ስለምንታይ እግዚኣብሄር ይመስገን ንብል

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስን ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

መብዛሕትና ብልሙድ ኣዘራርባ ፡ ዳኣ’ምበር ነዚ “እግዚኣብሄር ይመስገን ምባል” ዓሚቕ ትርጉም ብዘይ ምፍላጥና ካብ ወጽዓ ኣየምለጥናን ። ንሰብ ከመይ ኣለኻ እንተበልካዮ ፡ ” ሰላም’ዩ ፡ ድሓን’ዩ! ” ዝብል ምስኪንነት ዝተሓወሶ የዋህ ኣዘራርባ የቐድም ። ንሎሚ ካብ ብዙሕ ብውሑድ ዓቕመይ ከበርክተልኩም ፍቐዱለይ!
እግዚኣብሄር ዝብል ቃል ፡ እግዚ ማለት ኢየሱስ ክርስቶስ (ወልድ ዋህድ) ፡ ኣብ ማለት እግዚኣብሄር ኣቦ(ወላዲ) ሄር ማለት ካኣ መንፈስ-ቅዱስ ( ሰራጺ) ማለትዩ
እግዚኣብሄር ማለት ካኣ ትርጉሙ ፍቕሪ ማለት’ዩ!
ብዛዕባ ፍቕሪ ትርጉሙ ክዝርዝር ግዜ ክሓጽረኒ ጥራይ ዘይኮነ ጽሒፈ’ውን ኣይውደኦን ። ብሕጽር ዝበለ ፍቕሪ ማለት ንኹሉ ሰናይ ዘበለ የጠቓልል ።
እምበኣርከስ እግዚኣብሄር ይመስገን ክንብል እንከለና ፡ እቲ ንዓና ንደቂ ሰብ ዘድልየና ሰናይ ዘበለ ኩሉ ካብ ሃለወ ፡ እቲ ብቐትርን ብለይትን ዘናውጸና ክፉእ መንፈስን ክፉእ ስጋዊ ሓሳብን ካባና ፈጺሙ ንኽርሕቕ እዛ ካብ ኩሉ እትዓብን ካብ ኩሉ እትበልጽን ቅድስቲ! ክብርቲ! ብልጽቲ! ቃል ካብ ልሳንናን ከናፍርናን ኣይነርሕቃ!
ርግጸኛ’የ ነቶም ዘይለመድኩማ ንኽትለምድዋ ከምእተሸግረኩምን ከምእትርስዑዋን ። እምበኣር ሕጂ ምስ መን ከም ዘለኹም ንኽትፈልጡ ጽብቕቲ መርትዖ ኢያ ። ንሕና ንሰብ ስለዘይበደልና ንነብስና ምስ እግዚኣብሄር ከም እንነብር እንፈልጥ ብዙሓት ገርህታት ኣለና ። እዚ ግን ነቶም ገርሂ ዝልቦም እናኣዓሸወ ናብታ ናይ መወዳእታ ጸልማት ኢያ ትመርሓና ።
ክብሪ ምስጋና ይኹኖ ፡ ጎይታ ኣለም ኢየሱስ ክርስቶስ ንሃዋርያት ናብ ዓለም ክልእኮም እንከሎ ኣብ ወንጌለ ማትዮስ ፡ “እነሆ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እልእከኩም ኣለኹ’ሞ ፡ ጠቢባን ከም ተመን ለዋሃት ከም ርግቢ ኩኑ” ኢሉዎም ።
ኣብዚ ግሩም ቃል እንተኣስተውዒልና ጥበብ ቅድሚ ለውሃት ተሰሪዓ ፡ ተመን ተባሂሉ ዘሎ ካኣ እቲ እትፈልጥዎ ዲያብሎስ ንደቂ ሰብ ብዘይ ኩርማጅ ዘጋልበና ዘሎ ኢዩ ። ሰይጣን’ኳ ንጥፍኣት ብጥበብ ካብ ተጓዕዘ ፡ ንሕና ኸ ንድሕነት ስለምንታይ ዘይንጓዓዝ፣
በሉ እዛ እግዚኣብሄር ይመስገን እትብል ቃል ኣብ ዝኾነ ሰዓትን ኣብ ዝኾነ እዋንን ኣብ ከናፍርና እንተጠቢቓ ፡ ርግጸኛ’የ ሰይጣን ምሳና ንኸይነብር ዕድሉ ከምዝዕጾ ፡ ንሕና ካኣ ኣብዛ ምድሪ ብፍቕርን ብሰላምን ብበረኸትን ንነብር ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ፡ ሰይጣን እግዚኣብሄር ይኣምን ፡ ስሙ እንክጽዋዕ ካኣ ፡ ይርዕድን የንቀጥቅጥን ይብል ። በዚ ዘይሕሶ ቅዱስ ቃል ጌርና በቲ በሊሕ ክልተ ዝኣፉ ሴፍ እግዚኣብሄር ንጸላኢና ሰይጣን እንተሲዒርና ዳኣ እንታይ ዘሰክፍ ኣለና ። እግዚኣብሄር ንዓና ምፍጣሩ’ኮ ፡ ንስሙ ብኣኽብሮት እናጸዋዕና ንሰናይ ፍቕሩን ግብሩን እናኣመስገንና ከነምልኾ ነዛ ምድሪ ድማ ንኽንወርሳ ኢዩ ፈጢሩና ።
እናረሳዕናዮ እምበር እቶም ዝወለዱና ወለዲ ብኻልእ ስም ክንጽዋዕ እንተሰሚዖም ኣይሕጎሱን’ዮም ። ኣብዚ ዓለማዊ ስርሓት ይኹን ጽሑፋት ወይ መጻሕፍቲ’ኮ ብስም ደራሲኤን ኢየን ዝጽዋዓ ። እሞ ንሕና ፈጣሪና ጥራይ ዘይኮነስ ጓሳና ሓላዊና ጽላልና ዋሕስና ተስፋና ፡ መድሃኒትና መን ዲዩ፥
ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሙን ኣብ መጽሓፈ ምሳሌ ምዕ.1 ፍቕዲ 7 እታ ናይ መጀመርያ ጥበብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ኢያ ይብል ። ፍርሃት እግዚኣብሄር ዘለዎ ሰብ ካኣ ምስ እግዚኣብሄር ይነብር ። ምስ እግዚኣብሄር ዝነብር ካኣ ፡ ኩሉ ነገር ዝተማልኤ ሂወት ይነብር መዝ፡1፡1-6 ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ ፡ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ዘይቀውም ኣብ መንበር መላገጽቲ ካኣ ዘይቅመጥ ፡ ነቲ ሕጉ ለይትን መዓልትን ዘመራመሮ ሰብሲ ብጹእ ኢዩ ። ከምታ ኣብ ወሰን ወሓዚ እተተኽለት ኦም ቆጽላ ዘይረግፍ ፍሪኣ ካኣ በብግዚኡ እትህብ ይኸውን ኩሉ ዝሓስቦ ካኣ ይሰልጦ ። እቶም ረሲኣን ግና ከምቲ ንፋስ ዝብትኖ ቡቕቡቕ ኢዮም ይብል ። መዝ.90፡1 ኣብ ጽላል እቲ ልዑል ዝሓድር ኣብ ትሕቲ እቲ ኩሉ ዝኽእል ይነብር ።
ስለዚ ህዝበ ክርስትያን ስም እግዚኣብሄር ብፍርሃትን ብኣኽብሮትን ብፍቕርን ብምጽዋዕና ክንድዚ ካብ ተባረኽና ንጸላኢና ብዘይ ዋጋ ካብ ኣሰንበድና ፡ ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣትሒዝና ኣብ ሓጎስ ኣብ መከራ ኣብ ኩሉ ሂወትና ብምድግጋም ነዛ ቅድስቲ ቃል ወትሩ ንደጋግማ ሓደራ ብማርያም

ስብሃት ለእግዚኣብሄር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል ማርያም
ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!!!


ንብጾትኩም ምብጻሕ ናትኩም ግደ ይኹን
ሸር ንበለሎም ከም ፍቃድ እግዚኣብሔር
ካልኣይ ግዜ ሽር ዝብላ ዘለኹ