ጸሎት ምስ ጾም

ጸሎት ምስ ጾም ምስ ምጽዋትን ስግደትን እንተኾይኑ እዩ ዝሰምር ። ብፍላይ ጾምን ስግደትን ኣብ ዘለዎ ጸሎት ናይ ግድን እዩ። ጾም ቁስለ ነፍሲ ትፍውስ ኃይለ ፍትወት ተድክም፣ ናይ ኩሉ ጽቡቅ ምግባራት መጀመሪት፣ ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ጸጋ ተውህብ፣ መጀመሪ ስራሕ ወንጌል፣ ናይ ጽሙዳን ክብሮም፣ ናይ ንጽህና መግለጺት ፣ ሰውነትና ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ትሕት ኣቢልና ብምውራድ ንትሕትና ገንዘብና ንኽንገብራ ትሕግዘና መድኃኒተ ነፍሲ ናይ ጽድቂ በሪ እያ።

ኣብ እዋን ጾም ሰብ ንእግዚአብሔር ዘለዎ ፍቕሪ ዝገልጸሉ፣ መንፈሳዊ ተጋድሎ ዝበዝሓሉ ሰብ ምስ እግዚአብሔር ዘለዎ ቤተሰባዊ ምቅርራብ ዘዛይደሉ፣ ስለ ገዛእ ርእሱን ስለወገናቱን ሓጥያት ዝሓዝነሉን ናብ እግዚአብሔር ዝምልሰሉ ፍሉይ እዋን እዩ።

ክርስቲያን ካብ ሥጋኡ ንላዕሊ ንነፍሱ ጥዕና ክጭነቅ መንፈሳዊ ሂወቱ ክሕሉ ይግባእ ኢዩ እም ኣብ እዛ ጾም ዓርባዓ እትእመጽእ ዘላ ተጊሕና ንጹም።

እግዚኣብሔር ጾምናን ጸሎትናን ይቀበለልና