ጾም (2ተ ሱባኤ)

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን።
ሰላም እግዚኣብሔር ምስ ኩልና ይኹን ናይ እግዚኣብሔር ቤተ ሰብ ከመይ ቀኒኹም?
እምበኣር እዚ ሒዝናዮ ዝጸናሕና ጾም (2ተ ሱባኤ) ሰሉስ እዩ ዝውድእ.
ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም (ፍልሰታ) ወይ ድማ ዕርገታ ሰሉስ ዕለት (16/ነሓሰ) እዩ ዝውዕል ንሰሉስ ቅዳሴ ስለ ዘየለ ኩሉ ስርዓተ ቅዳሴኣን ናይ ዕርገታ ተኣምር ዝንበበሉ ከምኡ’ውን ንድንግል ማርያም ዝምልከት ወንጌል ዝንበበሉን እነኽብረሉ መዓልቲ ጽባሕ ሰንበት ስለ ዝኾነ ኩልና ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም (ፍልሰታ) ወይ ድማ ናይ ዕርገታ በረኸት ተኻፈልቲ ክንከውን ናይ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ቅዱስ ፍቃድ ይኹነልና። ኣሜን.