውይዎ ኣለዉ” ይብል፣ እሞ ኅልፍ ኢሉ ድማ “ኣብ ማእከልኩም ሓሰውቲ መምህራን ክትንሥኡ እዮም እሞ ንሳቶም ብኅቡእ ጥፍኣት ከስዕቡን መናፍቕነት ከምጽኡን እዮም፣ ብዙኃት ድማ በቲ መንገዲ ርኽስቶም ክስዕቡዎም እዮም፣ ብሰሮምውን እታ መንገዲ ሓቂ ክትጽረፍ እያ፣ ንሳቶም ስሱዓት ስለ ዝኾኑ ብዘረባ እናጠበሩ መናገዲ ክገብሩኹም እዮም ይብል። (2ይ ጴጥ. 2.1-3 ፣3፡11)

ሳጥናኤል ቅድም ስሙ ነይሩ፣ ሕጂ ግና ዲያብሎስ እናተባህለ ይጽዋዕ ኣሎ፣ ዲያብሎስ ማለት ውዱቕ ሕሱር ማለት እዩ። ስለምንታይ ውዱቕ ሕሱር ተባህለ እንተ በልና ካብ ማኅበረ መላእኽቲ ተፈልዩ ዘይዓቕሙ እግዚአብሔርነት ብምምናዩ እዩ። ይሁዳ`ውን ምስ ፲፪ ሓዋርያት እዩ ነይሩ ፣ ግና ብግብሩ ካብ ፲፪ ሓዋርያት ተፈልዩ፣ “ለይሁዳ ውሉደ ውሉዱ ይደምሰስ” እናተባህለ በብዓመቱ ክርገም ይነብር ኣሎ።

እዚ ተጠቒሱ ዘሎ መልኣኽ ነበርን እዚ ተጸዊዑ ዘሎ ይሁዳን ክልቲኦም ልዑል መዓርግ ዓቢይ ደረጃ እኳ እንተ ነበሮም፣ ሕጂ ግና ክልቲኦም ኣበየናይ መዓሙቐ መዓሙቕ እዮም ዝርከቡ ዘለዉ፧ ነስተውዕል። ንዲያብሎስን ንይሁዳን ካብ ጠቐስናን ስሞም ብኸመይ ዓይነት ከም ዝጽዋዕን ካብ ፈለጥና እዞም ካብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ተፈልዮም፡ ርእሶም ብርእሶም ዝኸዱ ዘለዉ’ኸ ካብዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ብኽፉእ ስም ዝጽውዑ ዘለዉን ካብዚኣቶም ተፈልዮም ዝጽውዑሉ መንገዲ ኣለዎም ድዩ፧

እዚ ኂዞሞ ዘለዉ መንገዲ ዘጥፍእ እምበር ዘልምዕ፣ ዘኅጥእ እምበር ዘጽድቕ ከምዘይኮነ ፈሊጥና፡ ኦ ኦርቶዶክሳዊ እዚ ዝኸድዎ ዘለዉ ሓድሽ መንገዲ ጽቡቕ መሲሉካ ከይትስዕቦም። ተጠንቀቕ! በዚኣቶም ከይትጋገ፣ ርእስኻ ሓሉ ምስ ክርስቶስ ምእንቲ ክትህሉ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!