#ውሳኔ #ቅዱስ #ስኖዶስ #ኤርትራ

#ውሳኔ #ቅዱስ #ስኖዶስ #ኤርትራ #ኣብ #ልዕሊ #ኣባ #ሲኖዳ(ኣባ ምሕጽንቱ)

ዕለት 10/06/2016 ዓ•ም•ፈ

ቀጽሪ መዝገብ ቅዱስ ስኖዶስ 700•114

ናብ ሃገረ ስብከት ሕ/መ ኣሜሪካን ካናዳን

1•ብፁእ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ። ኣካቢ

2•ብፁእ ኣቡነ ቄርሎስ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ቐይሕ። ኣባል

3•ብፁእ ኣቡነ ሰላማ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ። ኣባል

4•ብፁእ ኣቡነ ዮሓንስ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜናውን ደቡባውን። ኣባል

5•ብፁእ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ምእከል። ኣባል

6•ብፁእ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ጋሽ ባርካ። ኣባል

7•ብፁእ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣማሕዳሪ ኤ/ኦ/ተ/ቤ…ክን። ኣባል

8•መምህር ገብረስላሴ ኣድሓኖም። ኣባል

9•መምህር ክብረኣብ ገብረማርያም። ኣባል

10•መምህር መልከጼድቕ ኣብረሃም። ኣባል

ጉዳይ„ምርግጋጽ ስሙር ውሳነታት ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ልዕሊ ብፁእ ኣቡነ ሲኖዳ

ከምዝፍለጥ ብፁእ ኣቡነ ሲኖዳ ብቅዱስ ሲኖዶስ ተመዚዞም ተመዲቦምን ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሕ•መ ኣሜርካን ካናዳን ብምኻን ካብ 2005 ዓ•ም•ፈ ኣትሒዙ ከገልግሉ ምጽንሖም ይዝከር ይኹን እምበር ከም ኣባል መጠን ብሓላፍነት ኣብ ዝነበሩለን 10ተ ዓመታት ሕገ ቤተ ክርስትያን ዝእዝዞ ርክባት ምስ ቅዱስ ሲኖዶስ #ከካይዱ #ኣይጸንሑን።ብሓባር ንዝገበርናሎም ጻውዒት’ውን እንትርፎ ቀጻሊ ምስምስ ምሳና ኣብ ጉባኤ ክርከቡ ኣይተራእዩን።ኣቀዲሙ ብተደጋጋሚ ኣብ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ክርከቡ ክግበረሎም ዝጸንሐ ጻውዒት ንጐኒ ገዲፍና፥ ቅዱስ ሲኖዶስ ሓድሽ እማመ ኣጽዲቑ ስራሕና ብሓድሽ መንፈስ ከነካይድ ካብ ዝጀመርናሉ 2015 ዓ•ም•ፈ ኣትሒዙ፥ውን ንዝቐረብናሎም ሠለስተ ጻውዒት፥ውን ኣየኽበርዎን።እዚ ሕጊ ቤተ ክርስትያን ዝጥሕስ ዘይሕጋዊ ተግባር ምስ ኩሉ ዓቕሊ ዝተሓወሶ ኣተሓሒዙ ሸለል ተባሂሉ ክሕለፍ ስለዘይክእል ድማ ንሕና ቅዱስ ሲኖዶስ ብስሙር ድምጺ ነዞም ዝስዕቡ ጻዕርታት ከምዝካየደን በብጊዜኡ ውሳነታትን ከምዝሕለፍናን ኣብ ኩሎም ኣካላት ቤተ ክርስትያን ርዱእን ንጹርን ኪኽውንን ይግባእ።

1)•ንሕና ቅዱስ ሲኖዶስ ንጉዳዮም ብዕምቈት መርሚርና፡ኣብ መወዳእታ ግንቦት 2015 ዓ•ም•ፈ ልእኻን ቅዱስ ሲኖዶስ እንተላይ ንጉዳይ ኣቡነ ሲኖዳ ዝምልከት መምርሒ ቅዱስ ሲኖዶስ ሒዞም ኣብ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካን ካናዳን ዑደት ከካይዱ ኣብ ዝለኣኽናሉ እዋን፡ንብፁእ ኣቡነ ሲኖዳ ምስቶም ዝለኣኽናዮም ልእኻን ቅዱስ ሲኖዶስ ብሓባር ክምልርሱን ኣብ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ተረኺቦም ንክላዘቡን መምርሒ ሂብናዮም።ልኡኻን ቅዱስ ሲኖዶስ ብዝተፈላለየ መገዲ ክስምዕዎም ዝገብርዎ ጻዕሪ ስለዘይሰለጠን ከም ቀደሞም ዝተፈላለየ ምስምስ ብምቕራብ ክቕበልዎ ስለዘይከኣሉን ድማ፡ነዚ ጻውዒት ምስ ዘየኽብሩ ኣቐዲምና ምስቲ ዝተዘርገሐ መምርሒ ብዘሕለፍናዮ ውሳነ ንጻውዒት ቅዱስ ሲኖዶስ ኣኽቢሮም ክሳብ ዝምለሱ፡ዝብል ጠቒስና ካብ ዕለት 27/10/2015 ዓ•ም•ፈ ጀሚሩ #ካብ #ሓላፍነትን #ምሕደራን #ሃገረ #ስብከት #ኣጊድናዮም።(መምርሒ ቅ•ሲ 1/520/91/2007(2015)ቁ•4 ደብዳበ ቅ/ሲ /1/532/93/2007/2015

2)•ድሕርዚ ውሳነን ምምላስ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስን፡ካብቲ ዝተጠቕሰ ዑዶት፡ንሕና ቅዱስ ሲኖዶስ ብዕለት 29/07/2015 ዓ•ም•ፈ ኣብ ዝገበርናዮ ኣኼባ ነቲ ጉዳይ ብምምርማር፥ ዳግማይ ዕድል ብምሃብ ክሳብ ክብረ ባዓል ቅዱስ ዮሓንስ 12/09/2015 ዓ•ም•ፈ ኣብ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ክርከቡን ጉዳዮም ብኣካል ቀሪቦም ከገልፁልናን ምስ መጠንቀቕትኡ ኣፍሊጥናዮም።ነዚ፥ውን ኣይተቀበልዎን። (ቁ•መ•ቅ/ሲ/1/588/103/2008(2015)

3)•ሥልጣንን ጻውዒትን ቅዱስ ሲኖዶስ ዝግህስ ተግባር ብቀጻሊ እናተራእየ ብኸሙኡ ከኣ ሕጊ ኣልቦነት ክስዕርር ቅኑዕ ስለዘይኮነ ንሕና ቅዱስ ሲኖዶስ ብዕለት 25/09/2015 ዓ•ም•ፈ ኣብ ዝገበርናዮ ኣኼባ #ብስሙር #ድምጺ #ንብፁእ #ኣቡነ #ሲኖዳ #ምሉእ #ንምሉእ #ካብ #ኣባልነት #ቅዱስ #ሲኖዶስ #ኣጊድናዮም። ብስልጣነ ጳጳስ ድማ ዝኮነ ስራሕ ኣብዚ ሃገረ ስብከት ከየካይዱ እገዳ ኣንቢርናሎም። ኣብ ትሕቴኦም ዝጸንሐ ንብረትን ገንዘብን ሰነድን ድማ ክሳዕ 12/10/2015 ዓ•ም•ፈ ከረክቡ ውሳነ ሂብናዮም።ነዚ ውን ጥሒሶም (ቁ•መ• ቅ•ሲ/1/576/101/2008(2015)

ብመሠረቱ ብፁእ ኣቡነ ሲኖዳ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኢዮም ነይሮም።ጵጵስና ዝተዋህቦም,ውን ብፍቃድን ብስልጣንን ቅዱስ ሲኖዶስን ኣባላቱም ዘጸልም ወረ ኣብ ምንዛሕ፡ኩሉ ክግበር ዝጸንሐ ሰላማዊን ሕጋዊን ብምልኣትን ስሙርን ውሳነ ቅዱስ ሲኖዶስን ዘይኮነስ ብሓደ ክልተ ኣባላት ዝተፈብረኸ ምኻኑ ንምምሳል ኣብ ልዕሊ ሓድነት ቅዱስ ሲኖዶስ ቤተክርስትያን ዘይግባእ ተግባራት ክፍጹሙ ምጽንሖም ይፍለጥ።ሎሚ ጽባሕ ናብ ልቦም ይምለሱ ይኾኑ ብምባል ንንስሓ ግዜ ንምሃብ ደኣ እምበር ውሳነታት መምርሒታትን ቅዱስ ስኖዶስ ጥሒሶም ዘካይድዎ ዘለው ካልእ ዝይሕጋዊ ተግባርውን ካብ ዓይንና ዝተኸወለ ኣይነበረን።

ስለዚ ኩልኹም ኣባላት ሃገረ ስብከት ከሙኡ፥ውን ኣብ ትሕቴኹም ዝርከቡ ስዩማን ኣገልገልቲ ውሉደ ክህነትን፡ክቡራንን ክቡራትን መእመናንን ምእመናትን መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበትን፡ብፁእ ኣቡነ ሲኖዳ ምስ ቅዱስ ስኖዶስ ሕጋዊን ንቡርን ዝምድና ክህልዎም ክንገብሮ ዝጸናሕና ጻዕርን በብረጁኡ ዓቕሊ ብዝተሓወሶ መገዲ ክንወስዶ ዝጸናሕና ውሳነታት ብስሙ ድምጺ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ዝተመሓላለፈ ምንባሩ ነረጋግጸልኩም።

ሕጂ ውን ቅዱስ ሲኖዶስ ብዘለዎ ሥልጣን ልዕልና ሕጊ ክኽበርን ሓደነት ቤተ ክርስታይን ከጽንዕን ውሳነ ክሕልፍ ሓላፍነቱ ስለዝኾነ፡ኣቡነ ሲኖዳ ብዝገበርዎ ተጣዒሶም በኣካል ኣብ ቅዱስ ሲኖዶስ ቀሪቦም ጉዳዮም ክሳብ ዘየቕረቡ ክሳብ ሎሚ ዕለት 24 ግንቦት 2008 ዓ•ም (01/06/2016 ንነየው #ምሉእ #ብምሉእ ካብ #መዓርገ #ጵጵስናኦም #ከም #ዘውረድናዮምን #ከም #ኣባል #ቅዱስ #ሲኖዶስ ከምዘይንፈልጦምን ብስሙር ነዚ ውሳነዚ ከምዘሕለፍና በዚ ደብዳቤ ነፍልጠኩም። ብመገድኹም።ከኣ ንኩሉ ኣብ ሃገረ ስብከት ዝርከባ ክልል ሰበኻ ጉባኤን ኣብያተ ቤተክርስትያንን ከተፍልጡን ክትሕብሩን ነተሓሳስብ።

ኮይኑ ግና ኩሉኹም ክትርድኡልና ዝግባኣኩም ነገር ኣሎ።ይትረፍ ሓደ ኣብ ልዑል መዓርገ ጵጵስና ዝበጽሐ ሓደ ድኹም መእመን እኳ ካብ ሓድነት ቤተክርስትያን ክፍለ ክርሕቅ ክንጸል ድሌትናን ኣይኮነን ይኹን እምበር ዝኮነ ሰብ ትሕቲ ሕጊ እምበር ልዕሊ ሕጊ ክኸይድ ኣይግበኣን ብፍላይ ከኣ ሕጊ ኣክቢሩ ሕጊ ከክብርን ክምህርን ንኻልኦት ኣብነትን መምህርን ክኸውን ዝግቦኦ ጳጳስ ሕጂ ውን እንተኾነ ኣቡነ ሲኖዳ ሓውናን ብጻይናን ብምኻኖም ልቢ ኣዕብዮም ተጣዒሶም ክምለሱልና ድሌትና ኮይኑ ኩሉ ኣሉታዊ ተግባሮም ገዲፎምን ትእዛዝ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣክቢሮምን ምሳና ንሓድነትን ዕቤትን ቤተክርስትያን ክሰርሑ እንተደኣ ተበጊሶም ምዓጾ ቅዱስ ሲኖዶኣ ርሑው ምኻኑ ከነረጋግጸልኩም ንደሊ።

ብዝተረፈ ግና ብመሰረት ኣብ ቅድስት ቤተክርስትያን ከይትመላለሱ ንዝንዛሕ ኮንቱ ወረታት እዝኒ ከይሃብኩም ከም ቀደምኩም ሓድነትኩምን ሰላምኩምን ኣጽንዒኩምን ምስ ቤተክርስትያንኩምን ቅዱስ ሲኖዶስን ዘለኩም ዝምድናን ርክብን ከተደልድሉ ሓደራ ንብል።

ሰላም እግዚኣብሔር ምስ ኩልና ይኩን

1………………………2…………………3…………………………4…………………5………………………6……………………7……………………8………………………9………………………10……………………………

ቅዳሕ :-

-ቤ/ት መንበረ ፓትርያርክ
-ቤ/ት ሃይማኖት ጉዳይ ኣስመራ
-ቤ/ት ኤባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሕ/መ ኣመሪካን ካናዳን
-ኣባ ሲኖዳ